ድለ

ካሪታስ ኣፍሪቃ፥ ‘ጉጅለ ሸውዓተ’ ኣፍሪቃ እቲ ክትኸፍሎ ዘይከኣላ ዕዳ ክስርዝ ይላበው ካሪታስ ኣፍሪቃ፥ ‘ጉጅለ ሸውዓተ’ ኣፍሪቃ እቲ ክትኸፍሎ ዘይከኣላ ዕዳ ክስርዝ ይላበው 

ካሪታስ ኣፍሪቃ፥ ‘ጉጅለ ሸውዓተ’ ኣፍሪቃ እቲ ክትኸፍሎ ዘይከኣላ ዕዳ ክስርዝ ይላበው

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 300 ሚሊዮን ሰባት ኢውሕስነት መግቢ ከም ዘጋጠሞምን እዚ ድማ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝፍጠሩ ጠንቂ ግጭታትን ማሕበራዊ ወጥሪ የጋድዶን ምሕድራ ክበላሸውን ይገብር ኣሎ

ኣብ ጃፓን ከተማ ሂሮሺማ ዝካየድ ዘሎ ብኢንዳስትሪ ናይ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ዋዕላ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈራት ዝውክሉ ቅልውላው መግብን ከባቢ ኣየርን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዐበየ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነትን ንምፍታሕ ዝሕግዙ ጭቡጥ ስጉምትታት ክመያየጡ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኣፍሪቃ ሓለፍቲ ማሕበራት ካሪታስ ዓመታዊ ዋዕላኦም ኣብ ጃፓን ከተማ ሂሮሺማ ንዘካይዱ ዘለዉ መራሕቲ ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት፡ ምስ ድኽነት ዝቃለሳ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ድኻታት ሃገራት ዘለወን ክኸፍሎኦ ዘይከኣለን ናይ ወጻኢ ዕዳ ስረዛ ክግበረለን ዝድግፍ ተባዕ ስጉምቲ ክወስዱ ኣተሓሳሲቦም፡ ድኻታት ሃገራት ዘድልየን መሰረታዊ ሓገዝ ክብ ክብልን ፍትሓዊ መምርሕታት ንግድን ክህሉ ዝድርኽ ውሳኔታት ከመሓላልፉ ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መራሕቲ መንግስታትን ሃገራትን ናይተን ኣዚየን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ደሞክራስያውያን ሃገራት ዓለም - ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካናዳ ጃፓን ፈረንሳ ጀርመን ኢጣሊያ ዓባይ ብሪጣንያ ዘራኽብ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዋዕላ፡ ዓርቢ ዕለት 19 ግንቦት ከም እተጀመረን ብዛዕባ እቲ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ተካይዶ ዘላ ወራር ከምኡ እውን ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ልምዓትን ውሕስነት መግብን ዓለም ሓቆፍ ጥዕና ድሕሪ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ከም ዝመኸረን፥

ኣብ ኣፍሪቃ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ

ቅድሚ እቲ ኣኼባ ኣብ 23 ሃገራት ኣፍሪቃ ጨንፈር ካሪታስ ዝውክሉ ጳጳሳት መንግስታት እተን ኣዝየን ብኢዳስትሪ ዝማዕበላ ሸውዓተ ሃገራት ዓለም፥ ኣፍሪቃ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣጋጢምዋ ዘሎ ብዙሕ ቅልውላዋት ንምፍታሕ ዝሕግዙ ጭቡጥ ስጉምትታት ኣማእኪሎም ከመያየጡ ሓሳብ ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩን፡ እቶም ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ድሕሪ ቅልውላው ኮቪድ - 19 ኣብ ኣፍሪቃ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነት ዓሚቝ ስክፍታኦም ከም ዘስምዑን። እናዐበየ ዝኸይድ ዘሎ ዘይውሕስነት መግቢ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ንዘሎ ግጭትን ማሕበራዊ ወጥሪን የጋድዶ ኣሎ ቢሎም፥ “ኣብታ ክፍለ ዓለም ምሕደራ ዝያዳ ክበላሾ ይገብር ምህላዉ እውን ኣመላኺቶም፥

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 300 ሚሊዮን ሰባት ኢውሕስነት መግቢ ከም ዘጋጠሞምን እዚ ድማ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝፍጠሩ ጠንቂ ግጭታትን ማሕበራዊ ወጥሪ የጋድዶን ምሕድራ ክበላሸውን ይገብር ኣሎ

ክትኸፍሎ ዘይከኣል ‘ዕዳ’

ካብዚ ተበጊሶም ድማ ነቲ ኣፍሪቃ ዘለዋ ናይ ወጻኢ ዕዳ “ክትከፍሎ ዘይከኣል” ብዝብል ሓሳብ ገሊጾም እቲ ዘሎ ናይ ወጻኢ ዕዳታት ምቅላል ሕጹጽ ኣድላይነት ከም ዘለዎን እዚ ድማ ኣብታ ክፍለ ዓለም ሰብኣዊ ምዕባለ መታን ብግብኡ ክብገስን ኣብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ምዕባለ ተበጻሒ ንምግባር ቅልጡፍ ናይ ዕዳ ምሕረት ኪገብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ሓደስቲ ምንጭታት ርትዓዊ ቁጠባ ንልምዓት እንተዘይሃልዩ “ዘይተኣደነ ማሕብራውን ከባብያውን ብድሆታት” ዘጋጥመን ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ዝኸፍኤ ዓንኬል ዕዳ ክምለሳ ዝገብር ኩነት ከም ዘስፍሕ ኣጠንቂቖም፥

ስነ ምግባራዊ መገዲ ዝስዕብ ኣድላይነት ቁጠባዊ ጽገና

ብመሰረት ናይ ኣፍሪቃ ጳጳሳት እምበኣር፥ ነቲ ናይ ኣህጉራዊ ትካል ሃብቲ ገንዘብ መዋቕር ዳግማይ ክረአን ከምኡ እውን ርኡይ ክፋል ናይቲ ብሃብታማት ሃገራት ዝተሓዝ ናብ ኣፍሪቃ ከብልን ድማ ሓቲቶም፥ እቲ ድኻታት ሃገራት ድሕረ ኮቪድ - 19 ኵነታተን ንምምሕያሽ ከውዕለኦ ብደገፍ ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት ዝተወሃበ ብዓለም ሓቆፍ ቁጠባዊ ትካል ዝተመቃረሐ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘለወን ናይ ወጻኢ ዕዳ ተወሳኺ ከይኸውን ሓቲቶም፥ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ዝበልዎ ሃብታማት ሃገራት ኣብ ህልው ቁጠባዊ መምርሕታት ለውጢ ንኽመጽእን ብኹሉ ዝጠቕም ቁጠባዊ ለውጢ ዘፍሪ ብስነ ምግባራዊ መስመር ዝስጉም ጽገና ክግበር” ጻውዒት ኣቕሪቦም።

20 May 2023, 17:14