ድለ

76 ዓመት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካቻ፥ ብዙሕ ዘሰንብድ ኵነታት ዘርሓቐ! 76 ዓመት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካቻ፥ ብዙሕ ዘሰንብድ ኵነታት ዘርሓቐ! 

76 ዓመት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካቻ፥ ብዙሕ ዘሰንብድ ኵነታት ዘርሓቐ!

ሕጽረት ሓሳባት ድዩ ርእዮቶታት ዘሎ ኣይመስለንን ናብ ግብሪ ንምትርጓሙ ምስትንታን ምስትውዓል ቆራጽ ስርዓታዊ ውሳኔታት የድሊ። እዚ መስርሕ እዚ ግዜን ኣበርክቶ ኵሎም ኣባላት ዝሓትት እዩ።

ዕለት 24 ጥቅምቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ውብድ ሕቡራት ሃገራት ምኽንያት ኣብቲ ኣብ 1945 ዓ.ም. ኣብ ኒው ዮርክ ዝቖመ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ካቻ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ምስ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እዚ መዓልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ውድብ ካብ ዝቐውም መበል 76 ዓመት ኣብ ዘቝጸርሉ ዕለት ዝወዓለ ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ “ብዙሓት መዓተይናን ኵነታት ዘርሓቐ” እንክብሉ ይገልጽዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ 193 ሃገራት ዘጠቓልል ዕለት 24 ጥቅምቲ 1945 ዓ.ም. ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ኣቢሉ ኣብ ዓለም ሰላምን ሓባራዊ ደሕንነት ንምዕቃብ እተመስረተ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ካብ ዝቐውም 76 ዓመት ከምዘቕጸረን ኣብ መንጐ ሃገራት ሰላምን ምሕዝነትን ንምምዕባል ኣህጉራዊ ጸገማ ኣብ ምፍታሕ ንምትሕብባር ከምኡ እውን ንሰብኣዊ መሰላት ኣኽብሮ ንምድንፋዕ ዝብል ዕላማ ዘማእከለን ምእንቲ እዚ ዕላማ እዚ እውን ዝተፈላለዩ ተበግስቶታት ዘነቓቕሕ እዩ። ሓደስቲ ቅልውላው ንምብዳህ ሓደስቲ ኣገባባት ዘቕርብ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ዓሌትውን ሃይማኖታውን ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዕቡን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከቢድ ኣሉታዊ ጽልዋ ዘስዕብን ንምብዳህ እንነብረሉ ዓለም ዝያዳ ደሞክራሲያዊ ክኸውን ብዝተፈላለዩ ብዝሓቕፎም ውድባትን ማሕበራትን ኣቢሉ ዝዓዪ እዩ።

ኣብ ዝኽሪ መበል 76 ዓመት ቅዋሜ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ውድብ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋብሬለ ጆርዳኖ ካቻ ምስ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘኣክየድዎ ቃለ መሕትት፥

ኣብ ዓዓመት እቲ ዝኽሪ ነቲ ኣብ 1945 ዓ.ም. ዝቖመ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ታሪኻዊ ስፍሓት ዝዝክር እኳ እንተዀነ ኣብዚ 76 ዓመት ኣብ ዘቕጽረሉ ዕለት ዝወዓለ ዝኽሪ ቅዋሜኡ እቲ ዘቖሞ ዕላማ ክሳብ ክንዳይ እዩ ኪብጻሕ ተኻኢሉ? መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብቲ ዓመጽን ሁከትን ውግእን ኣብ ዘለሉ ዞባ ሰላም ንምዕቃብ ዝለኣኽ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግሳታት ዓለም ዓቃቢ ሰላም ኣብ መጻኢ ተስፋ ንምምላስ ሓጊዞም እዮም። ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ግብረ ሰናይ እሳሊጡን የሳልጥ እውን ኣሎ። ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም እውን ኣዕኑድ ውሳኔ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኵለን ሃገራት ምስ ሃገራዊ ቅዋማተን ዘጣመረ ብምዃኑ ተበጻሕነቱ በዚ ከተንብቦ ይከኣል።

መብዛሕቲኡ ግዜ እቲ ሓቂ ምስ ትጽቢታት ኣይሰማማዕን እዩ። ብዛዕባ ሃገራዊ ጥቕምና ዘሎና ጸቢብ ኣረኣእያ ምስቲ ዕርቅን ሕድገታትን ምግባር ዝሓትት ስምምዓት ዘይሰማማዕ ይኸውን ተልእዀ ቅድስቲ መንበር ነዚ ጒዳይ እዚ ብኸመይ ክጸልዎ ይኽእል ትብሉ? ቅድስቲመንበር ብካቶሊካዊ ማለት ብምኽንያት እቲ ኣድማሳዊ ኣሰራርሓኣ ነቲ “ሓባራዊ ሰናይ” ኣብቲ ንብምሉኡ ደቅሰብ ዘጠቓልል ምርጫታት ክዕወት እያ እትዓዪ።

