ድለ

ኣብ ሩሲያ ተኣሲሩ ዘሎ ኣመሪካዊ ልኡኽ ጋዜጠይና ንመጀመሪያ ግዜ ምስ ጠበቓታቱ ተራኺቡ ኣብ ሩሲያ ተኣሲሩ ዘሎ ኣመሪካዊ ልኡኽ ጋዜጠይና ንመጀመሪያ ግዜ ምስ ጠበቓታቱ ተራኺቡ 

ኣብ ሩሲያ ተኣሲሩ ዘሎ ኣመሪካዊ ልኡኽ ጋዜጠይና ንመጀመሪያ ግዜ ምስ ጠበቓታቱ ተራኺቡ

ዋና ኣሰናዳኢት ዎል ስትሪት ጆርናል ታከር፥ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምስ ሩሲያ ምዝርራቡ ከም ዘሐጎሳ ገሊጻ

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሩስያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ብግብረ ስለላ ዝተኸሰ ኣመሪካዊ ልኡኽ ጋዜጠይና ዳብሊው ኤስ ጂ ናይ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ አቫን ገርሽኮቪች ዕለት 4 ሚያዝያ ንፈለማ ግዜ ምስ ጠበቓታቱ ከም እተራኸበ ዳብሊው ኤስ ጂ ዕለታዊ ጋዜጣ ከም ዘረጋገጸ ዜና ቫቲካን ናይቲ ጋዜጣ መግለጺ ጠቑሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ዋል ስትሪት ጆርናል እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢት ኤማ ታከር ንናይቲ ጋዜጠ ሰራሕተይናታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ልኡኽ ጋዜጠይና ገርሽኮቪች ንመጀመርታ ግዜ ምስ ጠበቓታቱ ምርኻቡ ንጥዕናኡ እውን ጽቡቕ ምህላዉ ኣፍሊጣ፡ ካብ መላእ ዓለም ንዝቐርብ ዘሎ ድጋፍን ቅርበትን ከም ዘመስገነት ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ስድራ ቤት ጋዜጠይና ገርሽኮቪች እውን እዚ ዝተረኸበ ሓበሬታ ምርግጋእ ከም ዝፈጠረሎምን ክንገር እንከሎ፥ ቤት ፍርዲ ሞስካ ንኣመሪካዊ ንገርሽኮቪች ክሳብ 20 ዓመት ማእሰርቲ ከትፍረድ ብዝገብር ክሲ ስለያ ከም ዝኣሰሮን ክሳብ ዕለት 29 ግንቦት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ ውሳኔ ከም ዝሃበ እውን ክንገር እንከሎ ዋና ኣሰናዳኢት ዎል ስትሪት ጆርናል ታከር፥ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምስ ሩሲያ ምዝርራቡ ከም ዘሐጎሳ ገሊጻ። ሚኒስትር ጉዳያት ዋጻኢ ኣንቶይ ብሊክንከን ምስ ናይ ሩሲያ ሚኒስር ጉዳያት ወጻኢ ሰርገይ ቪክቶሮቪች ላቭሮቭ ከም እተዘራረበ ሓቢረን፥ ኣብ ልዕሊ ልኡኽ ጋዜጠይና ግርሽኮቪች ዝቐረበ ክሲ ስለላ ብትሪ ግጉዕ እዩ ቢላ ነዚ ክሲ እዚ ነጺጋን ልኡኽ ጋዜጠይና እምበር ሰላይ ኣይኮነን፥ ምናልባት ብዛዕባ ሩሲያ ዝምልከት ዘቕረቦ ጽሑፋት ይኸውን ምኽንያት መእሰሪእይ. . . ብዛዕባ እቲ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፈነወቶ ወራር ብዛዕባ ዝተቐትሉ ዩክረይናውያን ዝነገር ጽሑፋትን ሓበሬታን ከም ዘቕረቡን እዚ እውን ምኽንያት መእሰሪኦም ክኸውን ይኽእል እምበር፡ ሰላይ ዝብል ክሲ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ይሕብር።

07 April 2023, 16:08