ድለ

ሱዳን፥ ጥሜትን ስቓይን ህጻናት ሱዳን ሱዳን፥ ጥሜትን ስቓይን ህጻናት ሱዳን 

ሱዳን፥ ጥሜትን ስቓይን ህጻናት ሱዳን

ኣብዛ ድሮ 7.6 ሚሊዮን ህጻናት ብሕጽረት መግቢ ኣብ ዝሳቐዩላ ሃገር እቲ ውግእ ካብ ዝብገስ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ እዋርሕ ካልኦት 1.7 ሚሊዮን ህጻናት ንጥምየት ይቃልዑ ከም ዘለዉን...

ዓለም ሓቆፍ ኣድሕን ህጻናት ማሕበር፥ ኣብ ሱዳን ካብ መላእ ብዝሒ ህጻናት እታ ሃገር ናይቶም ልዕሊ ፍርቂ ዕጫ ጥምየትን ስቓይን ይኸውን ከምዘሎን፥ እቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዙሓት ሱዳናውያን ንምዝብልንናን ጥምየትን ካብ ምቅላዕ ሓሊፉ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዝካየድ ጻዕርታት የሰናኽል ምህላዉ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ከም ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብታ ኣብ ሓድሕዳዊ ውግእ እትርከብ ዘላ ሃገረ ሱዳን ብገምጋም 14 ሚሊዮን ሰባት ተመዛቢሎም ኣብ ዘለውሉ እዋን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሱዳንን ጎረባብቲ ሃገራትን ንዘሎ ወሳኒ ድሌታት ንምምላእ ሰፊሕ ሰብኣዊ ምላሽ ንምድላው ገንዘብን ዓቕምን ከዋፍር ጻውዒት የቕርብ።

ልዕሊ 9 ሚሊዮን ህጻናት ሱዳን ኣብ ዝቕጽሉ እዋን ብሰንኪ እቲ ንዘራእቲ ኣብ ሓደጋ ዘእትው ዘሎ ሓድሕዳዊ ኲናት ንከቢድ ሕጽረት መግቢ ክቃልዑ ከም ዝኾኑን፡ እዚ ድማ እቲ ንልዕሊ 100 ዓመታት  ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ህጻናት ኣብ ምድሓን ዝቃለስ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ኣድሕን ሕጻናት ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ዘቕርቦ ዘሎ ዓቢይ ናይ መጠንቀቕታ ደወል እዩ።

ኣብዛ ድሮ 7.6 ሚሊዮን ህጻናት ብሕጽረት መግቢ ኣብ ዝሳቐዩላ ሃገር እቲ ውግእ ካብ ዝብገስ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ እዋርሕ  ካልኦት 1.7 ሚሊዮን ህጻናት ንጥምየት ይቃልዑ ከም ዘለዉን፥ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ጥራይ ብዝሒ እቶም ብጥምየት ዝሳቐዩ ህጻናት ብ 22 ሚእታዊ ክብ ከም ዝበለን ነቲ ህጹጽ ኩነታት ንምድራት ማዕረ ወሰኽ ሓገዝ እንተዘይተገይሩ ተወሳኺ ስቓይን ሞትን ህጻናት ክስዕብ ምዃኑ ጸብጻብ ኣድሕን ህጻናት ማሕበር ከም ዘፍለጠ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ልዕሊ 14 ሚሊዮን ዝኾኑ ሰባት ከም እተመዛበሉ ዝገለጸ ማሕበር ኣድሕን ህጻናት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሱዳንን ጎረባብቲ ሃገራትን እንኮላይ ኣብ ከባቢኣን ኣድላዪ ነግራት ኣብ ምቕራብ መጠነ ሰፊሕ ወፈራ ግብረ ሰናይ ውሑስ ክኸውን ናይ ገንዘብን ዓቕምን ሓገዝ ከቕርብ ጻውዒት ከም ዘመሓላለፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ኣድሕን ህጻናት ማሕበር ኣብ ሓሙሽተ ግዝኣት ሱዳን ንሕጻናትን ኣባይቲ ስድራኦምን ብተወሳኺ ኣብ ግዝኣት ጌዚራ ዝነብሩን ነቶም ኣብ ምስርን ደቡብ ሱድንን ዝርከቡ ስደተይናታት ሱዳን ሓገዝ የቕርብ ምህላዉ ክንገር እንከሎ፡ እዚ ማሕበር እዚ ኣብ ሱዳን ካብ 1983 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝዓዪ ኮይኑ፡ ኣብ 2022 ዓ.ም. ን 2.1 ሚሊዮን ሰባት ከምኡ እውን 1.5 ሚሊዮን ህጻናት ኣድላዪ ዑቕባ ክረኽቡን ኣገልግሎት ትምህርትን ጥዕናን መግብን ኣብ ምቕራብ ዘተኮረ መደብ የካይድ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን ናይቲ ማሕበር መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

10 June 2023, 16:38