ድለ

ኲናት ዩክሬን ጠንቂ ጥሜት ኣፍሪቃ ኲናት ዩክሬን ጠንቂ ጥሜት ኣፍሪቃ 

ኲናት ዩክሬን ጠንቂ ጥሜት ኣፍሪቃ

ንኣብነት ካሜሩን ነቲ ኣብ ሃገራ ተካይዶ ሕርሻ ዘድሊ ድኹዒ ካብ ሩስያ እያ ትረኽቦ እንድሕር ደኣ ክትረኽቦ ዘይከኣለት ኣብ ዓዳ ከተፍሪ ኣይትኽእልን ዝፈሪ እኽሊ ስለ ዘየሎ ድማ ዋሕዲ እኽሊ የጓንፍ ኢለን። ``ብዓለም ደረጃ ክንርእዮ ኮሎና እኹል መግቢ ኣሎ’’

ኲናት ዩክሬን ብተዘዋዋሪ ጠንቂ ጥሜትን ድኽነትን ኣፍሪቃ ዝኸውን ዘሎ፡ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ዝነበረ ከም ስርናይ ስገም ድዂዒን ዘይትን ዝኣመሰሉ ካብ ዩክሬን ይመጽእ ስለ ዝነበረ እዩ።

ኣፈወርቂ ኣ. ሃይሉ - ሃገረ ቫቲካን

ብዝለዓለ መጠን ነዘን ኣብ ትሕተ ስሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ስርናይ፣ ድኹዒ፣ ከምኡ ውን ዘይቲ ዝመጸን ካብ እዘን ክልተ ኣብ ኲናት ተጸሚደን ዘለዋ ሩስያን ዩክሬንን ስለ ዝነበረ፡ ከም ሳዕቤን ብዓለም ደረጃ እቲ ንግዲ ክረጋጋእ ብዘይ ምኽኣሉ ኣብ ኣፍሪቃ ሕጽረትን ናህሪ ዋጋታት መግቢ የስዕብ። ገዲም ተመራማሪት ዛዕባ ድኽነትን ማዓርነትን ኣብ ትካል ቆላሕታ ንሰብኣዊ መሰላት ሌና ሲመት ንራድዮ ቫቲካን ከምዝገለጽኦ መንግስታትን ዓለምለኸ ማሕበረ ሰብን ናህሪ ዋጋ በቲ ብኮቪድ 19 ተዳኺሙ ዘሎ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ህጹጽ ናይ ምሕጋዝ ስጉምቲ ክወስዱ ጸዊዔን። 30% ኣብ ዓለም ዝሃልኽ ዓይነት መግቢ ብፍላይ ጥረምረ ካልኦት ከም ስገም ዘይቲ ሱፍን ካልእ ዓይነት ንመግቢ ዘገልግሉ ዘይቲን ድኹዒን ኣብ ውሽጢ ዓዶም ንኸፍርዩ ዝሕግዙ ኣድለይቲ ነገራት እዮም ኪብላ ሲመት ገሊጸን።

ንኣብነት ካሜሩን ነቲ ኣብ ሃገራ ተካይዶ ሕርሻ ዘድሊ ድኹዒ ካብ ሩስያ እያ ትረኽቦ እንድሕር ደኣ ክትረኽቦ ዘይከኣለት ኣብ ዓዳ ከተፍሪ ኣይትኽእልን ዝፈሪ እኽሊ ስለ ዘየሎ ድማ ዋሕዲ እኽሊ የጓንፍ ኢለን።

``ብዓለም ደረጃ ክንርእዮ ኮሎና እኹል መግቢ ኣሎ’’

እቲ ጸገም ግን ናይ ንግዲ ኣካይዳ ስለዘይጸበቐ ምቁራጽ ዋሕዚ ቀረብ፣ ቅንዕና ብዘይ ምህላው፣ እቲ ዝኸፍአ ግን ምሕባእ ኣቕርቦት መግቢ፣ ዋጋ መታን ክውስኸሎም ነቲ ሰደድ ይሓጽርዎ ብድሕሪኡ ብቑሩብ ንብረት ብዙሕ ሃብቲ ምድላብ የምጽእ ስለዚ ኣብ ቀረብ ሕጽረት ኣጋጢሙ ዘይኮነስ ዝተስኣነ ኣምሲልካ ውሽጣዊ ዕዳጋ ምንሃር እዩ።

