ድለ

ሕቡራት ሃገራት፥ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ሱዳን ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮ ሕቡራት ሃገራት፥ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ሱዳን ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮ 

ሕቡራት ሃገራት፥ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ሱዳን ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮ

ማሕበረሰብ ዓለም እውን ነቲ ኣብ ናይ ሎሚ ውጥን ሰብኣዊ ምላሽ ሕቡራት ሃገራት ተዘርዚሩ ዘሎ ከቢድ ድሌታት ግብኡ መልሲ ክህብ

ኣብ ሱዳን እቲ ዝተባርዐ ሕድሕድዊ ውግእ ኣብ ዝቕጸሉ ዘሎ እዋን ብመንጽር ዝወርድ ዘሎ መጉዳእቲ ሰብን ንብረትን ብኸቢድ ዞባ ካርቱም ዝተሃስየ ከም ዝኾነን፥ ዝተፈላለያ ሰብኣዊ ትካላት እቶም ናይቲ ዝተፈጥረ ግጭት ተዋሳኣቲ ሓይልታት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ከኽብሩ ጻውዒት የቕርባ ከም ዘለዋን፥ እቲ ውግእ ብዙሓት ንሞትን ማህሰይትን ስእነት መግብን ጥምየትን ስደትን ምዝብልናን ይዳርግ ምህላዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በቲ ተኸሲቱ ዘል ግጭት ምኽንያት ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ሱዳን ሓገዝን ውሕስነትን ከም ዘድልዮ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ፥ ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣገልግሎት መውሃቢ ከም እተቛረጸን ሕጽረት ቀረብ መግቢን ዝስተ ጽሩይ ማይን የስዕብ ምህላዉ ገሊጹ፥ ኣብቲ ከባቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዘኽእሎ  ሰለስተ ቢሊዮን ዶላር ክርከብ ጻውዒት የቕርብ ምህላዉን ቅድሚ እቲ ግጭት ኣስታት 15 ሚዮን ሰባት ምሉእ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ዜና ቫቲካን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ ክሕብር እንከሎ፥  ሕቡራት ሃገራት ናይ ሕጻናት ኣድሕን ትካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እቶም ናይቲ ውግእ ተዋሳኣቲ ኣብቲ ኣብ ጂዳ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሰላም ዘተ ዝፈረምሉ ውሳኔ ዝተነብረ፥ እዚ ድማ ንበርገሳውያን  ትሕቲ ቅርጺ ከም ትካል ጥዕናን ኣቢያተ ትምህርትን ከምኡ እውን ሰብኣዊ ሰራሕተይናታትን ንብረትን ምሕላው ዝብል ነጥብታት ዘጠቓልል ስምምዕ ከኽብሩ ኣብ ሱዳን ብዝርከቡ ናይቲ ወድብ ጨንፈር ሓላፊ ኣሪፍ ኑር ጻውዒት ከም ዘቕረቡን . . . ማሕበረሰብ ዓለም እውን ነቲ ኣብ ናይ ሎሚ ውጥን ሰብኣዊ ምላሽ ሕቡራት ሃገራት ተዘርዚሩ ዘሎ ከቢድ ድሌታት ግብኡ መልሲ ክህብ” ከም ዝሓተቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ በቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣስታት 52 ሺሕ ሰባት ከም ዝቖሰሉን 200 ሕጻናት ዝርከብዎ ብጠቕላላ 700 ሰባት ከም እተቐትሉን ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝግመቱ ድማ ካብ መነባብርኦም ከም እተመዛበሉን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 May 2023, 17:10