ሰብኡትን ኣስንትን ቈልዑን ብሰንኪ ጥሜትን ሕማምን ክሞቱን ካልኦት ከኣ ናጻ ናይ ምዃን ሰብኣዊ መሰሎም ስለ ዝገሃስ ዓዶም ሓዲጐም ክስደዱ ይግደዱ። እቱ ውድብ ጳውሎስ ሽድሻይ “ንሓደ ስልጡን ዓለምን ዓለም ሓቆፍ ሰላምን” ውሑስ ንምግባር እንታይ ዝጐድሎ ይመስለኵም? ነዛ ሕቶ እዚኣ ልዕሊ ኵሉ ዝምልሶ፥ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንነፍሲ ውልቀ ሰብ ጥይራይ ዘይኮነስ ንዅሉ እቲ ሓባራዊ ክውንነት እውን ብዛዕባ መሰረታዊ ኣረኣእያ ሰብኣዊ ሕውነትን ማሕበራዊ ምሕዝነትን ክውስን ዝሓኣትት ዝደረስዎ ዓዋዲመልእኽቲ ይመስለኒ።

ኣሰራርሓ ቤት ምኽሪ ላዕለዋይ ጸጥታ ድሕሪ እቲ ውግእ ዝነበረ ሚዛን ዜንጸባርቕ ድዩ? ንሓያሎ ዓመታት ብዛዕባ ተሓድሶ ምምሕዳር ክዝረብ ጸኒሑ እዩ፡ ሕጂ ኣበይ ኢና ዘሎና? ዋዕላ ጸጥታ ኣብ ምስረታኡ ንሓቅነት እቶም ኣብቲ ውግእ እተዓወቱ ዘንጸባርቕ እኳ እንተ ነበረ እተን ክፍሊ እቲ ውግእ ዝነበራ ሃገራት 90 ሚእታዊ ነቲ ኣብ ዓለም ዝነበረ ኣጽዋር ውግእ ዝውንና ስለ ዝነበረ ሰላም ንምዕቓብ ዓቕሚ ከም ዘለወን ዘርኢ እዩ ነይሩ። እቲ ዳግመ ውዳበ ዚግበረሉ መስርሕ ኣብ ቀረባ እዋን እዩ ዝተበገሰ  ስለዚህ ኣብ ዘዕግብ ደረጃ በጺሑ እዩ ዝበሃል ኣይኰነን ንሕዳሴ እቲ ውድብ ዝድርኽ ብዝሕ ሕቶን ርእይቶን እውን ይቐርብ እንተሃለወ ገና ብዙሕ መገዲ ዝሓትት ይመስለኒ።

ብፍላይ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ናይ ሓባር ተገዳስነት ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሃገራዊ ዛዕባታት ተዓዊቱ ኢዩ እዚ ኸኣ ምግምማዕ ከም ዝህሉ ዝገበር እዩ። እዚ ነቲ ዓለም ለኻዊ ወፍሪ ኣብ ምትሕብባር ክህልዎ ዝግብኦ ምዕባለ ዘዛሕትል እዩ። ነዚ ኵነት እዚ ብኸመይ እዩ ምስጋር ዝከኣል? እቲ ዘሕዝን ግና ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብዜደንቕ ሓድሽ መገድን ብዓለም ለኻዊ ደረጃን ዓለም ለኻዊ ብድሆታት ብኸመይ ብውጽኢታዊ መገዲ ኪፍታሕ ከም ዚኽእል ንኽንርዳእ ዝገበረና ለብዒ ዓብዪ ትምህርቲ ዘቕረበልና ይመስለኒ። እዚ ኸኣ ነቲ ሎሚ ዝያዳ ተኣፋፍቲ ዝዀናሉ ኣካባያዊ ጉዳያት እውን ዝምልከት እዩ። እዚ ኸኣ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቶም “ኣብ ኵሉ ደረጃታት ናይ ኵሉ ህርኵት ጻዕሪ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዝሓትቶ እዩ።

እዚ ለብዒ እዚ  ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓድሽ ኣቀራርባ ከም ዚህልዎ ዝገበረ ብድሆ እዩ ነይሩ እዚ ድማ ኣብ ዛዕባኡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣርእስቲ ከም ዚውሰኽ ገይሩ ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክንደይ ዚኣክልን ብኸመይን እዩ እንደገና ኪምህዝ ዝኸኣለ? ሕጽረት ሓሳባት ድዩ ርእዮቶታት ዘሎ ኣይመስለንን ናብ ግብሪ ንምትርጓሙ ምስትንታን ምስትውዓል ቆራጽ ስርዓታዊ ውሳኔታት የድሊ። እዚ መስርሕ እዚ ግዜን ኣበርክቶ ንኵሎም ኣባላት ዝሓትት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ተዋጽኦ ምስ ካልኦት ኣሰማሚዕካ ጒዕዞ ንምግባር ድልው ክሳብ ዝኰነ እውን ብዙሕ ክብጻሕ እዩ። እንተዀነ ግን ብዘይ ናይ ሓቂ ተሳትፎን ኣበርክቶን ካብ ላዕሊ ከም ዝናም ክዘንም ዝኽእል መፍትሒ የሎን።

