ድለ

ኣብ ዓለም ግዳያት ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝዀና ዝሰምዕን ዝርእይን ዘይብለን ደቀንስትዮ ኣብ ዓለም ግዳያት ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝዀና ዝሰምዕን ዝርእይን ዘይብለን ደቀንስትዮ 

ኣብ ዓለም ግዳያት ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝዀና ዝሰምዕን ዝርእይን ዘይብለን ደቀንስትዮ

መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብተን ናይ ሞት መቕጻዕቲ እተዀነነለን ሃገራት ኣንስቲ ንገዛእ ርእሰን ክከላኸላ ብዙሕ ዝጽዕራ እያተን። ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ተሓላቒ ማሕበር ከምዘገለጾ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ጣሊባን ምስ ተመልሱ ነቲ ካብ 1996 ክሳዕ 2001 ዓ.ም. ዘጋጠመን ዝተፈላለየ ጥሕሰት መሰልን ክብርን ዘይርሳዕ እውን እንተዀነ ሎሚ ከጋጥመን ከምዝኽእል

ኣብ ዓለም ናይ መቕጻዕቲ ሞት ዝቕበላ ደቀንስትዮ ሒደት እዃ እንተ ዀና ዋላ እውን ዘይስማዕን ዘይርኣይን እውን እንተዀነ ከም ሓቂ ግና ኣሎ፣ ካብቶም ገበነይናታት 99 ሚእታዊ ደቂ ተባዕትዮ እኳ እንተኹነ እታ ናይ ለምዘበን ጸረ ናይ ሞት መቕጻዕቲ መዓልቲ ብፍልዩ ንደቀንስትዮ እተወፈየት እያ፡ ከመይሲ ቀተልቲ ቕድሚ ምዃነን ግዳያት ናይ ዘቤታውን ኣካላውን ጾታውን ዓመጽ እያኣተን። መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብተን ናይ ሞት መቕጻዕቲ እተዀነነለን ሃገራት ኣንስቲ ንገዛእ ርእሰን ክከላኸላ ብዙሕ ዝጽዕራ እያተን። ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ተሓላቒ ማሕበር ከምዘገለጾ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ጣሊባን ምስ ተመልሱ ነቲ ካብ 1996 ክሳዕ 2001 ዓ.ም. ዘጋጠመን ዝተፈላለየ ጥሕሰት መሰልን ክብርን ዘይርሳዕ እውን እንተዀነ ሎሚ ከጋጥመን ከምዝኽእል ብምስትውዓል ምእንቲ መሰልን ክብርን ደቀንትዮ ኣበርቲዕና ክንዓዪ ይግባእ ከምዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰራ ልዮን ናይ መት መቕጻዕቲ ናብ ምውጋድ ገጻ

ኣፍሪቃዊት ሃገረ ሰራ ሊዮን እቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ናብ ምውጋድ ዚመርሕ መገዲ በቢቑሩብ ትበጽሖ እኳ እንተሎ እዚ ምልክት እዚ ግን ቅድሚ ኽልተ ዓመት ርእሰ ብሔር እታ ሃገር ዩሊዩስ ማዳ ቢዮ ናይ መወዳእታ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከምዝፈረሙ ዝሕበር እዩ። “ብመሰረት እቲ ኣብ ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሓላቒ ማሕበር ከምዝሕብሮ፥ 144 ሃገራት ነቲ ብሕግታት ወይ ተግባራት ዚፍጸም ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከምዝሰረዛን ካብኣተን እተን 108 ሃገራት ንዅሉ ዓይነት ገበን ትግቡሩ ክኸውን የብሉን ዝብል ውሳነ ከምዝሃባሉን 28 ሃገራት ናይ ሞት መቕጻዕቲ ንምስራዝ ድላይ ዘለወን ከምዝኾናን 55 ሃገራት ቻይና ብቐዳምነት እተምርሐን ኢራንን ምስርን ዒራቕን ሱዕዲ ዓረብ ዝርከበአን ናይ መት መቕጻዕቲ ብብዝሒ ዝፍጸመለን ከምዝኾናን ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየነን 800 ደቀንስትዮ ከምዘለዋን ሸውዓተ ሃገራት ማለት ጋና ጃፓን ማልዲቭ ታይዋን ታይላንድ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዛምቢያ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝበየናን ከም ሓቂ ግን እተን ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየነን ደቀንስትዮ ቍጽረን ካብቲ ዝተወሃበ ጸብጻብ ንላዕሊ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ 2020 ዓ.ም. እውን ካብቶም ብመቕጻዕቲ ሞት ዝተቐትሉ 483 ሰባት 16 ደቀንስትዮ ክኾና እንከለዋ፡ ኣብ ምስሪ ኢራን ኦማን ከምኡ እውን ስዑዲ ዓረብ ዝነብራ ምዃኑ ነቲ ጸብጻብ ዝተቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣብ ሕ.መ. ኣመሪካ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ 2020 ዓ.ም. ብናይ ሞት መቕጻዕቲ ፍርዲ 10 ሰባት ከም እተቐትሉን፡ ሕጂ ግን እዞም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን ከም ብሓድሽ ነቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክቋረጽ ዝብል ድላይ ከምዘነቓቕሕዎን ይዅን እምበር ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ቅዱስ ኣቦና እውን ምሕረት ክግበረሎም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ክሪስቶፈ ፒየር ኣቢሎም ጻዕዊት ኣቕሪቦም እውን እንተነብረ እቶም ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንዎም ዝነበሩ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ኣለዎም ተባሂሉ ዝንገረሎም ሚዙሪ~ ኤርንስት ጆንሶን ከምእተቐትሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ፍራንቸስኮ፥ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ብፍጹም ተቐባልነት የብሉን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ናይ መላእ ዓለም ሃገራት መራሕቲ ናይ ሞት ፍርዲ ምሉእ ብምሉእ ንምውጋድ ኣድላዪ ስጒምትታት ክወስዱ” ከምኡ እውን “ዋላ ሓደ ሰብ ክቕተልን ነቲ ዝቘሰለን እተሳቐየን ማሕበረሰብ እንደገና ናይ ምቕባል ኣጋጣሚ ክኽልክል ስለ ዝኽእል፡ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ተቐባልነት የብሉን” ብምባል ገሊጾም “ነቲ ገበነይና እውን ከይተረፈ ናይ ንስሓ ኣጋጣሚ ክወሃቦ” ወትሩ ከምዝምሕጸኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

12 October 2021, 16:01