ድለ

ዋልደንሳዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ኣብ ፍልልያት ዘሎ ሃብቲ ዋልደንሳዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ኣብ ፍልልያት ዘሎ ሃብቲ 

ዋልደንሳዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ኣብ ፍልልያት ዘሎ ሃብቲ

ነቶም ንጉዕዞ ሓድነት ብዙሕ ዘየቃልብሉን ዘይኣምኑሉንን ከይተረፈ ቀረባ ብምዃን ዝካየድ እዩ። . . . ናብ ሓድነት ዝግበር ጒዕዞ ንእምነት ካልኦት ዓሚቝ ኣኽብርቶ ዚሓትት እዩ

ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዝሓልይ ማሕበር ዓለማውያን ምእመናን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣደ መንበር ኮይነን ንፈለማ ግዜ ዝተሓርያ ዘይካቶሊካዊት ኣባል ቤተ ክርስቲያን ዋልደስ ኤሪካ ስፍረዳ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ምስ እተሰምየ ዕለጋዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ፍልልያት ዘሎ ሃብቲ ምልላይ ናብ ሓድነት ዘሰንይ ኣገዳሲ ጐደና እዩ ይብላ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሓደ ንሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ዘይጓዓዝ ሰብ ክርስቲያን ኪክወን ኣይክእልን” እዚ ኸኣ ናይ ኢየሱስ ትምህርቲ እዩ። ስለዚ ነቲ ሓደ ጐይታ ዝኾነ ብሓባር ኣብ ምድላይ እናቐረብና ክንከይድ ይግብእ” ነዚ ዝበላ እተን ናይቲ ብዓለማውያን ምእመናን ዝቖመ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ንሓድነት ዝሓልይ ሽማግለ ኣደ መንበር ንኽኾና ዝተሓርያ ናይ ፈለማ ዘይካቶሊካዊት ኣባል ቫልደዛዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቤት ምኽሪ ከተማ ቶሪኖ ናይ ክፍሊ ቍጠባ ዝከተል ቤት ጽሕፈት ሰራሕተይና ኤሪካ ፍረዳ ይሕብራ።

እቲ ብዓለማውያን ምእመናን ዝቖመ ዝተፈላለያ ንሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ዝዓዪ ማሕበር ነቲ ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ብኸመይ እዩ ዝገጥሞ? ቅድም ቀዳድም ንዅለን ዝተፈላያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብዝውክል ደረጃ ውስጠ ኑዛዜ እምነታት ምንቕቓሕ የድሊ፥ እቲ ናተን ምምራጽ እውን ናይዚ ጉዕዞ እዚ ውጽኢት እዩ። ኣብታ ካቶሊካውያን ዝበዝሑላ ሃገር እውን ከይተረፈ ኣብ መንጐ ናይ ኦርቶዶክስን ሮማዊት ካቶሊካዊትን ፕሮተስታትን ዓለም ዘሎ ደረጃ ምክብባርን ንማዕርነትን ነቲ ዝድለ ንሓድነት ዝኣመተ ናይ ሓባር ዘተ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚህ ነቲ ናብ ሓድነት ዝግበር ጒዕዞ በዚ መንፈስ እዚ እዩ ዘሳልጦ ይብላ።

ኵሉ ሰብ ዝምልከት ጉዕዞ ሓድነት ማለት እዩ፥ ንዅሉ ዝምልከት እዩ። ነቶም ንጉዕዞ ሓድነት ብዙሕ ዘየቃልብሉን  ዘይኣምኑሉንን ከይተረፈ ቀረባ ብምዃን ዝካየድ እዩ። . . . ናብ ሓድነት ዝግበር ጒዕዞ ንእምነት ካልኦት ዓሚቝ ኣኽብርቶ ዚሓትት እዩ።  . . . ካብዚ ሓሊፉ እውን ነቲ ፍልልያት ምፍላጥ። ገዛእ ርእስኻ ካብ ምፍላጥ ዝተበገሰ ሌላ ኣገዳሲ እዩ። ኣብቲ ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ነቲ ፍልልያት ምዕማቝ ዝብል እዩ። በዚ መሰረት ጥራሕ እዩ ኣብ ጐደና ሓድነት ብሓባር ንምጒዓዝ ዝከኣል። ኣነ ካብ ኣቦ መጠዶሳውን ካብ ቫልደዛዊት ቤተ ክስቲያን ኣባል መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ኣደ እተወለድኵ እየ፡ ኣብ ዞባ ፓሶ ደላ መንዶላ ነተን ናይዚ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ዝሓቍፍ ንዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ማሕበር መስራቲት ማሪያ ቪጃኒ ብቐረባ ክፈልጠን እውን ዕድል ረኺበ እየ። እቲ ንሰን ዘመሓላልፍኦ ዛዕባ ናብ ሓድነት ዝግበር ጒዕዞ ዘማእከለ ትምህርተን ፍልልያት ሃብቲ እዩ ዝብል ቅዉም ነገር ዘማእከለ ምዃኑ የዘኻኽራ።

