ድለ

ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ሰላም ኣብ ኣፍጋኒስታን መዓልቲ ጾምን ጸሎትን

ታሪኽ ቤተ - ክርስቲያን ከም ክርስቲያን መጠን እዚ ዅነታት እዚ ንዅላትና ንኽንጽልን ነቲ ኣብ ስቓይ ዝርከብ ሕዝቢ ቀረባ ኽንከውን ጸሎትን ጾምን ንስሓን ንኽንገብር እዩ ዝምህረና፡ ጸሎትን ጾምን ከነበርትዕ ኣበርቲዔ ጻውዒት አቕርብ፡ ካብ ጐይታ ምሕረትን ይቕረታን እልምን!

ዕለት 29 ነሓሰ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ ምእመናን ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ማሕበረ ክርስቲያን ዓለም፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ነቶም ኣብ ቀረባ መዓልታት ግዳያት ዓመጽን መጥቃዕትን ዝኾኑ ሰላማውያን ሰባት ብፍላይ ከኣ ኣንስትን ቈልዑን ቅርበቶምን ሓድነቶምን ክገልጹ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ “ንስኡናት ምሕጋዝ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ክቕጽልን ዘተን ምትሕብባርን ናብ ማሕበራዊ ሰላም ምእንቲ ኽመርሕ ድማ ንጸሊ” እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ኣስዒቦም፥ ብዛዕባ ፍልቀት ናይቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተኸሲቱ ዘሎ ጽንኵር ዅነታት ከምዘተሓሳስቦምን ነቶም ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 26 ነሓሰ 2021 ዓ.ም. ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ግዳያት መጥቃዕቲ ዝኾኑ ሰባት እናሓሰቡ ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም፡ በቲ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ኣስታት 200 ዝኾኑ ሰባት ከምእተቐትሉን ምእንታኦም ከምዝጽልዩን ኵሉ ክጽልን ተላብዮም፥

ኣብቲ ዝወረደ ሓዘንን ኣብቲ ነቶም ዑቕባ ዝደልዩ ሰባት ዝወሃብ ሓገዝ ተኻፋሊ ምዃነይ አረጋግጽ፡ ነቶም ዝሞቱ ንምሕረት ከሃሌ ኵሉ እግዚኣብሔር እወክፍ፡ ነቶም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ጽንኩር ኵነት ኣብ መከራ ንዝርከቡ ሕዝብን ኣንስትን ቈልዑን ሓገዝ ንዘቕርቡ አመስግን!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ነቶም ንስኡናትን ሕዝኑናትን ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ዝዓዩ ዘለዉ ኣብቲ ዘካይድዎ ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ክቕጽሉን ምይይጥን ሓድነትን ናብ ምቛም ከምኡ እውን ንመጻኢ እታ ሃገር ተስፋ ናብ ምሃብ ክመርሖምን ክንጽልይ ሓደራ ከምዝበሉን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ዘይግዱስ ምዃን ከምዘይከኣል እንከመላኽቱ፥

ታሪኽ ቤተ - ክርስቲያን ከም ክርስቲያን መጠን እዚ ዅነታት እዚ ንዅላትና ንኽንጽልን ነቲ ኣብ ስቓይ ዝርከብ ሕዝቢ ቀረባ ኽንከውን ጸሎትን ጾምን ንስሓን ንኽንገብር እዩ ዝምህረና፡ ጸሎትን ጾምን ከነበርትዕ ኣበርቲዔ ጻውዒት አቕርብ፡ ካብ ጐይታ ምሕረትን ይቕረታን እልምን!

ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

መጥቃዕቲ ከጋጥም ከምዝኽእል ዓቢይ ስግኣት ኣሎ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መንግስቲ ካብታ ሃገር ንዅሎም ሰራሕተይናታት ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ምውጻእ ስርሒት ክሳብ ዕለት 31 ነሓሰ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ፍጻሜ ንኸብጽሖ ኣበርቲዑ ይዓዪ ምዃኑ ኣረጋጊጹ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እውን ከይተረፈ ግብረ ሽበራ ክፍጸም ዝከኣል ምዃኑ ገሊጹ፥ ኣብ ኣፍጋኒስታን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልኡከ መንግስቲ ከምቲ ርእሰ ብሔር ባይደን ዝበልዎ ዜጋታት ኣመሪካ ክሳብ ዕለት 31 ነሓሰ ኣብ ዘሎ ናይ ግዜ ገደም መላእ ዜጋታቱ ካብታ ሃገር ከውጽእ ምዃኑ ኣፍሊጦም። ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ካቡል ግብረ ሽበራ ዝፈጸመን ዜጋታታ ንሞት ዝዳረገን ተሓታቲ ዝኾነ ዳዒሽ ንዝፈጸሞ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ግብረ መልሲ ከምዝፈጸመ ክንገር እንከሎ፡ ጣሊባን ነቲ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጒምቲ “ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን ዝተፈጸመ ንጹር መጥቓዕቲ እዩ” እንክብል ከምዝኾነኖ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዘጓንፍ ዘሎ ጽንክር ኩነት

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ማሕበር ሓልዮ ሕጻናት፥ ልዕሊ 300 ሺሕ ዝግመቱ ሕጻናት ተመዛቢሎም ብዘይ ረድኤት ከምዝተረፉ ኣፍሊጡ፡ ኣብዚ ከቢድ እዋን’ዚ ከይጥንጠኑ ጻዋዒት የቕርብ። እቶም ሕጻናት፥ ጣሊባን ንሃገሮም ንኽቆጻጸር ኣብ ዝፍትነሉ ዘሎ እዋን ካብ ኣባይቶም ንኽመዛበሉ ከምእተገዱን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝኾኑ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ዝግመቱ ሕይወቶም ንዓቢይ ስግኣት ብዘቃልዕ ስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ይሳቐዩ ኣለዉ ቢሉ፡ ካብታ ሃገር ናይ ዓለም ሓቆፍ ሓይሊ ጸጥታ ምውጻእ ካብ ዝጀመሩሉ ወርሒ ግንቦት ጣሊባን ዝፍንውዎ መጥቃዕቲ እናገደደን ቅትለትን ማህሰይትን ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎን ዜና ቫቲካን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

30 August 2021, 16:42