ንቕልውላው ናይ ከባቢ ኣየር እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኮነን . . . ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ሳላ እቲ ብሓቂ ነባሪ ዝዀነን ንህይወት እቶም ሓደስቲ ወለዶታት ውሕስነት ዚህብን ምዕባለ ብዝያዳ ዘላቒ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ዝሰርጽ ዘሎ ኣመለኻኽታ ምኽንያት እቲ ኣብ ግላስጐ ዚግበር መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ዝመክር ብኣባላት ሃገራት ኰነ ብህዝቢ ብዙሕ ትጽብታት እዩ ተነቢሩሉ ዘሎ።

ኣብ መንጐ ዅሎም ህዝብታት ዘሎ ሰላምን ምትሕብባርን ክብሪ ሰብኣዊ መሰላት ምሕላው ኣህጉራዊ ፍትሒ . . . እዚ ዕማምን ሸቶታትን እዚ ሳላ እቲ ኣብ ህይወት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ተልእኾ ቅድስቲ መንበር ተሳትፎ እውን እዩ ዝኽወን ዘሎ። ቐጺሉ ዚመጽእ ብድሆታት እንታይ እዩ? ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ብዛዕባ ከባቢ ኣየር ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ መባእታ ሓድሽ ዓመት ነቲ ናይ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘይምብዛሕ ዝብል ናይ ስምምዕ ውሳኔ ዳግም ዝምርምር ዓውደ ኣኼባ ክህሉ እውን ስዒቡ ድማ ነቲ ስምምዕ ቀዳመይቲ ብኽታማ ቅቡል ዝበለቶ ቅድስቲ መንበር ምዃና ምዝካር እውን የድሊ። እንተዀነ ግን ብዙሕ ናይ ስራሕ መዳያት ኣሎ ምስ ብስነ ኣሃዝ እተራቐ ዓለም እተተሓሓዘ ኵሉ ነገራት ምስ ተኽእሎኡን ሓደጋታቱን እተተሓሓዘ ምዃኑ ዓቢዪ ኣገዳስነት ኣለዎ፡ ዛዕባ ኣጽዋር ዘይብሉ ቦታ፡ ምዝመዛ ውቅያኖንስ እተፈላለዩ ዓይነት ኣትክልትን ካልእ ነገራትን ልዕሊ ዅሉ ግን ስፍሓ ወድሰብን ክብርን ነፈሲ ወከፍ ሰብ ዘይርስዕ “ኵለንተናዊ ማሓድሮ” እዩ። እዚ ኸኣ ንህይወት ብምሉኦም ደቅሰብን መሬትን ናይ ሓቂ ኣገልግሎት ዝህብ ቀንዲ መብጽዓ እዩ።

ዕለት 25 መስከረም 2015 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኔውዮርክ ምስ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣካላት ኣብ እተራኸብሉ እዋን፥ እቶም ሰራሕተይናታት ፍትሒ ንምርካ ጥራይ ዘይኮነስ ብመንፈስ ፍትሒ ዝዓዩ ምዃኖም ከስተውዕሉን ምእንቲ ፍትሒ ናይ ዝዓዪ ማሕበረሰብ ኣባል ክዀኑ ሓቲቶም እዮም . . . እዚ ናይ ቅዱስነቶም ሓሳብ እዚ ነቶም ሰራሕተይናታት ጥራሕ ዘይኮነስ ንናይ ውድብ ሃገራት ዓለም ኣገባባትን ውሳኔታትን ስርዓትን እውን ኣገዳሲ እዩ። . . . እቲ ዝገለጽዎ ሓሳብ ምልእቲ ዓለም ዝውክል ድምጺ እዩ ምባል ምግናን ኣይኮነን . . .

እቲ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎ ገደ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እተቐየረ ብኸመይ እዩ? እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብቲ ዕለት 4 ጥቅምቲ 1945 ዓ.ም. ንፈለማ ግዜ ኣብቲ ሓፈሻዊ ባይቶ ዘስምዕዎ መደረ ንግደ ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ውድብ ብጽቡቕ ዝገልጾን ዝትርጉሞን መሰረታዊ ስርዓታትይንን ኣረኣእያኡን ወትሩ ቅኑዕ እኳ እንተዀነ ነፍሲ ወከፍ ር.ሊ.ጳ. ግን ምስ ግዜ ምስ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን እተተሓሕዘ ቐዳምነት ዝህቦ ነገራትን መብጽዓታትን ኣምጺኡ እዩ። እንተኾነ ግን ምስቲ ኣብ ዓለም ትጽቢት ዝግብረሉ ፍጻሜታት እተራአይሉ እተፈላለየ ታሪኻዊ እዋናት ናይ ገዛእ ርእሱ ባህርያትን ስምዒትን ዘለዓዕል ነገራት ዝሰማማዕ እዩ። ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ግን ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ ከባቢ እቲ “ብዝሓ ጐድናውነት” ተባሂሉ ዝግለጽ ሓሳብ ሰፊሕ ቆላሕታ ሂቡሉን ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ብዙሕ ይዓዪ ኣሎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

26 October 2021, 08:50