ድለ

ኣብ ምዕራብ ኡጋንዳ ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ 42 ተመሃሮ ሞይቶም ኣብ ምዕራብ ኡጋንዳ ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ 42 ተመሃሮ ሞይቶም 

ኣብ ምዕራብ ኡጋንዳ ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ 42 ተመሃሮ ሞይቶም

እቲ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ጉጅለ ደሞክራስያውያን ሓልታት ቃል ኪዳን ብዝብል መጸውዕ ኣብ 1995 ዓ.ም. ዝተመስረተ ኮይኑ

በቶም ገዛእ ርእሶም ኤይ ዲ ኤፍ ቢሎም ዝጽውዑ ዓማጽያን ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ብዝፈጸምዎ ዘስካሕክሕ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ኣርብዓን ክልተን ተመሃሮ ከም ዝሞቱ ክረጋገጽ እንከሎ፡ ቁጽሮም ገና ዘይፍለጥ ተመሃሮ እውን ከም እተጨውዩ ካብታ ሃገር ዝወጸ ሃበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ምዕራባዊ ኡጋንዳ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ በቶም ምስ እሳላማዊ መንግስቲ ብዝብል መጸውዕ ምዝ ዝፈልጡ ኣሸበርቲ ርክብ ዘለዎም ዕጡቓት ዓመጽቲ ጉጅለ ደሞክራስያውያን ሓልታት ቃል ኪዳን ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ተመሃሮ ከም ዝሞቱን ብውሑድ ሽዱሽተ ተመሃሮ ድማ ከም እተጨውዩ ናይታ ሃገር ምንጭታት ሓይሊ ጸጥታ ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ ምፖንድወ  ኣብ ዘሎ ልሁቢሪራ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዕለት 16 ሰነ ዝተፈደመ ኮይኑ ብውሑድ 40 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት ሸሞንተ ድማ ብዝወረዶም ከቢድ ማህሰይቲ ምኽንያት ኣብ ቤት ሕክምና ከም ዝርከቡን፡ የመላኽት፣

ጉጅለ ደሞክራስያውያን ሓልታት ቃል ኪዳን

እቲ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ጉጅለ ደሞክራስያውያን ሓልታት ቃል ኪዳን ብዝብል መጸውዕ ኣብ 1995 ዓ.ም. ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው ሓይሊ ጸጥታ ስርሒት መርመራ የካይድ ከም ዘሎን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስትያንን ከምኡ እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንዝርከቡ ኣባላቱ ናጻ ንምውጻእ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣባይቲ ማሕቡስን ሽበራዊ መጥቓዕቲ ከም ዝፍጽሙን ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራሕ 150 ሰባት ከም ዝቐትሉ ዜና ቫቲካን ናይታ ሃገር ሓይሊ ጸጥታ መግለጺ ጠቒሱ ከመላኽት እንከሎ፥ ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ ካምፓላ ብዘጽመድዎ ቦምቢ ሽዱሽተ ሰባት ከም ዝሞቱን ብመሰረት ናይታ ሃገር ምንጪ ዜና የዘኻኽር።

19 June 2023, 16:07