ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ቅነ ኣብ ቨሮና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ቅነ ኣብ ቨሮና 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ቅነ ኣብ ቨሮና

ነቲ ለብዒ ንድሕርቲ ሓዲግና ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘሕለፍናዮ ተመክሮ ረሲዕና ህይወትና ከነሕውይ ምጉያይ ዘይኮነስ፡ ብቐዳምነት ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎና ግደን ኣርኣእያን ለውጢ ከም ዘድልዮ ምስትብሃል የድሊ፥ እዚ ኸኣ ትብዓትን መሃዝነትን ይሓትት

ዝቕጽል ሓሙስ ዕለት 25 ሕዳር ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቨሮና ዝብገስ መበል 11 ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ምርኢት በቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘመሓላልፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ከምዝኽፈትን እቲ ናይ ለምዘበም መደብ እውን “ብተስፋ ብርቱዓት ብትብዓት መሃዝቲ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ኰይኑ ዕለት 28 ሕዳር ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ናይታ ከተማ ካተድራል ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዛዘም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ናይ ቨሮና ከተማ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ዘኣራዚ ዕለት 18 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብታ ከተማ ዝካየድ መበል 11 ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ቅን ምርኢት መሰረት ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ እዚ ቨሮና ኣብ ዝርከብ ፓላኤክስፖ ዝካየድ ምርኢት ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብረተሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ መደብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘመሓላልፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዕለት 24 ሕዳር ዝብገስ ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቀዳምነት ሓባራዊ ጥቕሚ

እዚ መበል 11 ሕታም እዚ ብማሕበር ሓደስቲ ምልክታት ዝተዳለወን ናይ ንግድን ቍጠባን ማሕበራውን ሳዕቤናት ናይቲ ህጹጽ ኵነታት ጥዕና ዝምርምር ምዃኑ ናይቲ ማሕበር ኣቦ መንበር ሉቺኖ ፋሶሊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ “ኵላትና መንግስቲ ብዝኣትዎ ዘሎ መብጽዓታት መሰረት እቲ ክወሃብ ዝበሃል ዘሎ ገንዘብ እናማዕደና ብውዕዉዕ ስምዒትን ኣረኣእያን እንምልከቶ ዘሎና ጒዳይ ነቲ መሰረታዊ ነግራት ንርእስዕ ከይንኸውን የስግእ” ስለዚህ እቲ ኣድላዪ ነገር ነቲ ሓባራዊ ሰናይ ብቐዳምነት ኣብ ማሕበራዊ ሕልና ክሰርጽ ምዕያይ እዩ” ኢሎም።

ትብዓትን መሃዝነትን

ነቲ ለብዒ ንድሕርቲ ሓዲግና ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘሕለፍናዮ ተመክሮ ረሲዕና ህይወትና ከነሕውይ ምጉያይ ዘይኮነስ፡ ብቐዳምነት ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎና ግደን ኣርኣእያን ለውጢ ከም ዘድልዮ ምስትብሃል የድሊ፥ እዚ ኸኣ ትብዓትን መሃዝነትን ይሓትት። ስለዚ “ኣብዚ ህሞት እዚ ተስፋ ኣዚዩ ወሳኒ ግደ ኣለዎ” ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉን መግለጺ ካብ ዝሃቡን ሓደ ናይ ሰበኻ ቨሮና ተራዳኢ ሊቀ ጳጳስ ናይቲ ሰበኻ ናይ ባህሊ ጒዳይ ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብጹዕ ኣቡነ ማርቲኖ ሲኞረቶ ከምዝዀኑን “ተስፋ ብሓጺሩ ዕምቈት ዘይብሉ እወታዊ ኣረኣእያ ወይ ትውክልቲ ማለት ስለ ዘይኮነ፡ ትብዓትን መሃዝነትን ይሓትት” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንግድን ሓባራዊ ጥቕምን

ሓደ ካብቲ ኣብነታት ናይቲ ናይ ቅነ ምርኢት እቲ ብሓገዝ ካቶሊክ ትካል መድሕን ብዘቕርቦ ሓገዝ ዝቖመ “ሰብ ትካላት ንናይ ሓባር ጥቕሚ” ማሕበር፥ ዕለት 26 ሕዳር ሽልማት ክወሃቦ እዩ፡ እዚ ኸኣ ዓቢይ ይዅን ንእሽቶ ትካል መጋበርያ ሓባራዊ ጥቕሚ ክኸውን ንዝረእይዎ ምንቅስቓስን ዘለዎ ግደን ኣፍልጦ ዝህብ ስልማት ምዃኑ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ናይ ካቶሊክ ትካል መድሕን ማሕበር ዋና ሓላፊ ኣድሪያኖ ቶምባ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይገልጹ።

ስለዚ ሓሳባት ኣርኣእያታት ከምኡ እውን ንምዕሟቕን ንምስዓብን ዘኽእል መገዲ ብምሃብ ጭቡጥ ኣቀራርባን ምዕዳወን ዘመላኽት ቅነ እዩ። እዚ ዕለት 28 ሕዳር ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዛዘም ቅነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ጓልቲየሪ ባሰቲን ናይ ሲየና ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ፓዎሎ ሎጁዲቸን ናይ ማሕበራዊ ስነ ምልጠት  ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣቦ መንበር ስተፋኖ ዛማኚን ናይ ሕጻናት ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ኣደ መንበር ማሪየላ ኤኖክን ኣቨኒረ ናይ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ማርኮ ታርኵይኒዮን ናይ ገለ ገለ ከተማታት ኢጣሊያ ከንቲባታት ክሳተፉ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብዛዕባ ሕውነትን ኣብ ዓውዲ ቤት ትምህርትን ጥዕናን ንግድን ምምሕዳራትን ምይይጥ ዝግበረሉን ዕለት 28 ሕዳር ኣብ መዕጸዊ እቲ ቅነ ናይ ጠመቓዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ንጐሆ ሰዓት 11 ኮሪየረ ደላ ሴራ ናይ እተሰምየ ጋዜጣ ጋዜጠይና ሉቻኖ ፎንታና ንናይ ቅድስቲ መንበር ንብረት ኣመሓዳሪ ብጽዕ ኣቡነ ኑንዚዮ ጋላንቲኖም ብዘቕርበሎም ቃለ መሕትት ተጠናቒቒ ብጹዕ ካርዲናል ፓርሎን ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዛዘም ምዃኑ የመላኽት።

20 November 2021, 15:06