ድለ

ኣብ ልዕሊ እቶም ገና ግዳያት ዓመጽን ምድሃልን ዝኾኑ በሓያት “ጌጋ ሓሳባት” ካብ ሱሩ ምጥፋእ ኣብ ልዕሊ እቶም ገና ግዳያት ዓመጽን ምድሃልን ዝኾኑ በሓያት “ጌጋ ሓሳባት” ካብ ሱሩ ምጥፋእ  (AFP or licensors)

ኣብ ልዕሊ እቶም ገና ግዳያት ዓመጽን ምድሃልን ዝኾኑ በሓያት “ጌጋ ሓሳባት” ካብ ሱሩ ምጥፋእ

ኵሎም ወይ እቶም ብሕጽረት ወይ ምንካይ ሕብሪ ቆርበት ዝተጠቕዑ ‘በሓያት’ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጡ ዝንጸሉን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዝቃልዑ ብፍላይ ኣብ ትሕተ ሰሃራት ሃገራት ዝርከቡ ዝወርዶም ኣድልዎን ዓመጽን ከብቅዕ

ብዛዕባ እቶም ካብ ዝውለዱ ኣትሒዞም ኣድልዎን ህስያን ዘጋጥሞም በሓያት ጸገማቶም ማሕበረሰብ ዓለም ኣፍልጦ ብምሃብ ካብቲ ዝወርዶም ዘሎ ጸገም ንኽናገፉን ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮም ክሕሎ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ እተን በሓያን ደቀ ንስትዮ ንዓምጽን ንስሒራዊ ጽምብላት ከም ኣገልግለቲ ተገይረን ካብ ዘጋጥመን ኢሰብኣዊ ተግባራት ክላቐቓ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ማሕበረሰብ ዓለም ንምንቕቓሕ ኣሚቱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቖሞ ዕለት 13 ሰነ በቢ ዓመቱ ዝዝከር መዓልቲ በሓያት ተዘኪሩ ከም ዝወዓለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኵሎም ወይ እቶም ብሕጽረት ወይ ምንካይ ሕብሪ ቆርበት ዝተጠቕዑ ‘በሓያት’ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጡ  ዝንጸሉን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዝቃልዑ ብፍላይ ኣብ ትሕተ ሰሃራት ሃገራት ዝርከቡ ዝወርዶም ኣድልዎን ዓመጽን ከብቅዕ ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮምን ክሕሎ ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት 13 ሰነ በቢ ዓመቱ ተዘኪሩ ክውዕልን ኣብታ ዕለት እቲኣ ብዛዕባ በሓያትን ጸገማቶምን ዓለም ግንዛበ ክህልዎ፡ ብዛዕባ እዞን ሰባት እዚኣቶም ዘሎ ጉጉይ ሓሳባት ንምፍጥእ ዝተፈላለየ መደባት ዝነቓቕሓሉ ዕለት ክኸውን ዘቖሞ ከም ዝዝኾነ ዝፈልጥ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እዛ ዕለት እዚኣ ኣማእኪለን ገዛእ ርእሰን በሓይ ዝኾና ናይቲ ዛዕባ መሰልን ክብርን እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ዝግደስ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ዝርከብ ማሕበር ኣደ መንበር ኤሊዛ ትሮንኮኒ፥ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ “እቲ ኣብ ልዕሊ በሓያትን በሓያንን ዝንገርን ዝበሃልን ጉጉይ ኣመለኻኽታን ዝወርዶም ዓመጽን ዓልቅን ካብ ስሩ ክመሓው” ናይ ኩሉ ዜጋን መንግስታትን ዓቢይ ጻዕሪ እዩ ኢለን።

ኣብ ኣፍሪቃ

ዝፍጸም ኣድልዎን ዓመጽን ተግባራት ኩሉ ልክዕ ኣብተን ዝበዝሐ ህዝቢ ጸሊም ዝኾነለን ሃገራት እዩ ዝፍጸም፡ ኣብ መሰረት ናይቲ ዝወርዶም ዓምጽ በሓይ ልዕለ ባህርያዊ ሓይሊ ዝተዓደሉ ሕማቕ ዕድል እውን ከምጽኡ ዝኽእሉ እያይቶም ዝብል እምነት ከምዘሎን፡ ንኣብነት ኣብ ታንዛንያን ማላዊን በሓይ ጽቡቕ ዕድላት ከምጽኡ ይኽእሉ ተባሂሎም ስለ ዝሕሰቡ ክፍለ ኣካላቶም ኣብ ጽምብላት ሽሕርን ጥንቆላን ከም ዝጥቀሙሉን፡ ኣብ ገለ ዓድታት ኣፍሪቃ ገለ ገለ ክፍለ ኣካል በሓይ ከም ዝሽየጥን ቆርቦቶም ድማ ንንግዲ ከም ዝቐርብን” ገሊጸን በሓይ ኣዋልድ መብዛሕቲኡ ግዜ ይዕመጻን ንሕሙማት ኤይድስ ይፍውሳ እየን ተባሂለን ስለ ዝሕሰባ ምስ ህሙማት ኣይድስ ብዝኾኑ ድቂ ተባዕትዮ ከም ዝድፈራ” ይሕብራ።

ካብ ኣፍሪቃ ክሳብ ቅድስቲ መንበር

ኣብ ወርሒ ግንቦት 2013 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዛዕባ ምስ ግጭት ዝተኣሳሰረ ጾታዊ ዓመጽ ዝምልከት ኣህጉራዊ ዋዕላ ምክያዱ ዝዝከር ኮይኑ፥ ኣብቲ መድርኽ ምስክርነት ዝህቡ ካብ ዝነበሩ ሓንቲ ጓል 18 ዓመት ካብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝመጸት ንዮታ ማፖድ በሓይት ብምዃና ተጨውያ ዝወረዳ ዓመጽ ከም ዘዘንተወትን ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ኪንሻሻ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዝተራኸቡ ግዳያት ዓመጽ እውን ሓንቲ በሓይት ከም ዝነበረት ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

እቲ ኤሊዛ ትሮንኮኒ ዝመርሐኦ ዘይመኽሰባዊ ማሕበር፡ ነቶም በሓይ ዝኾኑ ቅድም ቀዳድም እዚ ምዃኖም እዚ ሕማም ከም ዘይኮነን ገዛእ ርእሶም ክቕበሉን ስነ ኣእምሮኣውን ሰብኣውን ደገፍ ኣብ ምቕራብ ዝዋፈር ኮይኑ፥ ከይንጸሉን ከም ጸገም ከይረኣዩ ካብ ዓመጽን ኣድልዎን ናጻ ኽኾኑን ብዛዕባ ጉዳዮም ማሕበረሰብ ዓለም ብቑዕ ኣፍልጦ ክህልዎን ኣብ ምክልኻሎም ክነጥፍ ዘነቓቕሕ ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ይሕብራ።

14 June 2023, 16:16