እቲ ካልኣይ ሸቶ? እቲ ብዓለማውያን ምእመናን ዝቖመ ንሕድነት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝዓዪ ማሕበር “ጨውን መባዅዕትን ምድሪ” ኮይኑ ክቕጽል እዩ ዝደሊ። እቲ ምስ ዕቝባ ፍጥረት እተተሓሕዘን ስንኵፍ ጉዳይ ዝኾነ ውስጠ ሱታፊኣውነትን ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ፥ እዞም ጒዳያት እዚኣቶም ናይቲ ማሕበር ናይ ዝቕጽል ዕዮ መርሓ ግብሪ እያቶም። ንብዙሓት ኣመንቲ ስቓይ ዘምጽእ ሕቶ ዘይምቱኽታኽ መንፈሳውን ጸሎታውን ሱታፌ መሰረታዊ እዩ። “ሓድነት ኣብ ፍልልያት” ዝደልዩ ውስጠ - ሱታፌ ዝደልዩ ብዙሓት ከምዘለዉ ክንዝንግዕ የብልናን። ነዚ ዅሉ ዓቢይ ግምት ምሃብ የድሊ። ኣብ ጐድኒ እዚ ሸቶታት እዚ ነቲ ብመርበብ ዚግበር ፍጻመታትን ኣብ ካልእ ንጥፈታትን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዚወርድ ዓመጻ ወትሩ ኣቓልቦ ክንገብረሉ ኢና። ኣብ መወዳእታ ከምቲ ናይዚ ማሕበር መስራቲት ዝሃበኦ ለበዋ ምስ ካልኦት ሃይማኖት ምዝታይ ኣገዳስን ወሳንን እዩ። ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ንእነካይዶ ናይ ሓባር ዘተ መሰረት እቲ ጐይታ “ንሓድሕድኵም ብዘይ ቅድመ ኵነት ተፋቐሩ” እንክብል ዘቕረበልና ትምህርቲ እዩ ይብላ።

መንእሰያት ኣብዚ መስርሕ እዚ እንታይ ግደ እዩ ዘለዎም? መንእሰያት ብብዙሕ እምነት ስለ ዘይተበከሉን ናይ ብዙሕ ርእየት ጸቕጢ እውን ስለ ዘይብሎም ካብቲ ዘለዎም ዓቢይ እምንቶ ዓቢይ ናይ ምሕሳብ ናጽነት ስለ ዘለዎም እያቶም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ካማልዶሊ እተኻየደ ናይ መወዳእታ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ንሓድነት ዝዓዪ ማሕበር ዓውደ ርክብ ህልው ከምቲ ኩነታት  ለብዒ ኮቪድ - 19 ዝፈጠሮ ምፍንታትን ተወሸብን ሓድሽ ዓይነት ኣነባብራ ምስ ዝኽሰት ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕል ናይ ርሕቐት ትምህርትን ዘሎ ቅልውላው ስራሕን ስእነት ስራሕን ብዝገደደ ተኣፋፊ ይገብርን ኣብ መንጻኢ ፍርሂ ክህልወካ ዝገብሩ ጉዳያት ብዕምቆት ዳህሲሱ እዩ። እዚ ኸኣ ንመንእሰያትን ንዓበይቲን ሓባራዊ ዕቤት ንኺረኽቡ ዓብዪ ኣጋጣሚ ስለ ዝዀነ ነቐፌታኦምን መነባብሮኦም ህንጥዩነቶምን ዕሽሽ ክንልብሎ ኣይንኽእልን። እወ ኣብ መንጐ እተፈላለየ ዕድመ ዘለዎዉ ሰባት ዘለዎም ጠለባት ዝተፈላለየ ብምዃኑ ምሳታቶም ናይቲ እተካይዶ ርክብ መትከል ከም ዘሎ ኰይኑ ኣገባባትና ብምልዋጥ ዘላቒ ዝኾነ ነገር ክንሃንጽ ይግባእ፥ እዚ እቲ ማሕበር ዝኽተሎ መስርሕ እውን እዩ እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ይዛዝማ።

20 October 2021, 09:13