ድለ

ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ኣብ ልዕሊ ተጣበቕቲ ኣካባብን መሬትን ዝፍጸም ቅትለት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ኣብ ልዕሊ ተጣበቕቲ ኣካባብን መሬትን ዝፍጸም ቅትለት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ  (ANSA)

ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ኣብ ልዕሊ ተጣበቕቲ ኣካባብን መሬትን ዝፍጸም ቅትለት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ

ብሰንኪ ዕደና ዝተፈጥረ ግጭት 27 ተሓለቕቲ ከምእተቐትሉን ድሕሪ መክሲኮ እተን ኣዚየን ሓደገይና ሃገራት ኮሎምቢያ ብራዚል ኒካራጓ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ፊሊፒንስ ከም ዝኾና

ዓመታዊ ጸብጻብ ዓለም ለኻዊ ምስክርነት እተሰምየ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ከም ዘመልክቶ ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 200 ተሓለቕቲ ምክልኻል ከባብን መሬትን ከም እተቐትሉን ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ ኣብ መክሲኮ ዝተቐትሉ ምዃኖም ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ መክሲኮ 54 ተሓለቕቲ መሬትን ከባብን ከም እተቐትሉ እቲ ጸምጻብ ክሕብር እንከሎ፡ ብመሰረት ዓመታዊ ጸብጻብ ናይቲ ዘይመግንስታዊ ትካል ዓለም ሓቆፍ ምስክር፡ ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ናይቲ ቕትለት ኣብ ላቲም ኣመሪካ ዝተፈጸመ ከም ዝኾነ ክፍልፈጥ እንከሎ፥ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ዝፍጸም ከም ዝኾነን እዞም ተሓለቕቲ ከባብን መሬትን ኣብ ልዕሊ መሬት ዝፍጸም መጻኢ ግምት ዘይህብ ዓይነት ምዝመዛን ከምኡ እውን ናይ ሓባራዊ ሃብቲ ዝኾነ መሬት ህዝብን ተቐማጦን ግምት ዘይህብ ዝፍጸም ምሻጥን ምልዋጥን ብዘርእይዎ ተቓውሞም ህዝቢ ኣብ ምንቕቓሕ ብዘካይድዎ ጻዕሪ ምኽንያት ዘጋጥሞም መቕተልቲ ምዃኑ ነቲ ጽብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብሰንኪ ዕደና ዝተፈጥረ ግጭት 27 ተሓለቕቲ ከምእተቐትሉን ድሕሪ መክሲኮ እተን ኣዚየን ሓደገይና ሃገራት ኮሎምቢያ ብራዚል ኒካራጓ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ፊሊፒንስ ከም ዝኾና ኣፍሊጡ።

እቲ ዝዓበየን ኣዚዩ ኣገዳስን ዓበይትን ህብረ ኢንዳትሪታት ናይቲ ዝፍጸም መቕተልቲ ተሓተቲ ክኾናን ኣብ ልዕሊ ተሓለቕቲ ከባብን መሬትን ንዝፍጸም መጥቓዕቲ ክቃወማን ኣብዚ መዳእ እዚ እውን ብሓላፍነት ክዓያ እቲ ማሕበር ጻውዒት ከም ዘቕረበን፡ እቶም ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ምስክርነት ትካል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ማይክ ዳቪስ፥ “እቶም ተሓለቕቲ መሬትን ከባብን ህዝቢ ማሕበረሰባት ኣንጻር ከባብያውን ስነ ምህዳራውን ውድቀት ኣብ ምክልኻል ብቐዳምነት ወሳኒ ተራ ከም ዝጻወቱን ከምቲ ቅዱስ ኣቦናን ከምኡ እውን ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዓለም ዝረአ ዘሎ ቅልውላው ምህዳር ንምብዳህ ማሕበረሰብ ከባብን ደቀባትን ዘሳትፍ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ምርግጋጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘቕረብዎ ጻውዒት ጠቒሱ ዘቕረቦ ጸብጻብ ከም ዝዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 September 2022, 16:34