ተላባዒ ሕማም

ብመሰረቱ እኹል ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ብኻልኦት ኣይተራእየን ብሰንኪ ለብዒ ኮቪድ 19 ኩሉ ምንቅስቓሳት ደስኪሉ ንብዙሕ ነገር መስመሩ ከምዝስሕት ገይርዎ ምህርትታት ብሰንኪ ምዕጻው ፋብሪካታት ጎዲሉ፣ ሕርሻ ደው ኢሉ፣ ኮታ ዝኾነ ዓይነት ስራሕ ደው ከምዝብል ስለዝተገብረ ህዝቢ ኣብ ጸገም ይርከ።

ለውጢ ነባራዊ ኩነታት

ብሰንኪ ሕጽረት ማይ ዘጋጠመ ሕሉፍ ደርቂን ብሰንኪ ብዝሒ ማይ ዝሰዓበ ዕልቕልቕን ፍግረ መሬት ውሽጣዊ ምህርቲ ከም ዝተጎድአ፣ ብሓፈሻ ተላባዒ ሕማም ለውጢ ነባራዊ ኩነታት ኣየር ከምኡ ውን ኲናት ተደማሚሮም ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ኣስዒቦም ክብላ ሲመት ኣብሪሀን።

ህጹጽ ስጒምቲ

ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ክግበር ዘለዎ መንግስታትን ናይ ገንዘብ ማዕከናትን ኣብዚ እዋን ተጸጊመን ንዘለዋ ሃገራት ኣብ ክንዲ ጸቕጢ ምግባር ነቲ ተኸዚኑ ዘሎ ስርናይ ኣውጺእካ ብምሻጥ ናህሪ ዋጋ ምርግጋእ፣ ዓቕሚ ዘለወን ሃገራት ንዘይብለን ቁጠባዊ ሓገዝ ብምግባር፣ ዝበዝሓ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ኮቪድ 19 ብዘምጽኦ ሳዕቤን ብዕዳ ተዋሒጠን እኳ እንተሃለዋ ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ክኽፈል ከምዘይክእል ኣብ ግምት ኣትዩ እንተስ ናይ ልቓሕ መጠን ካብ ዘለዎ ክብ ምባል ወይ ድማ ካልእ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝርከበሉ ሜላ ተጸኒዑ ህልዊ ሽግር ዝፍተሓሉ መንገዲ ክድለ ኣለዎ ይብላ።

ሓገዝ ንህዝቢ

ንህዝቢ ሓገዝ ብግልባጡ ጸቕጢ ዝፈጥረሉ ክኸውን የብሉን ንኣብነት ኣብ ናይ ኮቪድ 19 ብዙሕ ኩነት ርኢና ኢና ንህዝቢ ዝመጽእ ገንዘባዊ ሓገዝ ወይ ብብልሽውና ወይ ድማ ኣብ ዝተወሰኑ ወገናት ብምምቕራሕ ናብቲ ተጠቃሚ ንኸይ በጽሕ ይዓግትዎ።

ናይ ነዊሕ ትልሚ ስጒምቲ

እተን ሃገራት ባዕለን ክብገሳ ኣለወን ብውሽጣዊ ዓቕሚ ዝፈሪ ንህዝበን ከናብር ዝኽእል ሓያል ቁጠባዊ ትካላት ምምስራት የድልየን፡ ብለውጢ ኩነታት ኣየር ዝመጽእ ጸገማት ንምብዳህ ምጥባብ፣ ብመግቢ ነብስኻ ምኽኣል ዝሕመረቱ ጻዕሪ ምክያድ፣ ኣብ ምእታው ሰደድ ዘይምሙርኳስ ክኸውን ከሎ ማሕበረሰብ ዓለም ውን ዝኾነ ሰብ ንድሕሪት ከይተርፍ ዝግብኦ ደገፍ ክገብር ኣሎዎ ምስበላ፥

`እተን ዝምውላን ዝሕግዛን ዓለም ለኻዊ ትካላት ናብ ኩሉ ደላይ ሓገዝ ከምዝበጽሕ ከረጋግጻ ኣለወን’’

ኢለን ብምጥቃስ ናይ ጥሜትን መዓርነትን ተመራማሪት ሊና ሲመት መግለጼን ዛዚመን።

03 May 2022, 11:15