ድለ

South Sudan returnees sail Nile river back to their communities South Sudan returnees sail Nile river back to their communities  (ANSA)

ሱዳን፥ ሰላማዊ ህዝbi ሱዳን ብፍላይ ዳርፉር ከቢድ ጾር ኲናት ይስከም ምህላዉ ይንገር

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ቅልውላው ንዝተሃስዩ ሰባት ንምሕጋዝ 2.56 ቢሊዮን ዶላር ይሓትት

ኣብ ሱዳን እቲ ዝተባርዐ ሕድሕድዊ ውግእ ኣብ ካርቱም ተባራቲዑ ኣብ ዝቕጸሉ ዘሎ እዋን ብመንጽ ዝወርድ ዘሎ መጉዳእቲ ሰብን ንብረትን ብኸቢድ ዞባ ካርቱም እቲ ዝህሰ ዘሎ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ፊደስ እተሰምየ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዜና ኣገልግሎት ዝሃቦ ጸብጻብ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ እዋን እዚ ኣቃልቦ ዓለም ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳንን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዘተኮረ ከም ዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፥ ኣብ ዳርፉር ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ዝኸበደ ጾር ውግእ ተሰኪሞም ከም ዘለው ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣቃልቦ ናብ ካርቱም

ኣብ ምዕራብ ዳርፉ እትርከብ ከተማ ኤል ጀነይና ኣብ ዝሓለፈ ሱሙን ጥራይ በቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት 350 ሰባት ከም እተቐትሉን ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ ንገለ ዕጡቓት ኣሃዱታት ከይተረፈ ቦታኦም ገዲፎም ካብታ ከተማ ክሃድሙ ከም ዘገደደን፡ ኣብ ዳርፉር ዝርከቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝሕብርዎ ካብ ብሄር ማሳሊትን ካብ ማሕበረሰባት ዓረብ ዝመጹ ኣባልት ምልሻ ኣብቲ ውግእ ተጸምቢሮም ምህላዎምን እዚ እውን ነቲ ድሮ ዘስካሕክሕ ሕድሕዳዊ ኲናት ኣዚዩ ይሓላልኾ ምህላዉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሱ የመላኽት።

ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ቅልውላው ንዝተሃስዩ ሰባት ንምሕጋዝ 2.56 ቢሊዮን ዶላር ይሓትት ከም ዘሎ ሮይተርስ ዜና ኣገልግሎት ሓደ በዓል መዚ ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ ክሕብር እንከሎ፡ ትካል ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት እውን ነቲ ንሓደጋ ተቓሊዑ ዘሎ ህዝቢ ንምሕጋዝ ዝያዳ ምወላ ይሓትት ከም ዘሎን፥ ሎሚ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ሱዳን ዝኾነ 25 ሚሊዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝን ሓለዋን ከም ዘድልዮን እዚ ኣብታ ሃገር ካብ ዝረኣናዮ ዝለዓለ ቁጽሪ ምዃኑ ሓላፊ ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራትግ ኣብ ጀነቭ ራሜሽ ራጃሲንግሃም ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 May 2023, 16:20