ድለ

ኣህጉራዊ መዓልቲ ሕጻናት ኣፍሪቃ፥ “መንእሰያት ሎሚ መራሕቲ ጽባሕ” ኣህጉራዊ መዓልቲ ሕጻናት ኣፍሪቃ፥ “መንእሰያት ሎሚ መራሕቲ ጽባሕ” 

ኣህጉራዊ መዓልቲ ሕጻናት ኣፍሪቃ፥ “መንእሰያት ሎሚ መራሕቲ ጽባሕ”

ድሕሪ ሓምሳ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ካብ 6 – 18 ዓመት ዝዕድመኦም 244 ሚሊዮን ኣዋልድን ኣወዳትን ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ከም ዝኾኑን ካብኣቶም ዳርጋ 100 ሚሊዮን ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ዞባ ትሕተ ሰሃራ ዝርከቡ ምዃኖም

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ኣፍሪቃ በብዓመቱ ዕለት 16 ሰነ ተዘኪሩ ከም ዝወዓለን፡ እዚ ካብ 1991 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝተበገሰ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕጻናት ኣፍሪቃ፥ ናይ ኣፍሪቃ ህጻናት መሰሎም ንምዕባይን ከምኡ እውን መዓልታዊ ዘጋጥሞም ብድሆታት ንምፍታሕ ኣስተንቶኖን ስጉምትታትን ንምትብባዕ ዝዓለመ እዩ። እቲ ናይ ለምዘበን ጽምብል ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ምቅይያራት ግምት ዝሃበ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ 2023 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ኣፍሪቃ ቅዉም ሓሳብ፥ “መሰላት ሕጻን ኣብ ዘመን ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ዓለም” ዝብል ኮይኑ፡ ነቲ ብሰንኪ ስነ ኣሃዛዊ ሰውራ እናተፈጥረ ዝኸይ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ለውጥታት ዘማእከለን ብፍላይ ዞባ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዓለም ብመንሰያት ቁጽሪ ብቐዳምነት ዝቕመጥ ብምዃኑ ነቲ ናይቲ ከባቢ ህጻናት ጉዳይ ዓቢይ ትኩረት ምግባር ግድን ይገብሮ፥ ዘለናሉ ዘመን ተራቅቆ ስነ ኣሃዛዊ ሰውራ ዝጸልዎ እዃ እንተኾነ፡ ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ ብዙሓት ዞባታት ዓለም ህጻናት ዘጓንፎም ግህሰት መሰልን ክብርን ብዙሕ እዩ። ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ኣፍሪቃ ምስቲ ኣብ ስዌቶ ዝርከቡ መንእሰያት ተመሃሮ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ስርዓት ዘርኣዊ ፍልያ ዝፍጽሞ ዝነበረ በደልን ዘይምዕሩይነትን ኣድልዎን ትምህርቲ፡ ዕለት 16 ሰነ 1976 ዓ.ም. ምስ ዘካየድዎ ተቓውሞ ስዒቡ ዘውረዶ መዓትን ቅትለትን ዝተተሓሓዘ ኮይኑ፡ ድሕሪ ሓምሳ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ካብ 6 – 18 ዓመት ዝዕድመኦም 244 ሚሊዮን ኣዋልድን ኣወዳትን ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ከም ዝኾኑን ካብኣቶም ዳርጋ 100 ሚሊዮን ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ዞባ ትሕተ ሰሃራ ዝርከቡ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ኣፍሪቃ ዝቐረበ ጸብጻብ ጠቒሱ የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን እቲ ኣብ መስከረም 2019 ዓ.ም. ዘበገስዎ ዓለም ለኻዊ ውዕል ትምርቲ፥ ንኣፍሪቃ ድጋፍን ምትብባዕን ዝጠልብ እዩ፥ ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ትምርህቲ ንቘልዑን መንእሰያትን ዜዕግብ ህይወት ንምህናጽ ስልጣን ኣብ ምሃብ ጥራይ ዘይኮነስ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ መላእ ዓለም ተቐባለት ስለ ዝረኸበ እውን እዩ፡ ብጀካዚ ኣብ ሕውነት ዝሃንጾምን  ምግምማዕን ግጭታትን ንኽሰግሩ ዝድግፎምን ሃገራት ኣብ መገዲ እንግዶትን ፍትሕን ሰላምን ዝመርሕ እውን ብምዃኑ እዩ።

ቈልዑ፥ ሓባራዊ ሓላፍነትና እያቶም

ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ 1991 ዓ.ም. ኣህጉራዊ መዓልቲ ህጻናት ኣፍሪቃ ክምስረት እንከሎ “ንህጻናት ዝጸሉ ጎዳኢ ማሕበራውን ባህላውን ተግባራት ንምውጋድ፡ ማለት ሓባራዊ ሓላፍነትና” ዝብል መብጽዓ ብፍሉይ ናቱ ከምዝገበረን፥ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት ኣፍሪቃ፥ ህጻናት ንውትህድርናን ግዝረት ብልዕቲ ብዙሓት ሕጻናት ኣፍሪቃ ዝገጥሞም ጸገማት ምስ ውሕስነት መግብን ሰፊሕ ሕጽረት ትምህርትን ተደሚሩ ህጻናት ዘጋጥሞም መከራ ንቕሓት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት ኣፍሪቃ፥ ነቲ እናኣረገ ዝኸይድ ዘሎ ዓለምና ሰውራዊ ረቛሒ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ 2050 ዓ.ም. ካብ ሰለስተ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም መንእሰያት ዓለም እቲ ሓደ ኣፍሪቃዊ ስለ ዝኸውን፥ ነታ እትኣርግ ዘላ ዓለምና ዘመንእስ ክፍሊ ዓለም እዩ።

እዋናዊ ለውጢ

እዚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሕጻናት ኣፍሪቃ ኣብ መዝገብ እቲ ዝዓበየ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ 2023 ዓ.ም. ትሕቲ ሰሓራዊ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ መንእሰያት ዘለዎ ዞባ ኮይኑ፡ ንዓለም ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ዝመርሕ ኣብ ዘለሉ እዋን ዝዝከር ስለ ዝኾነ እዩ፡ መልሲ ናይቲ ንኣፍሪቃ ይኹን ንዓለም ኣገዳስነት ናይዚ ለውጢ ዝብል ሕቶ ኣብቲ መራሕቲ ንሓደ ዘይተኣደነ ዕድል ክሓቑፉ ወይ ክሓልፍ ዝገብርዎ ተግባር ወይ ዘይምግባር ዝምርኮዝ ክኸውን እዩ። ከምቲ ኔልሰን ማንደላ ዝተዓዘብዎ “ናይ ሎሚ መንእሰያት መራሕቲ ጽባሕ እዮም።” ንኣፍሪቃን ኣህጉራውያን መሻርኽታን እዘን ቃላት እዚኣተን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብተስፋን ብድሆታትን ዝድመጻ እየን።

17 June 2023, 15:50