ድለ

ሓይሊ ምክልኻል ምያንማር ብዝፍጽሞ ደብዳብ ማሕበረ ክርስቲያን ንምዝብልና ይድረኽ ሓይሊ ምክልኻል ምያንማር ብዝፍጽሞ ደብዳብ ማሕበረ ክርስቲያን ንምዝብልና ይድረኽ  (AFP or licensors)

ሓይሊ ምክልኻል ምያንማር ብዝፍጽሞ ደብዳብ ማሕበረ ክርስቲያን ንምዝብልና ይድረኽ

ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ካቶሊክ እምነት ከቢድ መጥቓዒት ይወርድ

ኣብ ሚያንማር ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ንሰላማዊ ዜጋታት መጥቃዕቲ ምውራድን ከምኡ እውን ንኣቢያተ ክርስቲያንን ኣባይቲ ሕክምናን ኣባይቲ ትምህርትን ዝፍጸም ዘየኽብር ተግባርን በቲ ኣብ መንጐ ናይታ ሃገር ወተሃደራዊ መንግስቲ ሓይሊ ምክልኻልን ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት ካያህ ዝርከብ ናይ ዕጡቓት ሓይሊ ግንባር ዝካየድ ብዙሓት ንጹሓን ዜጋታት ንሞትን ማህሰይትን ምዝብልናን ዝዳርግ ዘሎ ብርቱዕ ውግእ ከብቅዕ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 17 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ኣብ ግዝኣት ካያህ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሎይካው ኣብ ዘሎ ዱር ዝርከብ መዕቆቢ ስደተይናታት ናይ ምያንማ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሓይሊ ምክልኻል ብዝጸጸሞ ደብዳብ 7 ማህሰይት ከም ዝወረዶምን ካልኦት ሰለስተ ድማ ንሞት ሓደጋ ከም እተቓልዑ ናይቲ ከባቢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓብሬታ ዝጠቐሰ ፊደስ ዜና ኣገልግሎት ከም ዘፍለጠን በቲ ዝካየድ ዘሎ ወግእ እቲ ከባቢ ምድረ በዳ ከም ዝኾነ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማሕበረ ክርስቲያን ከባቢ ካያሕ

ዕለት 17 ጥሪ ኣብ ሓይሊ ምክልኻል ወተሃደራዊ መንግስቲ ኣብ ዞባ ካያ ካብ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ሰዓብቲ ካቶሊክ እምነት ከቢድ ደብዳብ ከም ዝወረደን ጓል 7ን 18 ዓመት ዝኾና ክልተ ኣሕዋትን 50 ዓመት ዝዕድመኦን ዜጋ ንሞት ከምዝዳረገን እዞም ካቶሊካውያን ምእመናን ካብ ኣባይቶም ተመዛቢሎም ኣብ ዱር ከምዘለዉን ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ካቶሊክ እምነት ከቢድ መጥቓዒት ይወርድ ከም ዘሎ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝሃቦ ሓበሬታ ዝተቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብጹዓን ጳጳሳት ምያንማር ዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒት

ናይ ምያንማር ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኵሎም ኣብቲ ግጭት ዝዋስኡ ጉጅለታት ንዕዮ ረዲኤት ዝኸውን ድሕህነት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ውሑስ ንምግባር ነቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ግጭት ደው ከብሉን ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዜጋታትን ኣባይቲ ትምህርትን ቤተ ክርስቲያናንን መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ከኽብሩን ካብ ዕለት 11 – 14 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ኣብ ዘካየድዎ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን “ሰብኣዊ ክብርን መሰል ህይወትን ፈጺሙ ከይገሃስ” እውን  ናይቲ ጉባኤ ኣቡና ክታሞም ዘንበሩሉ ብናይቲ ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ናይ ያንጐን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ቻርለስ ቦ ወግዓዊ ኣብ ዝኾነ ናይ ሓባር መግለጺ ሓደራ ከም ዝበለ ኣፍሊጡ።

ተመዛበልቲ

ኣብ መንጐ ወተሃደራትን ዕጡቓት ሓይልታትን ምያንማር ግጭት ካብ ዚለዓል ኣትሒዙ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከም እተሰዱን ታይላንድ ኣብ ዝርከብ ብናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ላዕለዋይ ሽማግለ ዝመሓደር መእለዪ ስደተይናታት 91 ሺሕ ከም ዝርከቡን ገና ብዙሓት እውን ይስደዱ ከም ዝለዉን ነቶም ኣብ ታይላድ መእለዩ ስደተይናታት ዝርከቡ ዜጋታት ምያንማር መንግስቲ ታይላንድ ሓገዙ የቕርብ ከም ዘሎ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልት ሓልዮ ላዕለዋይ ሽማግለ ወሃቢ ቃል ከም ዘፍለጡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

21 January 2022, 17:22