ድለ

ኤዲት ብሩክ፥ መዓልቲ ዝኽሪ ጸላም ከይረሳዕካ ብርሃን ምድላይ ማለት እዩ! ኤዲት ብሩክ፥ መዓልቲ ዝኽሪ ጸላም ከይረሳዕካ ብርሃን ምድላይ ማለት እዩ! 

ኤዲት ብሩክ፥ መዓልቲ ዝኽሪ ጸላም ከይረሳዕካ ብርሃን ምድላይ ማለት እዩ!

ጌጋታትካ ይምህረካ እዩ ዝበሃል። እዚ ግን ክኸውን ኣይረኣናን። ካብ ውግእ ቨትናም ካብ ኣውሽዊዝ እትምሃሮ እንተድኣ ዘየሎ ፍጻሜ ሰብኣውነትና ጽንኩርን ስግኣትን እዩ ዝኸውን . . .

ካብ ኣውሽዊዝ መዳጐን ሰፈረ ህልቂት ዝደሓና ጸራሲት ኤዲት ብሩክ ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ ህልቂት ኣውሽዊዝ ዕለት 27 ጥሪ ተዘኪሩ ኣብ ዝወዓለሉ ዕለት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ ንመንሰይ ወለዶ እቲ ኣብ ዓለም ዝሓለፈ ዘሳክሕክህ ተግባራትን ታሪኽ ህልቂት ጃማላዊ ቅትለትን ጥራሕ ዘይኮነ ብዙሕ ዘይንገረሉ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዝፍጸም ጽቡቕ ነገራት እውን ምዝንታው የድሊ፥ ነቲ ጸላም ከይረሳዕካ ብርሃን ምድላይ ንግብረ እከይ ምስናፍ እዩ ዝኸውን ኢለን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ስቓይ ማለት ማእሰርትን ሞትን ዓመጽ ዝመልኦ ካብ ወለደን ጀሚረን ፍቑራተን ዝሰኣናላ መዓልቲ ምልስ ቢለን የስተንትና። እዘን ሎሚ ጓል 90 ዓመት ዝዀና ኣብ እዋን ህልቂት ኣውሽዊዝን በርከናውን ጓል 13 ዓመት ዝነበራን ቅድም ናብ ኣውሽዊዝ ደሓር ከኣ ናብ ካልእ ዝተፈላለየ ሹዱሽተ መዳጐን ዘፈር ዝተቐየራ ኣብ ምወዳእታ ስርዓት ናዚ ክወድቕ እንከሎ ንሰብ ካብቲ በርገን በልሰን ካብ እተሰምየ ኣብ ምወዳእታ ዝነበራሉ መዳጐን ሰፈር ናጻ ከም ዝወጻን እዋኑ ወርሒ ሚያዝያ 1945 ዓ.ም. እውን ምንባሩ ይዝክራ።

ምምጻእ ናብ ኢጣሊያ

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ህይወተን ክመርሕ ጀሚረን ኣብ መወዳእታ ድማ ከተማ ሮማ መሪጸን ክሳዕ ሎሚ ኣብ ከተማ ሮማ ይነብራ ከም ዘለዋን። ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ማለት ኣብ 2021 ዓ.ም. ወርሒ ለካቲት ብሃንደበት ከይሓሰበኦ ናብ ቤተን ክበጽሕወን ንዝኸዱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤተን ከም እተራኸቦኦምን፡ እቲ ርክብ ዝፈጠረለን ሓጐስ ደረት ከም ዘይነበሮ የዘኻኽራ። ብህይወት ክሳብ ዘለዅ መጻሓፍ ካብ ምጽሓፍ ግጥሚ ካብ ምግጣም ከም ዘይቦኽራ ድማ የረጋግጻ።

