ድለ

ህዝቢ ሱዳን በርገሳዊ መንግስቲ ኺምለስ ጻውዒት የቕርብ ህዝቢ ሱዳን በርገሳዊ መንግስቲ ኺምለስ ጻውዒት የቕርብ 

ህዝቢ ሱዳን በርገሳዊ መንግስቲ ኺምለስ ጻውዒት የቕርብ

መራሔ መንግስቲ ሱዳን ዓብዳላ ሃምዶክ ናብ ስልጣኖም ንምምላስ ዝብል ናይ ስምምዕ ሰነድ ብምፍራም ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ውጥረት ዝግ ንምባል ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን

ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 26 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ መላእ ከተማታት ሱዳን ወተሃደራዊ መንግስቲ ኣብቂዑ በርገሳዊ መንግስቲ ክምለስ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዱ ክሕበር እንከሎ እቲ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ስርዓት ዝቃወም ህዝቢ ሰማዒ ክረክብን ፈጺሙ ንወተሃደራዊ ስርዓተ መንግስቲ ክቕበል ከምዘይኮነን ብዓውታ ዘስምዓሉ ኵነት እውን ምንባር ይሕበር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ናይ ሱዳን ወተሃደራዊ ሓይሊ ጠቕላሊ ኣዛዚ ጀነራል ኣቡድል ፋታህ ኣል ቡርሓን እቶም ዕለት 25 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ብግብረ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኖም ዝተኣልዩን ምቑሕ ቤት ክኾኑ ዝገበርዎም መራሔ መንግስቲ ሱዳን ዓብዳላ ሃምዶክ ናብ ስልጣኖም ንምምላስ ዝብል ናይ ስምምዕ ሰነድ ብምፍራም ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ውጥረት ዝግ ንምባል ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ድምጾም ንኸስምዑ ኣብ ዘካየድዎን ኣብ መላእ ሃገር ዝተቓልሔን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ እናተበራትዒ አይኸይድ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

እቶም ተቓወምቲ ጸረ ወተሃደራዊ ስርዓት ጭርሖታት የስምዑ ከምዝነበሩን ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን እተፈረመ ውዕል ከይተረፈ ከምዝነቐፉዎን ሓይሊ ጸጥታ ነቶም ተቓወምቲ ንምብታን ዘንብዕ ጋዚ ምጥቃሙ ካብ ሱዳን ዝወጹ ጸብጻባት ይሕብር። ጀነራል ኣል ቡርሓን ዕለት 25 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ንስርዓት ሓምዶክ ብዕልዋ መንግስቲ ኣልዮም ንመራሔ መንግስቲ ሃምዶክ ቅዩድ ኣብ ቤት ከምዝገበርዎምን እዚ ፍጻሜ እዚ እውን ንዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዘቖጠዔን በዚ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝቐርብን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዝለዓዓል ብዘሎ ሕዝባዊ ናዕቢ ዘጓንፎም ዘሎ ጃምላዊ ተቓውሞ ምኽንያት ዝሓለፈ ሰንበት መራሔ መንግስቲ ቡርሓን ናብ ስልጣኖም ንኽምለሱ ዝብል ውዕሊ ከም ዝፈረሙ ክንገር እንከሎ ብዙሓት ተኣሲሮም ዝነበሩ በርገሳውያን መራሕቲ ናጻ ከም እተለቑን ይዅን እምበር እቶም ቀንዲ መራሕቲ ዝበሃሉ ገና ኣብ ቤት ማሕቡስ ከምዘለዉ እዩ ዝንገር።

29 November 2021, 09:25