ድለ

ምክልኻል ክብርን መቓይሮ ህይወትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምክልኻል ክብርን መቓይሮ ህይወትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 

ምክልኻል ክብርን መቓይሮ ህይወትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ንግድ ጾታዊ ርክብ ሕጋዊ ምግባር ተሓታትነት እዩ ዝሓክኽ፥ እቶም ዘይሕጋዊ ሰባት ዘሰጋግሩ እቲ ብሕብኡ ዝፍጽምዎ ዝነበረ ንግድ ሰብ ከም ድላይን ምርጫን ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ግይሮም ብምቕራብ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት መጻወዲያ ዝወደቑ ሰባት ልዕሊ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸን ተዓዘብቲ ጉዳያት ድማ እቲ ኣሃዝ እናወሰኸ ከምዘሎ የጠንቅቑ። ሓንቲ ተጣባቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ኣብ ጎደናታት ነተን ኣብ መጻወዲያ ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ዘሰጋግሩ ዝወደቓ ንምድሓንን ክብረተንን መጻኢአንን ውሑስ ንምግባ ኣብ ዝጽዕራሉ ዘለዋ እዋን መንግስቲ ዝሓሸ መምርሕን ሕግን ንኽእውጅ ብዛዕባ ዘካይድኦ ዘለዋ ጸቕጢ ኣማእኪለን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት ናጻ ጸብጻብ፥ ዘይሕጋዊ ምስግጋር፥ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ንጾታዊ ምዝመዛ ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ሓድሽ ጊልያነት ከም ዘውድቐንን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ እቲ ናይቶም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ናይ ገበን ጉጅለታት ዘካይድዎ ንግድ ሰብ ኣዚዩ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ሓቢረን፡ ሃገራዊ መርበብ ሓርነት እታ ሃገር ኣብዚ እዋን እዚ ብገምጋም 155 ሺሕ ሰባት በቲ ብቕልጡፍ ዝዓቢይ ዘሎ ንግድ ሰብ ከም እተጠቕዑን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ በዚ ሰብኣዊ ክብሪ ብዘሕስር ተግባር ዓሰርተ ዓመት ዝዕድመአን ሕጻናት ኣዋልድ እውን ከይተረፋ ንጾታዊ ምዝመዛ ተቓልዔን ከምዘለዋን ልዑል ስእነት ስራሕን ትሑት ደሞዝን ምስ ለበዳ ስደት ዝተኣሳሰረ ዘይውሕስነትን ብፍላይ ንመንእሰያት ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮን ወጻእተይናኣት ስደተይናታትን ንምዝመዛ ዝተቓልዑ ኮይኖም ከም ዘለዉ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ነዚ ኣብ ኣካል ክርስቶስን ሰብኣውነትን ክፉት ቁስሊ” ቢሎም ዝግልጽዎ መዓት ደው ንምባል ዝቃለሳ ሓንቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጓለ ኣንስተይቲ ኣብ ጆሃንስበርግ እትነብር ጋዜጠይና ፒንኪ ኮኣባነ፥ መስራቲትን ኣካያዲት ስራሕን ዘይመኽሰባዊ “ምክልኻል ክብሪ” እተሰምየ ትካል ንብዙሓት ተቓላዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ለውጢ ንምምጻእ ዝንቀሳቐሳ፡ ኣብ ጎድኒ እተን ኣብ ፈቖዶ ጽርጊያ ንጾታዊ ምዝመዛ ብናይ ገበን ጉጅለታት ዝሽየጣ ንምድሓን ሕልንና ህዝብን መንግስትን ዘበራብራ፥ ኣብ ፍቐዶ ጽርጊያ ዝርኣያ ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ኣዋልድ ኩነታት ከም ዘሰንበደን ይሕብራ።

እዚ ዝርእዮ ኩነታት ጾታዊ ምዝመዛ ንምውጋድ ዝሰርሕ ኣህጉራዊ ምንቅስቓስ ክጽንበራ ከም ዝደረኸን ድማ ሓቢረን፥ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ምስ ጾታዊ ንግድ ኣዚዩ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ እውን ገሊጸን ስለዚ ብዙሓት ናይ መነባብሮ ጸገማተን ንምስናፍ ብቐሊሉ ናብ ኢድ እቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ከም ዝወድቓን ስለዚ ቃልሲ “ምክልኻል ክብሪ” ምስ ጾታዊ ንግድ ዝተኣሳሰረ እዩ፡ . . . ብዛዕባ እቲ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ብዙሓት ንሓድሽ ጊልያነት ዘቃልዕ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ህዝቢ ንቕሓቱ ከዕቢ ከም ዝዓያን ነተን ኣብዚ መጻወድያ እዚ ዝወደቓ ካብቲ ዝኣተወኦ መዓት ብምድሓን ገዛእ ርእሰን ዝኣልያሉ ሙያዊ ስልጠና ክረኽባን ዝድግፍ መደባት ንምሕንጻጽን ንምትጋብሩን እውን ይንቀሳቐሳ ከምዘለዎ ኣፍሊጠን።

ተጋደልቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክብርን

እቲ ንሰን ዘቖመኦ ዘይመኽሰባዊ ትካል፥ ቅድም ቀዳድም ኒልሰን ማንደላ፥ “ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝወርድ ዓመጽ ሰብኣውነትና ክንክይ ይገብር፡ ብሓይሊ ክትዕመጽ እንኮላ ክብርናን ሓበንና ኢና እንጥፍእ። ጓለ ኣንስተይቲ ንጾታዊ ርክብ ህይወታ ክትሸይጥ ዘገድዳ ዘበለ ኩሉ ንምሉእ ዕድመ ማእሰርቲ ኣሕሊፍና ክንህቦ ኣሎና፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ እናረኣና ከም ዘይረኣና ኮይና ምስ እንሰቅጥ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ውዲት ኢና እንኣልም” ዝበልዎ ቃልን ከምኡ እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍጸም ዓመጽ ደው ንምባል ጻዕራታትና ኣወሃሂድና ክንዓዪ ኣሎና” ዝበልዎ ሓሳብ መርሕ ዝገበረ ምዃኑ ሓቢረን፥ . . . ከምቲ ቅዱስነቶም፥ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት በደል ጥራይ ዘይኮነስ ገበን ኣብ ልዕል ሰብኣዊ ፍጥረት እዩ” ቢሎም ዘስመሩሉ ሓሳብ፥ መንግስታት ዓለም ጸረ እዚ ኢሰብኣዊ ተግባር እዚ ኣበርቲዖም ክዓዩ ዝጽውዕ እዩ ኢለን።

ምዝመዛ ኣብ ኢፍትሓውነት እዩ ሱር ዝሰድድ

ዘይምዕሩይ መነባብሮን ቁጠባዊ ጸገማትን ንምዝመዛ ዘቃልዕ ከም ዝኾነን እቲ ኣብ መንጎ ድኻታትን ሃብታማትን እናገደደ ዝኸይድ ካብ ዘሎ ናይ መነባብሮ ፍልልይ ንምውጻእ ካብ ድኽነትን ግጭትን ቅልውላው ምሕዳርን ዝሃድሙ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃውያን ስደተይናታት ንዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት መጻወዲያ ምቹኣት እያቶም ደቡብ ኣፍሪቃ ነቶም ዘይሕጋዊ መሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ወደብ ዝኾነት ትመስል ምስ በላ፥

ንግድ ጾታዊ ርክብ ሕጋዊ ንምግባር ዝግበር ዘሎ ጻዕርን ሳዕቤኑን

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ መንግስቲ ንግድ ጾታዊ ርክብ ሕጋዊ ንምግባር ዘዘንብል ዘሎ እዩ ዝመስል፥ እዚ ናይ ገበን ጉጅለታት ንምቅላስን ዘካይድዎ ንግድ ሰብ ንምውጋድ ብዝብል ኣመለኻኽታ ዘቕርቦ ዘሎ ዕማም እዩ፥ ሕጋዊ ምግባር ብሓቂ እቶም ዝተገለሉ ዒላማ ክኾኑ ዝድርኽን ነቶም ድሮ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ዝያዳ ነቲ ሓደጋ ዘቃልዕ እዩ፡ ስለዝ ብዝሒ ተቓላዕቲ እዩ ክብ ዘብል እምበር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ከይህሉ ዝገብር ኣይኮነን ኢለን።

ሕጋዊ ምግባር ተሓታትነት እዩ ዝሓክኽ፥ እቶም ዘይሕጋዊ ሰባት ዘሰጋግሩ እቲ ብሕብኡ ዝፍጽምዎ ዝነበረ ንግድ ሰብ ከም ድላይን ምርጫን ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ግይሮም ብምቕራብ ብቕሉዕ ዝፍጽምዎን ካብ ተሓታትነት ናጻ ክኾኑ ዘብቅዖም እውን እዩ፡ ማእለያ ዘይብለን ድኻታትን ዘተገለላን ኣሕዋትና ብቐሊሉ ናብቲ መጻወዲያ ንኽኣትዋ ዝገብር እዩ እንክብላ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

25 May 2023, 16:28