ድለ

ኤውሮጳን ራብዓይ ማዕበል ኮቪድ - 19ን ኤውሮጳን ራብዓይ ማዕበል ኮቪድ - 19ን 

ኤውሮጳን ራብዓይ ማዕበል ኮቪድ - 19ን

ኣብ ኦስትሪያ እቲ ዝርአይ ዘሎ ራብዓይ ማዕበል ኾሮና ተህዋስ ኣብ ግምት ብምእታው ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ካብሳ ሳልሳይ ማዕበል ዝነበረ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ኣዋጅ - ቀይድታት ከተመሓላልፍን ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ግዴታ ዝብል ውሳኔ ዘመሓላለፈት ኣብ ኤውሮጵ ቀዳመይቲ ሃገር

ቍጽሪ ብኾሮና ተህዋስ ዝልከፉ ክብ እናበለን ጸረ ኾሮና ተህዋስ ክትባት ዝነጽጉ ዜጋታት ዘካይድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ኣብ ጽዑቕ ጸረ ኮቪድ - 19 ሕክምና ዝርከቡ ዜጋታት ብዝሒ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ዝሕብር ጸብጻብ ይቐርብ ብምህላዉ ነዚ ሓድሽ ዝብገስ ዘሎ ራብዓይ ማዕበል ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ግምት ብምእታው ምቍጽጻሩ ዝሕግዝ ሓድሽ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ እዋጅ ኣድላዪ እዩ ዝብል ኣረኣእያ ካብ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መንግስታት ይቐርብ ከምዘሎ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ኾሮና ተህዋስ እዚ ኣብ ኤውርጳ እንደገና ክላባዕ ከምዝጀመረን እታ ኣብዚ ራብዓይ ማዕበል ኾሮና ተህዋስ ልዕሊ 30.643 ዝተለኸፉላን 62 ሰባት ዝሞቱላን ሃገረ ጀርመን ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ናይ ተወሸብ ውሳኔ ንምቕራብ ምይይጥ ተካይድ ከምዘላ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ኤውሮጳ፥ ኦስትሪያ

ኣብ ኦስትሪያ እቲ ዝርአይ ዘሎ ራብዓይ ማዕበል ኾሮና ተህዋስ ኣብ ግምት ብምእታው ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ካብሳ ሳልሳይ ማዕበል ዝነበረ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ኣዋጅ - ቀይድታት ከተመሓላልፍን ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ግዴታ ዝብል ውሳኔ ዘመሓላለፈት ኣብ ኤውሮጵ ቀዳመይቲ ሃገር ኮይና ከምዘላ ኣመላኺቱ፥ መንግስቲ ጀርመን እውን ዝሓስበሉ ዘሎ ስጒምቲ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ናይ ኢጣሊያ ሚኒስትሪ ጥዕና ጸብጻብ

ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢጣሊያ፥ ዕለት 22 ሕዳር 2021 ዓ.ም. 6.404 ሰባት ብኾሮና ተህዋስ ከምእተለኽፉን ዕለት 21 ሕዳር ከኣ 9,709 በጺሖም ከምዝነበሩን ኣብ ኣልቶ ኣዲጀ ካብ ዝሓለፈ ዕለት 20 ሕዳር ሓያሎ ምምሕዳራት “ናይ ቀይሕ ዞባ” ውሳኔ ከምዘመሓላለፉን ብዙሓት ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ኣብ ውሽጢ ወርሒ ጽዑቕ ሕክምና ዘድልዮም ብኾሮና ተህዋስ ዝልከፉ ብዝሒ ክብ ክብል ከምዝኽእል ዘለዎም ስግኣት ይገልጹ ከምዘለዉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይ ኢጣሊያ ሚንስትሪ ጥዕና እቲ ድሕሪ ካልኣይ ጸረ ኮቪድ - 19 ክወሃብ ዝነበሮ ሳልሳይ ዓቐን ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ሓደ ወርሒ ኣቐዲሙ ክወሃብ ዝብል ውሳኔ ከምዘመሓላለፈ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 November 2021, 08:43