ድለ

ብራዚል ኣብ ኣማዞን ዝካየድ ዘሎ ምብራስ ኣግራብ ከብቅዕ ቃል ኣትያ ብራዚል ኣብ ኣማዞን ዝካየድ ዘሎ ምብራስ ኣግራብ ከብቅዕ ቃል ኣትያ  (AFP or licensors)

ብራዚል ኣብ ኣማዞን ዝካየድ ዘሎ ምብራስ ኣግራብ ከብቅዕ ቃል ኣትያ

ምሉእ ብምሉእ ምብራስ ኣግራብ ኣማዞን ደው ክብልን ናብ ዜሮ ንምብጻሕን

ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ልዊስ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ኣብ ዞባ ኣማዞን ክሳብ 2030 ዓ.ም. ዘይሕጋዊ ምብራስ ኣግራብ ንምቁጽጻር ዝሕግዙ ስጉምትታት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ናይ መንግስቲ ብራዚል መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ልዊስ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ኣብ ዞባ ኣማዞን ዘይሕጋዊ ምብራስ ኣግራብ ንምጥፋእ ዝዓለመ ኩለ መዳያዊ ውጥን ኣቕሪቦም። እቲ ውጥን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ክፍጸም ምዃኑን ክሳብ መወዳእታ ዕድመ ስልጣን ሉላ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2027 ዓ.ም. ክናዋሕ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ውጥን ነቲ ዘይሕጋዊ ምብራስ ኣግራብ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ደው ንምባል ዝኣመተ ዓቢ ዕላማ ንምዕዋት ዝሕግዝ መርሓ ፍኖት የቐምጥ፡ እዚ ማለት ግን ምሉእ ብምሉእ ምትግባር ናይቲ ውጥን ኣብ ተወፋይነት ናይቲ ንሉላ ዝትክእ ሰብ ዝምርኮዝ ከም ዝኸውን የመላኽት።

ርእሰ ብሔር ሉላ ነዚ መግለጺ እዚ ዝሃብዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣካብቢ ኣብ ዝተዘከረሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ ምምሕዳሮም ምሉእ ብምሉእ ምብራስ ኣግራብ ኣማዞን ደው ክብልን ናብ ዜሮ ንምብጻሕን ቃል ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ፡ እዚ ተወፋይነት እዚ ነቶም ዝተቖርጹ ኣግብራ ንምትካእ ማዕረ ማዕረ መደብ ዳግማይ ምትካል ኣግራብ ዘጠቓልል ምዃኑ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነዚ ዕላማ እዚ ንምዕዋት ሉላ ነቲ ብሃገራዊ ውሱን ኣበርክቶታት ዝፍለጥ ኣህጉራዊ ቃል ኪዳን ብራዚል ኣብ ምንካይ ትፋእ በካሊ ኣየር ዝብል ናብቲ ኣብ ናይ 2015 ዓ.ም. ስምምዕ ፓሪስ ዝኣተዎ መብጽዓ ናብ ዘኽብር ደረጃ ክመልስዎ ድሌት ከም ዘለዎም ገሊጾም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዞም ሓደስቲ ስጉምትታት ኣካል ናይቲ ውጥን ስራሕ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ምብራስ ኣግራብ ኣብ ኣማዞን ዝዓበየ ተበግሶ ኮይኑ፡ እዚ ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ቀዳማይ ናይ ሉሉ መንግስቲ ዝተፈጥረ ኮይኑ ኣብ እዋን ምምሕዳር ቦልሶናሮ ተቛሪጹ ከም ዝጸንሓ ኣመላኺቱ፥ ኣብዚ ቀረባ እዋን መንግስቲ ብራዚል ኣብ ምክልኻል ኣግራብ ንዝሰርሑ ድኻታት ኣባይቲ ስድራ ተወሳኺ ሓገዝ ንምኽፋል ማሕበራዊ መደብ ከምዘበገሰ ኣፍሊጦም ዋላ እኳ ትክኽለይና ናይቲ ክፍሊት ግዜ ርግጸይና እንተዘይኮነ፡ እቲ መደብ ኣብ መጀመርታ ን30 ሺሕ ስድራ ቤት ንምድጋፍ ዝዓለመ እዩ። ኣብ እዋን ስልጣን ቦልሶናሮ እዚ መደብ እዚ ተቛሪጹ ከም ዝነበረ ኣዘኻኪሩ፥ ሉላ ነዚ ሓድሽ ዘቕረብዎ ስጉምትታት ብዙሕ መሰናኽል ከም ዘጋጠሞ ኣፍሊጡ።

08 June 2023, 15:30