ድለ

ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ምርጫ ርእሰ ብሔር ዝፈጥሮ ዘሎ ቅልውላውን ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ምርጫ ርእሰ ብሔር ዝፈጥሮ ዘሎ ቅልውላውን  (AFP or licensors)

ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ምርጫ ርእሰ ብሔር ዝፈጥሮ ዘሎ ቅልውላውን

እቶም ካልኣይ ሕጹይ ተመራጺ ንነዊሕ ዓመታት መራሔ መንግስትን ከምኡ እውን ሚንስትር ኮይኖም ዘገልገሉ በቶም ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ዘብቅዑ ዘለዉ ርእሰ ብሔር እርሁሩ ኬንያታ ዝድገፉ ራይላ ኦዲንጋ እቲ ዝተወሃበ ጸብጻብ ውጽኢት ህዝባዊ ድምጺ ዝተዛብዐን ቅዋም ሃገር ዝጥሕስ እዩ ቢሎም ዝምልከቶ ላዕልዋይ ስልጣን ፍታሕ ክህበሉ ይሓትቱ

ኣብ ኬንያ ድሕሪ እቲ ዕለት 9 ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ዝተኻየደ ምርጫ ርእሰ ብሔር ስዒቡ ዝተፈጥረ ውጥርት ኣናገደደ ይኸይድ ከምዘሎን ካብ 2008 ክሳዕ 2013 ዓ.ም. መራሔ መግንስቲ ኮይኖም ዘገልገሉ ኣብቲ ምርጫ ዝወደሩ ሕጹይ ርእሰ ብሔር ራይላ ኦዲንጋ ዕለት 16 ነሓሰ ነቶም ሕጹይ ርእሰ ብሔር ኮይኖም ኣብቲ ምርጫ ዝቐረቡ ዘዓወቶም ውጽኢት ከም ዝነጸጉን ኣብ መንጐ ናይዞም ክልተ ሕጹያት ርእሰ ብሔር ደገፍቲ ግጭት ይለዓዓል ምህላዉ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኬንያ እቲ ዝሓለፈ ዕለት 9 ነሓሰ ዝተኻየደ ምርጫ ርእሰ ብሔር ንነውሕ እዋን ጒዳይ ፍርዲ ቤት ኮይኑ ከም ዝጸንሕ ብዙሓት ክገልጹ እንከለዉ፡ እዚ ድማ ብይግባይን ጸረ ይግባይን ዝቖመ ኮይኑ እቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ምኽትል ርእሰ ብሔር ነበር ዊሊያም ሩቶ 50.49 ሚእታዊ ድምጺ ብምርካብ ጸቢብ ዓወት ክረኽቡ ከም ዝገበረ ይንገር።

እቶም ካልኣይ ሕጹይ ተመራጺ ንነዊሕ ዓመታት መራሔ መንግስትን ከምኡ እውን ሚንስትር ኮይኖም ዘገልገሉ  በቶም ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ዘብቅዑ ዘለዉ ርእሰ ብሔር እርሁሩ ኬንያታ ዝድገፉ ራይላ ኦዲንጋ እቲ ዝተወሃበ ጸብጻብ ውጽኢት ህዝባዊ ድምጺ ዝተዛብዐን ቅዋም ሃገር ዝጥሕስ እዩ ቢሎም ዝምልከቶ ላዕልዋይ ስልጣን ፍታሕ ክህበሉ ይሓትቱ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ኣገልግሎት ዜና ኬንያ ጠቒሱ የመላኽት።

ዘተ{ ሕድሕዳዊ ግጭት ንኸይፍጠር

እቲ ኣብ መንጐ ሩቶን ኣዲንጋን ተፈጢሩ ዘሎ  ተቓውሞ ኣብ ዓበይቲ ጐደናታት እታ ሃገር ዓቢይ ጽልዋይ የሕድር ምህላዉ ክንገር እንከሎ ኣብ መንጐ ናይቶም ስዒሮም ዝበሃሉ ዘለዉ ሕጹይ ርእሰ ብሔር ሩቶ ደገፍትን ነቲ ውጽኢት ዝቃወሙ ዘለዉ ናይ ኦዲንጋ ደገፍቲ ምትፍናን ይፍጠር ምህላዉን ብዙሓት ተዓዘብቲ ናብ ኲናት ሕድ ሕድ ዝቕይር ሓደጋ ከም ዘሎ እንክሕብሩ፡ ማሕበረሰብ ዓለም እውን ኣብዚ እዋን እዚ ንኬንያ ብስክፍታ ኣቃልቦ ይገብር ምህላዉን ምርግጋእ ክህሉ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መገዲ ፍታሕ ክርከቦ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ተዓዊቶም ዝበሃሉ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ከብቅዕ ዝጽበዩ ዘለዉ ሩቶ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ እንቋዕ ሓጐሰኵም መልእኽቲ ከም እተመሓላለፈሎምን ናይ ብራሰልስ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ቻርለስ ሚሸል “ህዝቢ ኬንያ ብሰላም ኣድሚጹ” ቢሎም “ድሕሪ ዝተገልጸ ናይ ምርጫ ጸብጻብ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ብዘተ ክፍታሕ” ክምሕጸኑ እንከለዉ፡ ምኽትል ኣደ መንበር ሕብረት ኤውሮጳ ላዕለዋይ ወኪል ጒዳያት ውጻኢ ሕብረት ኤውሮጳን ጆሰፕ ቦረል ነቶም ተዓዊቶም ዝተባህሉ ሩቶ እንቋዕ ሓጐሰኩም ቢሎም ሕብረት ኤውሮጳ ኬንያውያን ብህድኣትን ብሰላማውን ኣገባብ ምርጫ ብምክያዱ ይንእድ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 August 2022, 10:17