ድለ

ዘንደቕ ዕላማ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘንደቕ ዕላማ ሕብረት ኣፍሪቃ 

ኣፍሪቃ በረኸት ንደቂ ሰባት!

መዓልቲ ኣፍሪቃ ቀጻሊ ሓባርዊ ቃልሲ እታ ሃገር ኣንጻር ጸገማት ንምጉላሕ ዝዓለመ

ዕለት 25 ግንቦት 1963 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ሎሚ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝለፍጥ ውድብ ምስ ዝተመስረተሉ ዕለት ተተሓሒዙ ዓመት መጸ ዕለት 25 ግንቦት መዓልቲ ኣፍሪቃ ዝኽበረሉ ዕለት ከም ዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

25 ግንቦት ኣፍሪቃ ኣንጻር ኵለ መዳያዊ ጸገማት ክሳብ ክንደይ ንቕድሚት ከም ዝሰጎመትን ንኹሎም ደቃ ፍትሕን ሰላን ንምርግጋጽ ክሳብ ክንደይ ተወሳኺ ስራሕ ተሳልጥ ንምግምጋም ዝዓለመ እዩ። መበገሲ ናይቲ ጽምብል ኣብ ሓባራዊ ተቓውሞ ኣፍሪቃውያን ንመግዛእትን ቁጠባዊ ምዝመዛን ዝምርኮስ ኮይኑ፡ መዓልቲ ኣፍሪቃ ቀጻሊ ሓባርዊ ቃልሲ እታ ሃገር ኣንጻር ጸገማት ንምጉላሕ ዝዓለመ እውን እዩ።

ኮምቦናዊ ካህን ኣባ ጁሊዮ ኣልባነዘ ናይ ስነ ኣፍሪቃ ሊቅ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ ህያባት ኣፍሪቃን ምትእስሳር ሰብኣውነትን ሓባራዊ ዕጫን ደቂ ሰባትን ከም ዘስተንተኑን፥ “ኣፍሪቃ ብሓቂ ንደቂ ሰባት በረኸት ምዃና ኣጽኒዐ እኣምን! ምኽንያቱ ኣፍሪቃ ዘይተኣደነ ዓቕሚ ዘለዋ ኣህጉር እያ፡ ሓደ ዓይነት መትሓዚ መንበር ጥበብ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትንእ እያ። ፈጺማ ድማ ድኻ ኣይኮነትን፥ ድኻ ኣህጉር ዘይኮነትስ ዝደኸየት ሃገር እያ!’

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ብፍላይ ብዘለዋ ጸጋታት ቀዳማይ ነገራት ብዝምልከት ኣረሜናዊ ምዝመዛ ኣብ ልዕሌኣ ስለ ዝፍጸም እዩ፡ እዚ ማለት ድማ ነታ ኣህጉር ሓቀይና ፍትሒ ከምዘድልያ እዩ ዘርእየና፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ንህልዉን ንመጻእን ኣብ በርገሳዊ ማሕበራት ኣብ ማሕበራት ኣብ ምንቅስቓሳት ኣብ ጉጅለታት ዓለማውያን ሰባት “ሕግታት ናይቲ ጸዋታ ክቕይሩ ዝደልዩ” ወፍሪ ክገብሩ ኣለዎም፥

ብኻልእ ኣዘራርባ ንኣፍሪቃ ብእወታዊ መገዲ ክንጥምታ ኣሎና!

ንመጻኢ እትጥምት ኣህጉር

ኣፍሪቃ ብስነ ህዝባዊ ምኽንያታት እውን ናብ መጻኢ ገጻ ዘተለመት ብምዃና እዩ እንክብሉ ኣባ ኣልባነዘ ሓቢሮም፥ “እዚኣ ጥንታዊት - መንእሰይ ኣህጉር ካብ ጠቕላላ ህዝባ እቲ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ መንእሰይ ወለዶ እዩ፥ ሓደ ቢሊዮን ኣርባዕተ ሚእት ሚሊዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ እያ፡ እዚ ኣብ ግምት ከነኣቱ ኣሎና” ቢሎም እዚ ማለት “እዛ ኣህጉር እያ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናዐበይት ትኸይድ ዘላ፡ ኣህጉራዊ ማእከላይ ዕድመ ዜጋታት ኣስታት 20 ዓመት እውን እዩ ካብ ኤውሮጳ ዓቢይ ፍልልይ ዘለዎ እዩ፥

ሓባራዊ ዕጫ

ኣብ 2025 ዓ.ም. ኣፍሪቃ ክልተ ቢሊዮን ሓሙሽተ ሚእቲ ሚሊዮን ህዝቢ ክህልዋ እዩ ዝብል ቅድመ ግምት ከምዘሎን ኤውሮጳ ድማ ትሕቲ 5 ሚእታዊ ካብ መላእ ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም እትሽፍን ክትከውን እያ” እዚ እውን ሓባራዊ ዕጫ ከምዘሎና ዝሕብር እዩ”

ኣብዚ ኣጋጣሚ ክመሓላለፍ ዘለዎ መልእኽቲ ብሓባር ናይ ሓባር ዕጫ ከም ዘሎናን ከም ዝረኽበናን ምርድእ እዩ ዝመስለኒ

እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

27 May 2023, 17:12