ድለ

NICARAGUA-POLITICS/ NICARAGUA-POLITICS/ 

ኣብ ኢድ ኣምላኽ ኢና ዘሎና ፍቃዱ ክንፍጽም ንደሊ! ኣቡነ ኣልቫረጽ ኒካራግዋ

ሃገረ ኒካራግዋ ወሪድዋ ብዘሎ ነውጺ ዓንጾ ዓንጾ ኣብ ቤተክርስትያንን ኣቡናትን ኣውሪዳ ብዙሕ ኣደራዕ እኳ ይወርድ እንተሎ ካብ ሓይሊ እምበሎት ሓይሊ ጸሎት ቢሎም ስለሰላም እታ ሃገር ብፁዕ ኣቡነ ሮላንዶ ኣልቫረጽ ዝመርሕዎ ጸሎተ መቊጸርያ እንክፍጸም ሓደ ካልእ ካህን ካብ ቊምስና ምውጻእ ከምዝተኸልከለን ንምስሊ እኖና ድንግል ማርያም ዘፋጢማ ሒዝካ ኣብ ማናግዋ ክግበር ዝነበሮ ዑደት እውን ከምዝተኸልከለ ተመልኪቱ። ረኪበ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ንሕዝቢ ኒካራግዋ ደገፎም ከምዝገለጹ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

እቲ መደብ ምህልላ ሰላም ኒካራግዋ ብጸሎተ መቊጸርያ ብዙሕ ዕንቅፋታት እኳ እንተኣጋጠሞ ጳጳስ ሰበኻ ማታጋልባ ግን ካብ መንበሮም ብቀጥታ ኩሎም ብኣካልን ብመራኸቢ ብዙሓንን ክከታተልዎ ብዝብል ሓሳብ ዝሓለፈ ዕለት 11 ነሐሰ 2022 እዮም መሪሖሙ። ብፁዕነቶም ንኩሎም እቶም ብኣካል ዝመጹስ ይኹን ብመራኸቢ ብዙሓን ምሳኦም ሓቢሮም ነቲ ምህለላ ሰላም ሃገረ ኡክራይና ብጸሎተ መቊጸርያ ‘ናብ እመቤትና ኣብ ዙርያ ቅድስት ድንግል ማርያም ምሳና ክትኮኑ ብምምጻእኩም ብልቢ ኣመስግነኩም’እንክብሉ ምስ ኣመስገኑ ነቲ ጸሎት መርሑ።

ኣብዚ መላእ ሃገር ኒካራግዋ ቀውጢ ኮይናትሉ ዘላ ግዜ ብዙሓት ስለኦም ክጽልዩ ሓደራ ብማለት ሓሳብ ጸሎቶም ጽሒፎምሎም ስለዝነበሩ ስለኩሉ ከምዝጸለዩ ድሕሪ ምግላጽ ነቶም ጸሎቶም ዝሓተቱ እውን ስለቲ ዕርክነቶምን ፍቅሮምን ሕያውነቶምን ምሕረቶምን ኣመስጊኖም ከም ምልክት ሱታፌ ቅዱሳን ኣብ መንጎኦም ብዘሎ መንፈሳዊ ውህደት ነቲ ጸሎተ መቁጸርያ ስለኩሎም ስለእቶም ዝከታተሉ እውን ዋላ ብሞባይል ንእትከታተሉንናን ብፍላይ ክንጽልየልኩም ዝሓተትኩምናን ነዚ መቊጸርያ እዚ ነወፊ ኣሎና ኢሎም። ትማሊ 12 ነሓሰ እውን መሥዋዕተ ቅዳሴን ፍኖተ መስቀልን ከምዝመርሑ እንክምልከት ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፍዎ ሓጺር መልእኽቲ፣ ‘ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ኢና ዘሎና ፍቃዱ ክንፍጽም ንደሊ። ኩሉ ከኣ ስለ ክብሩ ክንገብሮ ንደሊ፣ ኣሜን’ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
14 August 2022, 09:34