ድለ

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዓመጻ ዘይቅቡል እዩ ምእንቲ እዚ ባህላዊ ለውጢ የድሊ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዓመጻ ዘይቅቡል እዩ ምእንቲ እዚ ባህላዊ ለውጢ የድሊ 

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዓመጻ ዘይቅቡል እዩ ምእንቲ እዚ ባህላዊ ለውጢ የድሊ

ሓድሓደ ግዜ ነቶም ዝደኸሙ መጻምድቲ ወይ ነኣሽቱ ቘልዑ ካብቲ ብሰንኪ ትዕቢትን ዓመጻን ውርደትን ምዝመዛን ዘይምግዳስን ዘስዕቦ ዝኸበደ በሰላ ንምእላይ ብስነ ምግባር እውን ከይተረፈ ክፈላለዩ ምግባር ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ

እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣስንትዮ ዝወርድ ዓመጻ ምጥፋእ ብዝብል ዕላማ ምኽንያት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 25 ሕዳር ኣህጒራዊ መዓልቲ ጸረ ዓመጻ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝዝከረሉ ዕለት ኮይኑ ኣብዚ ዕላማ እዚ ዘተኮሩ ዝተፈላለዩ ንጥፋታት ክነቓቕሕ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ 1999 ዓ.ም. ዝደንገጐ ውሳኔ ኮይኑ እነሆ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዓመጻ ኵሉ ከቃልበሉን ኣብ ምውጋዱ ክነጥፍን ጻውዒት ዝቐርበሉ ዕለት ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዓመጻ፥ ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ እዚ ኸኣ ኣብ ስድራ ቤት ውሽጢ ድዩ ወጻኢ እውን ብዙሕ ዘጋጥምን ናይዚ ዓመጻ እዚ ግዳያት ዝኾና ቍጽሪ እውን ክብ እናበለ ይኸይድ ምህላዉ ዝተፈለየ ዓለም ሓቆፍ ጸብጻባት ዘመላኽቶ ሓቂ እዩ። እዚ ብዙሕ እዋን ኣብ ውሽጢ እቲ ዕቑባ ክኸውን ኣብ ዝግብኦ ስድራ ቤት ዝፍጸም ዓመጻ ብምዃኑ እዚዩ ዘተሓሳስብን እተን ኣደዳ ዝኾና ደቂ ንስትዮ ብዝሐን ብትኽኽል ምቕራብ ከምዘይከኣል እውን ናይ ኢጣሊያ ናይ ማዕርነት ዕድላት ሚኒስትሪ ጸብጻብ ክሕብር እንከሎ፡ ኣብ 2020 ዓ.ም. 1522 ደቂ ኣስንትዮ ናይ ርድኡና ጻውዒት ከምዘቕረባ ዜና ቫቲካን ሓይሊ ጸጥታ ኢጣሊያ ዘቕረቦ ጸብጻብ ጠቒሱ የመላኽት።

