ድለ

ኣብ ሱዳን ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ግዚያዊ ስምምዕ ኣብ ሱዳን ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ግዚያዊ ስምምዕ 

ኣብ ሱዳን ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ግዚያዊ ስምምዕ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራት ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድር ከም ዘሎ ገሊጹ

ኣብ ሱዳን ተዋጋእቲ ውድባት ግዚያዊ ምቑራጽ ቶኽሲ ካብ ዕለት 22 ግንቦት ጀሚሮም ተግባራዊ ኪገብሩ ትጽቢት ከም ዘሎን፥ እዚ እውን ነቲ ንዝተፈላለየ ከቢድ ሰብኣዊ ስቓይ ዝዳረግ ዘሎ ህዝቢ እታ ሃገር ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዓቢይ ዕድል ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሱዳን ግዚያዊ ምቁራጽ ቶኽሲ ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሐ ኮይኑ እዚ ድማ ካብ ዕለት 22 ግንቦት ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውን እዩ። ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ተኹሲ ደው ምባል ብቕልጡፍ ዝተጋህሰ እውን እንተነበረ እዚ ናይ መወዳእታ በቶም ናይቲ ውግእ ተዋሳእቲ ውድባት ተግባራዊ ኮይኑ ክቕጽል ተስፋ ተነቢሩሉ ከም ዘሎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሰብኣዊ ቅልውላው

ዛጊት እቲ ግጭት ኣብ ውሽጢ ሱዳን ልዕሊ 843 ሺሕ ሰባት ከም ዘመዛበለ ክንገር እንከሎ፡ ብተደጋጋሚ ምቁራጽ ሓይሊ መብራህቲ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን መዓልታዊ ናብራ እውን ኣዚዩ ኣጸጋሚ እናኾነ ይኸይድ ምህላውን መሰረታዊ ሰብኣዊ ኣድላዪ ስእነት ይርአ ከምዘሎን ዝሓለፈ ዓርቢ ቤት ጽሕፈት ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝተሰዱ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ተወሳኺ ምወላ ክርከብ ጻውዒት ኣቕሪቡ ከም ዝነበረን ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 85 ሺሕ ሱዳናውያን ከምዘለዉን ኣብ መንጎ ዕለት 21 ሚያዝያን ዕለት 16 ግንቦትን ካብ ልዕሊ 64 ዝተፈላለያ ብሄራት ዝተዋጽኢ ብጠቕላላ 22,600 ስደተይናትት ከም እተመዝገቡ ጸብጻባት ናይቲ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መብዛሕቲኦም ነቲ ዶብ ዝሰግሩ ካብ ካርቱም ዝመጹ ኮይኖም ካብ ጠቕላላ እቶም ዝተሰዱ ሰባት 76 ሚእታዊ ዝሽፍን እውን ምዃኑ ኣመላኺቱ፥ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራት ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድር ከም ዘሎ ገሊጹ፥ ይኹን እምበር ኣብ ሞንጎ እዚ ኩሉ ውጥረትን ግጭትን ውድብ ጥዕና ዓለም ዘድሊ መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን ከብጽሕ ከም ዝኸኣለ ናይ ውድብ ሃገራት ዓለም መግለጺ ጠቒሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ ካብ ሱዳን ዝወሃብ ዘሎ ዳሕረዋይ ኣሃዛት ተወኪሱ እቲ ውግእ ካብ ዝባራዕ ኣትሒዙ 822 ሰባት ከም ዝሞቱ የመላኽት።

22 May 2023, 16:09