ድለ

ኮቪድ፥ ህዝቢ ብራዚል ንርእሰ ብሔር ሃገሩ ይኸስስ ኮቪድ፥ ህዝቢ ብራዚል ንርእሰ ብሔር ሃገሩ ይኸስስ 

ኮቪድ፥ ህዝቢ ብራዚል ንርእሰ ብሔር ሃገሩ ይኸስስ

ቦልሶናሮ እቲ ኣብ ልዕለኦም ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዓዓሎ እዩ ከምዝበሉን ብጀካኦም ሰለስተ ደቆም ዝርከብዎም ብጠቕላላ 72 ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ዝተቐመጡን ካብ ሓላፍነቶም ዝለቐቑን ዓበይቲ ኣካላት ተሓትቲ ዝገብር ሰነድ

ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኣትርከብ ናይ ሃገረ ብራዚል ህዝቢ ርእሰ ብሔር ቦልሶናሮ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ንምቁጽጻር ዘተግበርዎ ኣሰራርሓ ኣዕናዊ እንክብል ከምዝኸሰሰን፡ ብራዚል ድሕሪ ሕቡራት መንግስታታ ኣመሪካ እታ ብሰንኪ ኮቪድ - 19 ኣብ ዓለም ካብ ኵሉ ንላዕሊ ብዙሓት ግዳያት ዘቝጸረት ሃገር ምዃና እዩ ዝንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ብራዚል ሕዝባዊ ባይቶ መርማሪ ሽማግለ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ርእሰ ብሔር ቦልሶናሮ ለብዒ ኮቪድ - 19 ንምቁጽጻር ዝሓጸንጽዎን ዘተግበርዎን ኣሰራርሓ ኣማእኪሉ ዘካየዶ መጽናዕትን መርመራን ኣጠናቒቑ 1200 ገጽ ዝሓዘ ሰነድ ከምዘቕረበን እቲ ሽማግለ ርእሰ ብሔር ካብ ስልጣኖም ንኽለቑ ብቝዕ ምኽንያት ድዩ ኣይኮነ ዝብል ሕቶ ሕዝባዊ ባይቶ መልሲ ኽህበሉ ከምዝሓትት ክንገር እንከሎ፥ ብፍላይ ከኣ ካብ ወርሒ ሓምለ 2020 ዓ.ም. ክሳዕ ጥሪ 2021 ዓ.ም. ከምቲ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ጥዕናን ካልኦት ዛዕባ ክንክን ጥዕና ዝግደሳ ትካላት ዘድሊ ጸረ ለብዒ ኮቪድ - 19 ክትባት ክዕድጉ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ጥሒሶም ዝብል ክሲ ይቐርቦም ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ካብ ብራዚል ዝወጹ ዘለዎ ሓበሬታ መሰረት ገይሩ ይሕብር።

እቲ መርማሪ ሽማግለ ነዊሕ ክስታት ከምዘቕረበን እዚ ኸኣ ካብ ዘይሕጋዊ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ገንዘብን ናይ ሓሶት ሰነዳት ምቕራብን ከምኡ እውን ክሳብ እቲ ብለብዒ ኮቪድ 19 ዝጥቅዑ ክረኽብዎ ዘለዎም ዓይነት ኣገልግሎት ጥዕናን ፍወሳን ከም ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ብዝብል ክሲ ከሕትቶም ዝኽልል እዩ ከምዝበለን ቦልሶናሮ ግን እቲ ኣብ ልዕለኦም ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዓዓሎ እዩ ከምዝበሉን ብጀካኦም ሰለስተ ደቆም ዝርከብዎም ብጠቕላላ 72 ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ዝተቐመጡን ካብ ሓላፍነቶም ዝለቐቑን ዓበይቲ ኣካላት ተሓትቲ ዝገብር ሰነድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. እቲ ሰነድ ኣብ ሕዝባዊ ባይቶ ከምዝቐርብን ብኣብላጺ ድምጺ ተቐባልነት እተድኣ ረኺቡ ናብ ናይ ረፓብሊካዊት ብርዚል ፍልዩ ኣኽባሪ ሕጊ መርመራ ንኸካይድ ከመሓላለፍ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

22 October 2021, 09:08