ካብ መጀመርታ 2021 ዓ.ም. ክሳብ ሕጂ 103 ደቂ ኣንስትዮ ተቐቲለን

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጻ ዝተፈላለየ መልክዕ ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፥ ብመሰረት እቲ ናይ ኢጣሊያ ናይ ገበን መርማሪ ሓይሊ ጸጥታ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣብ 2020 ዓ.ም. 49 ደቂ ኣስንትዮ ካብ 100.000 ግዳያት ዓመጻ ከምዝኾናን 1522 ድማ ናብቲ ፍሉይ ናይ ተለፎን ቝጽር ደዊለን ርድኡና ከምዝበላን ኣብ 2019 ዓ.ም. ድማ ጥርዓን ዘቕረባ 27 ጥራሕ ከም ዝነበራ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ካብ መጀመርታ እዛ ዓመት እዚኣን ክሳዕ ዕለት 15 ነሓሰ 69 ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዚኣተን እተን 60 ኣብ ስድራ ቤት ወይ ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ቤታዊ ኣብ ዘብል ኵነታት ዝተቐትላ ከምዝኾናን ካልኦት 43 እውን ብፈታውኤን ብጻየን ወይ ብናይ ቀደም ብጻየን ኣማኒኤን ዝተቐትላ እየን፥ ዕለት 14 ሕዳር ናይ ኢጣሊያ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ቤት ጽሕፈት ዝሃቦ ጸብጻብ፥ ክሳብ ኣብ ምወዳእታ መስከረም እቲ ቝጽሪ ናብ 103 ከም ዝበጽሐ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 25 ሕዳር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ውሳኔ መሰረት ተዘኪሩ ዝውዕል ኣህጉራዊ መዓልቲ ጸረ ዓመጻ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያት ኣብ መላእ ዓለም እዚ ዓመጻ እዚ ንምፍጥፋ መጠንቀቕታ ዝህብ ሕብረተሰብ ዝሃንጽ ባህላዊ ተበግሶታት ከም ዝቐርብን። ብዜና ማዕከናት ብስነ ጥበን ትያትርን መደባት እውን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘተኮረ ሓበሬታ ድዩ መግለጽታት ይቐርብ። ዕለት 25 ሕዳር ዝተሓርየሉ ምኽንያት ኣብ 1960 ዓ.ም. ኣብ ረፓብሊካዊት ዶመኒካን ዝነበሩ ውልቀ መላኺ ራፋኤል ለኦኒዳስ ትሩኺዮ ኣብ ልዕሊ ነቲ ዝነበረ ስርዓት ዝቃወማ ዝነበራ  ፓትሪያን ሚነርቫን ማሪያ ተረዛ ሚራባል ዝተባህላ ሰለስተ ኣሕዋት ዝተቐተላሉ ዝኽሪ ብምግባር ክኸውን እንከሎ። ኣብቲ እዋን እቲ መቕተልቲ እተን ሰለስተ ኣሕዋት ብኣህጉራዊ ደረጃ ሕልና ዘለዓዓለ ፍጻሜ ከምዝነበረ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፥ እታ ዕለት እቲኣ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጻ ቆላሕታ ክግበረሉን ኣብ ምውጋዱ እውን ኵሉ ክነጥፍ ዘነቓቐሐት ምዃና ይሕብር።

ናይ ፍቕሪ ሓሴት - ሓዋርያዊ ምዕዳን

መብዛሕቲኡ ግዜ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓመጻን ምዝመዛን ደቂ ኣንስትዮ ክዅንኑ ይስማዕ። እዚ ኸኣ ናይ ዓለም ሕልና ነቲ ናይ ማዕርነት መሰልን ክብርን ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ከይተረፈ ኣቃልቦ ኽገብረሉ ንምንቕቓሕ እዩ። ኣብታ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእታ ሃዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ ኣብቲ ዛዕባ ጽባቔ መውስቦ - ምስጢረ ተክሊል ዝሕብር  ምዕራፍ ሽዱሽተ ዓሚዩቕ ኣስተምህሮ ንረክብ።  ኣብ ፍቕዲ 241 “ኣብ ገሊኡ መዳያት ሓደ ሰብ ክብረቱን ሰናይ ደቁን ኣብ ግምት ንምእታው ነቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ዚደልዮ መጠኑ ዝሓለፈ ነገራት ነቲ ዓቢይ ምጒዳል ፍትሒ ዓመጽ ወይ ነቲ ምጒዳል ክብሪ ጽኑዕ ደረት ኪገብረሉ ኣለዎ። ኣብ ገለ ገለ እዋን ምፍልላይ ግድን ክኸውን ምዃኑ ክንግንዘብ ኣሎና፥ ሓድሓደ ግዜ ነቶም ዝደኸሙ መጻምድቲ ወይ ነኣሽቱ ቘልዑ ካብቲ ብሰንኪ ትዕቢትን ዓመጻን ውርደትን ምዝመዛን ዘይምግዳስን ዘስዕቦ ዝኸበደ በሰላ ንምእላይ ብስነ ምግባር እውን ከይተረፈ ክፈላለዩ ምግባር ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ” ስለዚ ነዚ ከምዚ ዓይነት ጒዳይ ግምት ብምሃብ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነት እዚ ምፍልላይ እንኰ ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል እዩ።

26 November 2021, 09:11