ሎሚ እውን እንተዀነ ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ዚፍጸም ዝነበረ ነገራት ኵሉ ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ኮኖም ሕቖኦም ሂቦም ክሓልፉ ከመይ ተኻኢልዎም ዝብል ሕቶ ዘቕርቡን ከምኡ እውን ብዙሓት ኣብዚ እዋን እዚ ሓድሽ መዓስከራት እናሀለወ ቍጥዓ ዘይምህላው ዘተሓሳስቦም ብዙሃት እያቶም. . . ኵሉ ነገር ዝፍለጥ ከም ዝነበረን ከም ዝኾነን እዩ ዝስምዓኒ ኣመሪካውያን ድዮም ጀምረናውያን እውን ብዙሓት ኣይሁዳውያን ኣባላት ድሕንነት ናብ ኣመሪካ ይኸዱን ብዛዕባ እቱ ዝኽሰት ዝነበረ ህልቂት ሓበሬታ ይህቡ እውን እንተነበሩ እናፈለጡ እውን ክኸውን ኣይክእልን ዝብል መልሲ እዩ ዝወሃቦም ዝነበረ። ነቲ ሓቂ ከኣ ንፖለቲካዊ ወይ ንውግእን ጉዳያት መሰረት ብምግባር ብገለ ይነጽግዎ ነይሮም ስለዚ እናፈለጡ ከም ዘይኣምኑ ኮይኖም እያቶም ዝቐርቡ ዝነበሩ . . . ነቲ ናይ ኣውሽዊዝን ተመሳሳሊ ብስርዓት ናዚ ዝተፈጸመ ጃማላዊ ቅትለት ምስቲ ሎሚ ዘሎ መዓስክራት ዘይነጻጻር እዩ ክልቲኡ ዝተፈላለየ ታሪኽ ዘለዎ እዩ ኢለን።

ሰባት ዘይፍትሓዊ ተግባራት ክወርዶምን እናጋጠሞምን ክነሱ ሎሚ እውን ልባቶም ኣትሪሮም ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ሰሚዖም ከም ዘይሰምዑ ኮይኖም ዝሓልፉ ብዙሓት ኣለዉ . . . ጌጋታትካ ይምህረካ እዩ ዝበሃል። እዚ ግን ክኸውን ኣይረኣናን። ካብ ውግእ ቨትናም ካብ ኣውሽዊዝ እትምሃሮ እንተድኣ ዘየሎ ፍጻሜ ሰብኣውነትና ጽንኩርን ስግኣትን እዩ ዝኸውን . . .

. . . እቲ ኣብ ሰብኣዊ ታሪክ መዳርግቲ ዘይብሉ ታሪኽ ኣውሽዊዝ መዳጐን ሰፈር ዝተፈጸመ ጃማላዊ ቅትለት ኣመሳሲሎም ዘቕርብዎ ገለ ገለ ኵነታት ክትርኢ ዘሕዝንን ዝዩፍን እዩ . . . ኣብ ገለ ገለ ደሞክራሲያን ሃገራት ኣብ ኢጣሊያ እውን እቲ ፎርዛ ኑዎቫ ተባሂሉ ዝጽዋኦ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ ዘካይዶም ሰላማዊ ሰልፍታትን ናይ ናዚን ፋሺስትን ሰንደቕ ዕላማ ሒዞም ክትርኢ ብሓዚ ዘሕዝን ጥራሕ ዘይኰነስ ዘሰንብድ እውን እዩ። ናይ ኢጣሊያ ቅዋም ሃገር ዝግህስ ተግባር እውን እዩ . . . ንብዙሓት ዝትንክፍ ስለ ዘይኮነ ዘየገድስ ጌርታ ይሕሰብ። . . . ጃምላዊ ቅትለን ብዛዕባ ደቂሰብ እዩ ዚዛረብ . . . ታሪኽ ኣውሽዊዝን መዳጐን ስፈር ክቕተሉ ከም ዝነበረ ኣይፈልጥን ነርና ዝበሉ ብዙሓታ ከም ዝነበሩ ይንገር።  . . . ኣይፈለጥኵን ዝብል ምኽኒት . . . ሎሚ ግን ተነጊሩና እዩ . . . ኣፍይፈለጥኵን ክንብል ኣይንኽእልን። ሎሚ ኵሉ ንርኢ ኣሎና ንሰምዕ እውን ኣሎና ስለዚ ሓላፍነትና ዝለዓለ እዩ ዝኸውን . . .

