ድለ

ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ሱዳን፥ መራሔ መንግስቲ ካብ ሓልፍነቶም ከም ዝለቐቑ ተረጋጊጹ! ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ሱዳን፥ መራሔ መንግስቲ ካብ ሓልፍነቶም ከም ዝለቐቑ ተረጋጊጹ!  (AFP or licensors)

ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ሱዳን፥ መራሔ መንግስቲ ካብ ሓልፍነቶም ከም ዝለቐቑ ተረጋጊጹ!

ሓምዶክ ሱዳን ናብ ስርዓት ደሞክራሲ ዘሰጋግራ መርሓ መግዲ ዘቕውም ዘተ ክካየድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን እዚ እውን ነቲ ናጻን ደሞክራሲያውን ዝኾነ ሕዝባዊ ምርጫ ንኽካየድ ዘኽእል መገዲ ዝኸፍት ምዃኑ እውን ገሊጾም

መራሔ መንግስቲ ሱዳን ብናይ ሃገሮም ተለቪዥን ንህዝቢ ኣብ ዘስምዕዎ ሃገራዊ መደረ፥ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ መንግስቲ ሱዳን ንምቛም ዝተኻየደ ጻዕሪ ከም ዝፈሸለን እዚ ኸኣ ምስቲ ብግብረ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ምስ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ ክብጻሕ ብዘይ ምክኣሉ ዘስዓቦ ጸገም እዩ ዝበሉን እታ ሃገር ብከቢድ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ትናወጽ ከም ዘላ ብዙሓት ተዓዘብቲ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ነቲ ኣናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ጋግ ንምእላይ ዘክእል ድልድል ንምምቛ እቲ ኣብ መንጐ ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ዝፍጠር ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ዝገበርክዎ ጻዕሪ ኣይተዓወተን” ነዚ ዝበሉ ናይ ሱዳን መራሔ መንግስቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ንናይ ሃገሮም ህዝቢ ብተለቪዥን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፥ እዞም በቲ ብግብረ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ካብ ሓላፍነቶም ተዓልዮም ዝጸንሑን ደሓር እውን ናብ ሓላፍነቶም ክምለሱ ዝተገብሩ ህቡብ መራሔ መንግስቲ ሃምዶክ፡ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ሃገሮም ናብ ዝኸፍአ ዕንወት ከይተንቈልቁል ዝከኣሎም ኵሉ ከምዝገበሩ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝሓበሩ  ዘመላኸተ ዜና ቫቲካን፡ በርገሳውያን መራሕትን ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይልን ብዛዕባ ናይ ስልጣን ክፍፍል ኣብ ዝምልከት ውዕሊ ስንኵፍ ስምምዕ ተበጺሑ ከም ዝነበረን እቲ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ብግብረ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንመራሔ መንግስቲ ሃምዶክ ኣሱር ኣብ ቤቶም ገይርዎም ከም ዝነበረ ይዘኻኽር።

ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ጐደናታት

መደረ መራሔ መግንስቲ ሓምዶክ ዝተሰምዐ ህዝቢ ኣብ ካርቱም ንስርዓት ደሞክራሲ ደገፉ ንኽገልጽ ኣብ ጐደናታት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ዝቐረበ ከምዝነበረን ጀነራል ኣል ቡራን ኣብ ስልጣን ካብ ዝድይቡ እንተ ወሓደ 60 ሰባት ከም እተቐትሉን በማኢት ዝቝጸሩ ከም ዝቘሰሉን ይንገር።

ሓምዶክ ሱዳን ናብ ስርዓት ደሞክራሲ ዘሰጋግራ መርሓ መግዲ ዘቕውም ዘተ ክካየድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን እዚ እውን ነቲ ናጻን ደሞክራሲያውን ዝኾነ ሕዝባዊ ምርጫ ንኽካየድ ዘኽእል መገዲ ዝኸፍት ምዃኑ እውን ገሊጾም፡ እቲ ዝርአይ ዘሎ ቍጠባዊ ቅልውላው እዚዩ ዘጨንቕ ንብምሉእ ህይወት እታ ሃገርን ህዝብን ኣብ ዘስካሕክሕ ኵነት ዘእትው እዩ። እቲ ዘይተበጽሔ ስምምዕ እውን ንህልውና ህዝቢ ናብ ዝፈተተን ኵነት ዘብጽሕ እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ማሕበራት ንግድን ደጋፍያን ደሞክራሲንምቅስቓሳትን ዝተፈላለዩ ንደገፍ ስርዓት ደሞክራሲ ዝኣመተ ሰላማዊ ሰልፍታት ከም ዘዳለዋ ካብታ ሃገር ዝወጹ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

04 January 2022, 16:39