ድለ

ሩሲያ ናይ ባይቶ ጸጥታ ሕ.ሃ ተረይና መራሒት ብምዃና ዝፈጥሮ ዘሎ ቁጥዐ ሩሲያ ናይ ባይቶ ጸጥታ ሕ.ሃ ተረይና መራሒት ብምዃና ዝፈጥሮ ዘሎ ቁጥዐ  (REUTERS)

ሩሲያ ናይ ባይቶ ጸጥታ ሕ.ሃ ተረይና መራሒት ብምዃና ዝፈጥሮ ዘሎ ቁጥዐ

ሩሲያ ናይቲ ባይቶ ጸጥታ ተረይና መራሒት ሃገር ኮይና

ብኲናት እትህሰይ ዘላ ሃገረ ዩክረይን ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ናይቲ ላዕለዋይ ባይቶ ጸጥታ ሩስያ ናይ ተረይና ሓላፍነት መርሕነት ክወሃባ ቅቡል ክኸውን ኣይክእልን ክትብል ክንጸግ ሓቲታ እውን እንተነበረት፡ ሩሲያ ናይቲ ባይቶ ጸጥታ ተረይና መራሒት ሃገር ኮይና ሓልፍነታ ከም ምእተረከበትን ከም ውጽኢት ድማ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሃገራት ዓለም ብሓንቲ ርእሰ ብሔራ ብገበን ኲናት ዝብል ኣህጉራዊ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ዝተመሓላለፎም ኣብ ቤላሩሲያ ኑዩክለራዊ ኣጽዋር ብዘቐመጠት ሃገር ይምራሕ ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ኲናት ተካይድ ዘላ ሃገር እውን ትኹን፡ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 2 ሚያዝያ ናይቲ 15 ኣባላት ዘለዎ ላዕለዋይ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተረይና ናይ መርሕነት ሓላፍነት ከም እተረከበትን ነዚ ውሳኔ እዚ ናይ  ዩክረይን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ዲሚትሮ ኩለባ፥ “ኣሽካዕላል” እንክብሉ ገሊጾም፥ ብግልጺ ንምዝራብ ይብሉ - “እታ ንዅሉ መሰረታዊ ሕግታት ኣህጉራው ድሕነት ብስርዓት ዝጠሓሰት ሃገር፡ ነቲ መሰረታዊ ሕግታት ኣህጉራዊ ደሕንነት ምሕላውን ምክልኻልን ዝብል ሓላፍነት ዘለዎ መዋቕር ክትመርሕ ምዃና ብሓቂ ነቲ ዕላማ ውድብ ሃገራት ዓለም ዝጻረር እዩ” እንክብሉ ርእዮት ከም ዝሃቡን፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ተቐያሪ ወኪል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሮበርት ዉድ፥ ነቲ ውሳኔ ኮኒኖም፥ “ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ሩሲያ ሓደገይናን ዘይረጋግእ ባህርያት ዘተባብዕ ዘይምርግጋእ ዝፈጥሩን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቤላሩስ ኑክለሳዊ ኣጽዋራ እተዋፍር ዘላ ሃገር ምዃናን እዚ እውን ንውሳኔ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ንኣሕጉራዊ ሕጊ ዕሽሽ ዝብሉ ምዃኖም እዩ ዘረጋግጽ።

07 April 2023, 16:04