ድለ

UKRAINE RUSSIA CONFLICT UKRAINE RUSSIA CONFLICT  (ANSA)

መጥቃዕቲ ሩስያ ኣብ ቤት ትምህርትታት ዩክሬን መቕዘፍቲ ኣበሪኹ

ኣብ ትካል ሓጺን ማርዩፖል ዝርከቡ ዝቖሰሉ ወተሃደራት ንምውጻእ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ ግዜ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ዝርከብ ቤት ትምህርቲ 60 ሰባት ዝቐዘፈ መጥቃዕቲ ኣካይዶም።

ኣፈወርቂ ኣ. ሃይሉ - ሃገረ ቫቲካን

ኣማሓዳሪ ቢሎሆሪቭካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝወረደ ደብዳብ ሰባት ከምዝሞቱ ኣብ ዘቃልሕሉ እዋን ብደረጃ ዓለም መዓልቲ ኣደታት እንክኽበር፣ ኣደታት ዩክሬን ግን ተረፍ ደብዳብ ደቀን እንተረኸባ ኣብቲ ዝፈራረሰ ህንጻ ይፍሕትራ ከምዝነበራ ተጸብጺቡ።

ናይ ሩስያ ቦምብ ነቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዘናወጸሉ እዋን 90 ዝኾኑ ሰባት ከምዝነበሩ ካብኣቶም 30 ሰባት ብሓደ ዓይነት ክዳን ዝለበሱ ነብሲ ኣድሕን ጉጅለ ተጸይሮም ክወጹ ከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ 60 ሰባት ግን ካብ ሞት ከምዘይተርፉ ይግመት። ኮይኑ ግን ሩስያ ነዚ ብተደጋጋሚ ኣብ ሰላማዊ ሰባት ተካይዶ ዘላ ደብዳብ ተዘይ ኣመነትሉ ጸብጻባት ግን በንጻሩ ይምስክሩ።  ናይ ሩስያ ሰራዊት ኣብ ግንባር ዞባ ዶምባስ ዝፈጸምዎ ደብዳብ ቀቅድሚ እቲ ንናዚ ጀርመን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝሰዓርሉ 9 ግንቦት መዓልቲ ዓወት ምኽባሮም እዩ ተኻይዱ።

ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ

እቲ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ዩክሬንን ዝግበር ዘሎ ዘተ ኣብ ዝቕጽለሉ ግዜ እቶም ኣብ ፋብሪካ ሓጺን ማርዩፖል ዝረከቡ ናይ ኲናት ቁሱላት ዝወጽኡሉ መንገዲ ኣርእስቲ ኮይኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ኣደታት ህጻናትን ኣረጋውያንን ትማሊ ቀዳም ጠቕሊሎም ከምዝወጽኡ ክንገር ከሎ እቶም ሰራዊት ግን ገና ኢዶም ክህቡ ይሕተቱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ሚሳይል ሩስያ ኣብ ደቡባዊ ወደብ ከተማ ኦዴሳ ክዘንብ ምቕናዩ ኣብ ዝንገረሉ ግዜ ዩክሬን ውን ጸረ መጥቃዕቲ ብምግባር ኣብ ከባቢ ክሃርኪቭ ዝርከባ 5 ዓድታት ከምዘምለሰት ትገልጽ።

መራሒ ሃገር ዩክሬን ቮሎብሚር ዘለንስኪ ብቪድዮ ምስተን 7 ሰብ ጸጋ ሃገራት መራሕቲ ኣመሪካ ጆ ባይደንን ናይ እንግሊዝ ቦሪስ ጆንሶንን ዝተረኸብሉ ዝርርብ ኣብ ዝገብርሉ ዝነበርሉ እዋን ኲናት ይቕጽል ምንባሩ ገሊጾም።

ብተወሳኺ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ልኡካን መግንስታት ብሰንበት ኣኼባ ብምክያድ፣ ኣብ ልዕሊ ሩስያ መበል 6ይ ማዕቀብ ክገብራ እኳ ሃቂኖም ተነበሩ፡ ሃንጋሪ ብዘለዋ ድምጺ ብድምጺ ምስዓር መሰላ ተጠቒማ ከተፍሽሎ ከላ ምኽንያታ ብምስዓብ፣ እንድሕሪ ንሩስያ ናይ ነዳዲ ማዕቀብ ተገሩላ ሩስያ ዘይኮነት ትህሰ ምስቲ ምንጪ ጽዓትና ምዃና ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ሃገርና ሃንጋሪ ናይ ኣቶሚክ ቦንብ ምትዃስ ማለት እዩ ብምባል ስግኣቶም ኣብሪሆም።

ብድምጺ ንምክትታል!
09 May 2022, 13:32