ብዛዕባ ኮቪድ - 19ን ዘስዕቦ ዘሎ ህልቂትን ናይቶም በዚ ኾሮና ተህዋስ እዚ ምኽንያት ዝርአይ ብዝሒ ምውታት እንታይ ይስምዓክን? ሰብ ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ዓለም እምበር ቁጽሪ ኣይኮነን ስለዚ ክንዲዚ ሞይቶም ዝብል ኣሃዛዊ ኣገላላጻ ብዙሕ ባህ ኣየብለንን . . . ሎሚ ዝረአ ዘሎ ጒዳይ እዩ። ሰብ ናብ ቁጽሪ ዝወርድ ሰብኣዊ ክብሩ ዝርስዕ እዋናዊ ባህሊ . . .

ናብ ኣውሽዊዝ ክንውሰድ እንከለናን ኣብቲ ናይ ባቡር ጉዕዞ እቲ ንሰምዖ ዝነበርና ቅኑይ ሙዚቃ፥ ጽሞናን ሞትን ሩምታ ጠያይትን እዩ ዝነበረ . . .

. . . ነዚ ኵሉ ግምት ብምሃብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ክሳብ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ ዝኸውን . . . ወሳኒ እዩ፡ ይዅን እምበር ዘምርት ጥራሕ ግምት ዝህብ ባህሊ እዚዩ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋናዊ ዓለም ኣረጋውያን ናይ ዘተ ቀንደይና ተዋሳእቲ ተገይሮም ኣይሕሰቡን . . . እዚ ዓይነት ተግባር ክህሉ ዝድርኽ ንቕጽና ድቢ ክትርኢ ዘሕዝን ካብ ምዃን ሓልፉ ኣስጋኢ እውን እዩ . . .

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት ር.ሊ.ጳ. ከይተጸበኽነኦም ክበጽሑኽን ናብ ቤትክ መጺኦም እዮም . . . ኣብቲ ምብጻሕ እቲ ብቐዳምነት ዝተሰማዕክን ጦብላሕታ? ብሓጐስ ሰንቢደ ስለ ዝነበርኵ ፈለማ ዝተሰመዓኒ ጦብላሕታ ኣይ ዝከረንን . . . የዕንተይ ንብዓት ቈጺረን ክሓቝፎም ጥራሕ እዩ ዝዝከረን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ቤት እናኸድካ ይቕረታ ምሕትት ዓቢይን ልዑል መልእኽትን ዘለዎ እዩ . . . ኵሉ ኣብ ዝተኣከበሉ ከድካ ይቕረታ ቢልካ ምኻድ ኣገዳሲ እዩ . . . ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባይቲ እቶም ኣደዳ ዝኾኑ እናኸድካ ምሕረት ምሕታት ባህ ዜብልን . . . ምርኻብን ምዝታይን የድሊ ንኻልእ እተርእዮ ግዳሰን ኣትህቦ ኣቃልቦ ቃላዊ - ተግባር መምዘኒኻ እዩ . . .

ኣብ መወዳእታ ነቶም ሓቂ ኪዛረቡ ዚፍትኑ ጋዜጠይናታት እንታይ መልእኽቲ ክትሓድጋሎም ትደያ?

ጋዜጠይናታት ብዛዕባ እቲ ዝኽሰት ሕማቕ ነገር ዝዝርግሕ ዘይኮነስ እውታዊ ነገራት እውን ዘቕርብ ክኽውን ኣለዎ፡ ኵሉ ጸላም ኣይኮነ ጽላሎት እውን ኣይኮነን ብዛዕባ እቲ ዘጋጥም ሰናይ ፍጻሜታት ምዝራብ ተስፋ ምዝራእ ማለት እዩ፥ ሰናይ ዝግበሩ ብዝሓት ኣለዉ . .  ስለዚህ ብዛዕባኦም እውን ሓበሬታ ምሃብ ግብረ እከይ ከይነግስ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ደገፍ እዩ እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

28 January 2022, 10:04