ድለ

ኣብ ሓይቲ ኣመሪካውያን ልኡካነ ወንጌል ተጨውዮም ኣብ ሓይቲ ኣመሪካውያን ልኡካነ ወንጌል ተጨውዮም 

ኣብ ሓይቲ ኣመሪካውያን ልኡካነ ወንጌል ተጨውዮም

ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላምን ሽማግለ እቲ ዕለት 16 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ግብረ ጨወያ መሰረት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ህልው ኵነታት ሃገር ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊጹ፡ ኵሉ ብጸሎት ክሓብርን ሃገር ካብቲ ወዲቓትሉ ዘላ ዘሰንብድ ኵነት ክትላቐቕ ኵሉ ከከም ሓላፍነቱ ንሕንጸት ሃገርን ሕብረተሰብን ፍትሕን ሰላምን ክዓዪ ጽዋዒት ከምዘቕረበ ...

ኣብ ሓይቲ ዘሎ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ቅልውላው ብቐጻሊ ዝርአ ውግእ ኣብ መንጐ ድኻታት ዘይምርግጋእን ለብዒ ኮቪድ - 19 ዝተወሰኾ ዘተሓሳስብ ኵነት እታ ሃገር ማእለያ ናብ ዘይብሉ ዘሰክፍ ጸገም ትጥሕል ከምዘላን  ብዙሓት ናይ ገበን ጒጅለታት ግብረ ጭወያ ከም ናይ እቶት ምንጪ ከምዝጥቐምሉን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት  ዜጋግታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝዀኑ ልኡካነ ወንጌል ምስ ኣባይቲ ስድራኦም ኵሎም ከምእተጨውዩ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ሓይቲ ምንጭታት ዜና ዝሃበኦ ሓበሬታ ብዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፍ ዜና ማዕከናት ከምእተጠቕሰን፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እቲ ኣብ ሃይቲ ዘጋጥም ዘሎ ድኽነትን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ለብዕን ዘስዕቦ ዘሎ ዓሚቝ ቅልውላ ኣቃልቦ ክህበሉ ዳግም ዝጽውዕ ዘሕዝን ኵነት ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ቀዳም ዕለት 16 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ዓሰርተ ሓሙሽተ ዜጋታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ፕሮተስታንት ቤተ ክርስቲያን ልኡካነ ወንጌል ምስ ስድራ ቤቶም ኣብ ምብራቓዊ ወሰናስን ፖርት ኦ ፕሪንስ በቶም ገዛእ ርእሶም “400ማዎዞ” ብዝሰመዩ ናይ ገበን ጒጅለታት ከምእተጨውዩን እዞም ናይ ገበን ጒጅለታት እዚኣቶም ኣብቲ ሃይቲ ምስ ዶመኒካዊት ረፓብሊክ ኣብ ዘዳብዉ ከባቢ ብዓመጽን ቅጥፈትን ጨወያን ዝፍለጡን ናይ ወጻኢ ሃገራት ዜጋታት ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሃገር እውን ዝፍጽምዎ ምዃኑን ጨወያ ሓደ ከም ናይ እቶት መርከቢ መስርሕ ገይሮም ዝጥቀምሉ ከምዝኾነ ናይ ሃይቲ ምንጪ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ሃይቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላምን ሽማግለ እቲ ዕለት 16 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ግብረ ጨወያ መሰረት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ህልው ኵነታት ሃገር ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊጹ፡ ኵሉ ብጸሎት ክሓብርን ሃገር ካብቲ ወዲቓትሉ ዘላ ዘሰንብድ ኵነት ክትላቐቕ ኵሉ ከከም ሓላፍነቱ ንሕንጸት ሃገርን ሕብረተሰብን ፍትሕን ሰላምን ክዓዪ ጽዋዒት ከምዘቕረበ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

20 October 2021, 09:18