ድለ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ከተማታት ዞባ ትግራይ ተቖጻጺሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ከተማታት ዞባ ትግራይ ተቖጻጺሩ  (AFP or licensors)

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ከተማታት ዞባ ትግራይ ተቖጻጺሩ

ሓላፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ኣብታ ብግጭት እተሃስየ ሰሜናዊ ዞባ ኢትዮጵያ ብቝልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት ከም ዘቕረቡን፥

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ትግራይ ዝርከቡ ሓይልታት ዓመጽቲ ዝቖጻጸርወን ዝነበሩ ስለስተ ከተማታት ከም እተቖጻጸረ ክንገር እንከሎ ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ከብቕዕን ብዘተ ክፍታሕ ጻውዒት የቕርብ ምህላዉን መዓዝ ክካየድ እውን ገና እውን ኣይወሰን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝካየድ ናይ ሰላም ዘተ ክህሉ ምዃኑ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ፈደራላ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ዞባ ትግራይ ካብ ዝርከብ ሓይልታት ዓመጽቲ ስለስተ ከተማታት ከም እተቖጻጸረን ቅድሚ እዘን ሰለተ ዝተቖጻጸረን ከተማታት ከይተዋግአ ንከተማታት ሽረን ኣላማጣን ኮረምን ተቖጻጺሩ ምንባር ካብቲ ከባቢ ዝወጹ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሓላፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ኣብታ ብግጭት እተሃስየ ሰሜናዊ ዞባ ኢትዮጵያ ብቝልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት ከም ዘቕረቡን፥ ኣብ ዞባ ትግራይ ናብ ካልኣይ ዓመቱ ዘብል ዘሎ ግጭት ገና ይቕጽልን እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትካል ልምዓት ዋና ኣመሓዳሪት ሳማንታ ፖወር ኣብቲ ፋኪ ማሃማት ዘቅረብዎ ጻውዒት ሓቢረን ብቕሉጡፍ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዳግማይ ክጅመር እውን ከም ዝሓተታ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ መጥቓዕቲ ደው ክብል ጻውዒት ከም ዘቕረባ ኣፍሊጡ።

ናይ ዓመታት ግጭት

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዞባ ትግራይ ኣብ መንጐ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይን ፈደራላዊ ምክልኻል ሓይልታት ኢትዮጵያን ካብ መወዳእታ 2020 ዓ.ም. ዝጀመረ ውግእ ይቕጽል ከም ዘሎን ብዙሕ ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከም እተቐትሉን ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ከም እተመዛበሉን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፊቃ ክካይድ ትጽቢት ይግበር እንተ ሃለወ ዝካየደሉ ዕለት ገና ከም ዘይተወሰነ የመላኽት።

ዞባ ትግራይ እቲ ኵናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብዓቢኡ ተነጺሉ ልዕሊ ሓሙሽተ ምሊዮን ዝህቢ እቲ ዞባ ካብ ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ስልክን መራኸቢ ብዙሓን ወጻኢ ኮይኑ ከም ዘሎን ሕጽረት መድሃኒትን ቀረብ ክንክን ጥዕናን ክንክን ሕጻናትን መግብን ይርአ ምህላዉ እውን ካብቲ ከባቢ ዝወጹ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 October 2022, 16:11