ድለ

ባንግላደሽ ሮሆንጋውያን ናብ ዝመጽሉ ምስጓግ ደው ከተብል ው.ሃ. ዓለም ጻውዒት የቕርብ ባንግላደሽ ሮሆንጋውያን ናብ ዝመጽሉ ምስጓግ ደው ከተብል ው.ሃ. ዓለም ጻውዒት የቕርብ  (AFP or licensors)

ባንግላደሽ ሮሆንጋውያን ናብ ዝመጽሉ ምስጓግ ደው ከተብል ው.ሃ. ዓለም ጻውዒት የቕርብ

ብመሰረት እቲ ፍሉይ ጸብጻብ ስደተይናታት ሮሂንግያ ኣብ ትሕቲ እዚ ኩነታት እዚ ምምላስ ንኣህጉራዉ ግዴታታት ዝጥሕስን ንኸቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ መጻኢ ክፍጸም ንዝኽእል ግፍዕን ናይ ምቅላዕ ተኽእሎ ዘለዎ እዩ

ሓደ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ልኡኽ ባንግላደሽ ስደተይናታት ዓሌት ሆሪንግያ ናብ ዝመጹላ ሃገረ ሚያንማር ንኽኸዱ ዘካይዶ ዘሎ ስርሒት ምምላስ ደው ከተብል ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓደ ክኢላ ሕቡራት ሃገራት፡ ባንግላደሽ ስደተይናታት ሮሂንግያ ናብታ ኣብ ህይወቶምን ናጽነቶም ከቢድ ሓደጋታት ዘጋጥሞም ሃገረ ሚያንማር ንኽምለሱ ዝገብሮ መደብ ምምላስ ብቕጽበት ከተቋርጽ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን፥ ኣብ ምያንማር ጉዳያት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብቐረባ ናይ ዝከታተል ተልእኾ ውድብ ሃገራት ዓለም ጸብጻባት ሓላፊ ቶም ኣንድረውስ፥ መንግስቲ ባንግላደሽ ስደተይናታት ሆሪንግያ ናብ ሚያንማር ንምምላስ ዝተፈላለየ “መታለልን ኣስገዳድን” ስጉምትታት ይጥቀም ኣሎ እንክብሉ ስክፍታኦም ገሊጾም፥ ኣብ መዓስክራት ባንግላደሽ ዋላ’ኳ ንሓደ ሰብ መዓልታዊ 0.27 ዶላር ኣመሪካ ጥራይ ዝግመት ውሑድ ናይ መግቢ ራሽን ኣንተሃለወ፡ ስደተይናታት ንኽምለሱን ኣብዚ መደብ እዚ ንኽሰማምዑ መታን ብዝሕ ገንዘብ ክህቦም ምዃኑ ቃል ይኣትው ከም ዘሎ እውን ኣጉሊሖም፡ ኣብ ሚያንማር ዘሎ ኩነታት ንውሑስ  ክቡር ዘላቕን ብወለንታዊ ምምላስ ስደተይናታት ሮሂንግያ ዝምችእ ከም ዘይኮነ ኣስሚሮም፡ ብተወሳኺ ላዕለዋይ ጀነራል ሚን ኣንግ ሂላይንግ ንበርገሳዊ ህዝቢ ዒላማ ዝገበረ ኣረሜናዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ይመርሑ ከም ዘለዉን ዝመርሕዎ ስርዓት ንሮሂንጋውያን ዓሌት መሰል ዜግነት መሰረታዊ መሰላትን ዝግህስ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰበ ስልጣን ባንግላደሽ ነቲ ናይ መጀመርያ ጉጅለ 1.140 ሺሕ ሮሆንጋውያን ስደተይናታት ናብ ምያንማር ናይ ምምላስ መደብ ከምዘለዎ ኣፍልጦም፡ ብድምር 6.000 ስደተይናታት ሮሂንጋውያን ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት እዚ ናብ ዝመጽሉ ንኽመልሱ ከም ዝወሰኑን ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰበ ስልጣን ባንግላደሽ ዝወሰድዎ ስጉምቲ እቲ ቀዳማይ ናይ ምምላስ መደብ ኣብ ቀረባ እዋን ክኸውን ከምዝኽእልን እዚ ድማ ዝያዳ በስገዳድ ኣብ ልዕሊ እቶም ንመደባት መንግስቲ ዝቃወሙ ሰባት ናይ ምእሳርን መንነት ወረቐት ምምንዛዕን ካልእ ዓይነት ሕነ ናይ ምፍዳን መፈራርሕ ዘጠቓልል ምዃኑ ክምልከት እንከሎ፥

ብመሰረት እቲ ፍሉይ ጸብጻብ ስደተይናታት ሮሂንግያ ኣብ ትሕቲ እዚ ኩነታት እዚ ምምላስ ንኣህጉራዉ ግዴታታት ዝጥሕስን ንኸቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ መጻኢ ክፍጸም ንዝኽእል ግፍዕን ናይ ምቅላዕ ተኽእሎ ዘለዎ እዩ፡ “ባንግላደሽ ነቲ ናይ ምምላስ መደብ ፈተነ ብቕልጡፍ ደው ከተብሎ ንምሕጸን” እንክብሉ ኣንድረውስ ገሊጾም፡ ይኹን እምበር ሓሙስ ዕለት 8 ሰነ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሮሂንጋውያን ናብ ሚያንማር ነቲ ናይ ምምላስ መደብ ብምቅዋም ኣብ መዓስክራት ባንግላደሽ ተቓውሞኦም ከም ዘስምዑን እቲ ዝወሃቦም ሓገዝ ካብ ዝነበሮ እናነከየ ይኸይድ ብምህላዉ እውን ከም ዝገለጹን ካብቲ ዝተፈላለያ ትካላት ነቶም ስደተይናታት ንምሕጋዝ ዝሓተተኦ ልዕሊ 876 ሚሊዮን ዶላር ክሳብ ሕጂ እቲ 24 ሚእታዊ ጥራይ ከም እተማለአ ኣንድረውስ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 June 2023, 16:36