ድለ

ሱዳን፥ ውግእ ሓድሕድ ይገድድ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ዳርፉር ዓሌታዊ ዓመጽ ይሰፍሕ ሱዳን፥ ውግእ ሓድሕድ ይገድድ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ዳርፉር ዓሌታዊ ዓመጽ ይሰፍሕ  (AFP or licensors)

ሱዳን፥ ውግእ ሓድሕድ ይገድድ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ዳርፉር ዓሌታዊ ዓመጽ ይሰፍሕ

ምስቲ ዘሎን እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ሓድሕዳዊ ኲናት ኣብ መንጎ ህዝቢ ማሳሊትን ቀቢልታት ዓረብን ዝተፈጥረ ግጭት እቲ ውግእ ብሄራዊ መልክዕ ሒዙ ክኸይድ ክገብሮ ከምዝኽእል

ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ሱዳን ምዕራብ ዳርፉርን ካርቱም ሓዊስካ ኣብ መንጎ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳንን ምክልኻል ሓይልታት ቅሉጥፍ ደገፍን ዝካየድ ዘሎ ውግእ እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ ክንገር እንከሎ፡ ኣብ ዳርፉር ዓሌታዊ ዓመጽ ይርአ ምህላዉ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 15 ሚያዝያ ሓድሕውዳዊ ውግእ ካብ ዝብገስ እቲ ዝኸፋአ ኣብ ኤል ጀኒያና ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፥ እቲ ኲናት እናገደደ ብዙሓት ንሞት ስደትን ምዝብልናን ይዳርግ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ፊደስ ዜና ኣገልግሎት ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ ከመላኽት እንከሎ፥

ወፍሪ ምጽናት ዓሌት

ምስቲ ዘሎን እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ሓድሕዳዊ ኲናት ኣብ መንጎ ህዝቢ ማሳሊትን ቀቢልታት ዓረብን ዝተፈጥረ ግጭት እቲ ውግእ ብሄራዊ መልክዕ ሒዙ ክኸይድ ከይገብሮ ዘፍርሕን ምዃኑን፥ ኣብ መንጎ እቶም ቀቢላታት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ህይወት ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት የጥፍእ ምህላዉን ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ እታ ሃገር ሰፊሕ ዕንወት የስዕብ ከምዘሎን ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝሕብርዎ እቶም ዕጡቓት ሓይሊ ነቶም ዓረብ ዘይኮኑ ህዝቢ ዒላማ ብምግባር ወፍሪ ምጽራይ ዓሌት የካይዱ ምህላዎም ምንጪ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ክሕብር እንከሎ፥ ናይ ሕቡራት ሃገርት ልኡኽ ኣብ ሱዳን ቮልከር ፐርተስ ነዚ ጉዳይ እዚ ከም ዝኾነኑን “ኩነታት ዳርፉር እናኸፈአ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብፍላይ ኣብ ኤል ጀነይና (ምዕራብ ዳርፉ) ዘሎ ዓሌት ዘማእከለ መጥቃዕቲ ዘሻቕል ምዃኑ ሓቢሮም፡ ኣተሓሒዞም “ናይ ወተሃደራት ሓይልታት ቅሉጥፍ ደገፍ መለለዪ ዘለዎም ዕጡቓት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ዓሌታዊ መጥቓዕቲ እዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ። እዚ ጉዳይ እዚ እውን ኣንጻር ሰብኣውነት ብዝብል ገበን ከኽስስ ይኽእል” እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ ኣፍሊጡ።

ካቴድራል ብተወንጫፊ ብኽፋል ከም እተሃርመ

ካልእ እቲ ብውግእ ዝተሃስየ ከባቢ ስሜን ኮርዶፋ ኮይኑ ርእሰ ከተማ ኤል ኣብይድ ኣብ ማእከል ወጥሪ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ምህላዋን ሓይሊ ኣየር ሱዳን ኣብ ምዕራባዊ ወሰን እታ ከተማ ንዝርከቡ ሓያሎ መደብራት ሓይሊ ምክልኻ ህጹጽ እዋን መጥቃዕቲ የካይድ ምህላዉን፥ ድሮ ኣብ መጀመርታ ተጻብኦታት ካቴድራል እታ ከተማ ብተወንጫፊ ከም እተሃርመን ጳጳሳት ኤል ኣበድ ዮናን ቶምበ ትሪለ ኩኩ እንዳሊ ንኣሶሺየት ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፥ ብዝተኻእለ መጠን “ምስቶም ምእመናን ከም ዘለዉን ሰንበት ሰንበት ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ከከም ኣድላይነቱ ድማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ህዝቢ ኣገልግሎት ተቕርብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ “እታ ከተማ ተኸቢባ ከም ዘላን ሰባት መሰረታዊ ኣገልግሎት ከም ዘይብሎምን ኣብዚ ቅንያት ዝናም ይዘንም ስለ ዘሎ  ገለ ማይ ክንእክብ በቒዕና፡ ኣብ ጸሎት ድማ ምልክት ሰላም ንጽበ፡ መራሕትና ብዕቱብ ድላይ ናብ ዘተ ከብሉ ተስፋ ንገብር” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

17 June 2023, 15:44