ድለ

ኣብ ቱርክን ሶርያን ብዘጋጠመ ከቢድ ርእደ መሬት ዝሞቱ ልዕሊ 15 ሺሕ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይንገር ኣብ ቱርክን ሶርያን ብዘጋጠመ ከቢድ ርእደ መሬት ዝሞቱ ልዕሊ 15 ሺሕ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይንገር 

ኣብ ቱርክን ሶርያን ብዘጋጠመ ከቢድ ርእደ መሬት ዝሞቱ ልዕሊ 15 ሺሕ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይንገር

ብመሰረት ጸብጻብ ኣስታት 13. 5 ሚሊዮን ዝግመቱ ሰባት በቲ ርእደ መሬት ኣብ 450 ኪ.ሜ. ኣብ ዝሽፍን ስፍሓት ከም እተሃሰዩ

በቲ ኣብ ቱርኪን ሶርያን ብዘጋጠመ በርቱዕ ርእደ መሬት ቁጽሪ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ክብ ይብል ምህላዉን ረድኤት ዘቕርቡ ኣካላት ነቶም ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ዝተቐብሩን ዝተዓግቱን ኩሎም ንምድሓን ኣብ  ህጹጽ መደብ ኣድሕን ህይወት ኣገልግሎት ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቱርኪ ርእሰ ብሔር ታዪፒ ኤርዶጋን ነቲ በቲ ኣዕናዊ ርእደ መሬት ዝተሃስያ ዓሰርተ ኣውራጃታት ልዕሊ 5 ሺሕ ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህንጻታት ድሕሪ ምዕናዉን ዞባ ከቢድ ሓደጋ እንክብሉ ከም ዝኣወጁን ብናይ ሃገሮም ናይ መንግስቲ ማዕከን ተለቪዥን ኣቢሎም፥ልዕሊ 70 ዝኾና ሃገራት ኣብ ስርሒት ድልያን ምድሓንን ሰባት ሓገዝ የቕርባ ከም ዘለዋን፡ እቶም ኣባይቶም ዝፈረሶም ብዙሓት ዜጋታት ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ትካላት ናይ ምእንጋድ መደብ ከም ዘሎ ገሊጾም፡ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብመሰረት ጸብጻብ ኣስታት 13. 5 ሚሊዮን ዝግመቱ ሰባት በቲ ርእደ መሬት ኣብ 450 ኪ.ሜ. ኣብ ዝሽፍን ስፍሓት ከም እተሃሰዩ ኣፍሊጡ።

እዚ ዞባ ኣብዚ እዋን’ዚ ቁሪ ዝረኣየሉ ምዃኑን ከምኡ እውን ድሕሪ ርእደ መሬት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝኾነ መተሓላልፎታት ነቲ ዝተጠቕዔ ህዝቢ ሓገዝ ንምቕራብ ዕንቅፋት ከም ዝኾነን፡ ኣብ ሓደ ለይቲ ኣስታት 3 ሺሕ ሰባት ኣብ መጓዓዝያ ባቡር ከም እተዓቖቡን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ክልቲኡ ቱርክን ሶሪያን  ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብፍርስራስ ህንጻታት ከም እተዓግቱን ክሳብ 20 ሺሕ ከብጽሑ ከም ዝኽእሉ ክንገር እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ስፍሓት ናይቲ ርእደ መሬት ኣብ ግምት ብምእታው ዓለም ሓቆፍ ወድብ ንክን ጥዕና ቁጽሪ ምዉታት ክብ ክብል ከም ዝኽእል ክሕበር እንከሎ፡ ካብ ናይ ሰሜን ኣትላንቲክ ቃል ኪዳን ሃገራትን ካብ ሕቡራት ሃገራት ዓለምን ካብ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ህንዲ ጃፓን ኣውስትራሊያ ኒውዚላንድ ቻይና ግሪኽ ካልኦት ሃገራትን ናብቲ ቦታ ሓገዝ ይለኣኽ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

09 February 2023, 16:14