ድለ

ዒራቕ፥ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ እተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዒራቕ፥ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ እተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ  

ዒራቕ፥ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ እተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ

ነቶም ኣብ ምብራቓዊ ወሰናስን ርእሲ ከተማ ዒራቕ ኣብ ዝርከብ ዊሂላት ኣብ እተአምየ ዕዳጋ ንበዓለ ዒድ ኣል ኣድሓ ንመግባውነት ዘገልግልን ህያባትን ይዕድግሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እቲ ገዛእ ርእሱ ኣስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ዝጽውዕ - ዳዒሽ

እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ዝሰመየ - ዳዒሽ ኣብ ባቕዳድ ኣብቲ ብዙሓን ሽዓውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝነብሩላ ከተማ ሳድር እተሰምየ ክፍሊ ከተማ ኣብ ዝርከብ ብዙሓት ዝእከብሉ ናይ ዕዳጋ ስፍራ ዕለት 19 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ድሮ በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ -  በዓለ መስዋዕቲ ለኪምካ ናይ ምጥፋእ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ፈጺሙ ጃምላዊ ቅትለት ክም ዝፈጸመን ከምዚ ዓይነት ለኪምካ ናይ ምጥፋእ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ቀቅድሚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕካብ ዕለት 5 ክሳዕ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ዘካየድዎ ምብጻሕ ዕለት 15 ሚያዝያን ዕለት 21 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ተፈጺሙ ከምዝነበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቶም ኣብ ምብራቓዊ ወሰናስን ርእሲ ከተማ ዒራቕ ኣብ ዝርከብ ዊሂላት ኣብ እተአምየ ዕዳጋ ንበዓለ ዒድ ኣል ኣድሓ ንመግባውነት ዘገልግልን ህያባትን ይዕድግሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እቲ ገዛእ ርእሱ ኣስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ዝጽውዕ - ዳዒሽ ዝሓንጸጾ ብኣባሉ ኣቡ ሓምዛ ኣል ዒራቒ ዝስሙ ዒራቓዊ ተወላዲ ኣቢሉ ኣብ ግብሪ ዘውዓሎ ለኪምካ ናይ ምጥፋእ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ከምእተፈጸመ ዜና ቫቲካን ካብ ዒራቕ ዝፍነዉ ዘለዉ ሓበሬታ ጠቒሱ ይሕብር።

እቲ ብናይ ዒራቕ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ምሸት ዕለት 19 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ርእሲ ከተማ ዒራቕ ሺዓዊ ብብዝሒ ዝነብሩሉ ክፍሊ ከተማ ሳድር ኣብ ዝርከብ ናይ ዕዳጋ ቦታ ዝተፈጸመ ለኪምካ ናይ ምጥፋእ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ምኽንያት 15 ደቀ ንስትዮን ሕጻናትን ዝርከብዎ ብጠቕላላ 35 ዜጋታት ከም እተቐትሉን ካልኦት ኣስታት 50 ዝግመቱ እውን ማህሰይቲ ከምዘጓነፎም ምንጭታት ዒራቕ ጠቒሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ስካይ ኔውስ ኣራቢያ እተሰምየ መደብር ተለቪዥን መራሔ መንግቲ ዒራቕ ሙስታፋ ኣል ካድሒሚ ብኡንብኡ ብዛዕባ እቲ መጥቓዕቲ መርመራ ክግበር ኣዚዞም እክብል ከምዝገለጸን ኣብ ባቕዳድ ክፍለ ከተማ ሳድር ንምወዳእታ ግዜ ዕለት 15 ሚያዝያ ቦምቢ ዝተጸምዳ ማኪና ኣብቲ ሓደ ናይ ዕዳጋ ቦታ ተፈንጂራ ኣርባዕተ ሰባት ንሞት ካልኦት 17 ድማ ከምዝቖሰሉን ፥ ዕለት 21 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ኣብ ጥቓ እቲ ኣዚዩ ህቡብ ዝኾነ ዕዳጋ ኣልባሳት ኣብ ኣደባባይ ጣያራን ኣብ ዝርከብ ስፍራ ክልተ ሳዕ ብዝተፈጸመ ለኪምካ ናይ ምጥፋእ ሽበራዊ መጥቓዕቲ 35 ሰባት ከምዝሞቱን 80 ድማ ከም ዝቖሰሉ የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ.፥ ዓመጽ ብሕውነት ምስጋር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 5 ክሳዕ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንኸካይዱ ኣብ ምቕርራብ እንከለዉ ቀቅድሚ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ምኽንያት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናብ ናይ ዒራቕ ርእሰ ብሔር ባርሃም ሳሊሕ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ እዚዩ ዘጒሂ መጥቓዕቲ እክብሉ ግለጺም፡ ጸሎቶምን ቅርበቶምን ንመላእ ሕዝቢ ዒራቕ ገሊጾም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

መራሔ መግንስቲ ዒራቕ ኣል-ካድሒሚ ዕለት 2 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዒራቕ መራሔ መንግስቲ ኣል - ካድሒሚ ዕለት 2 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦምን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዒራቕ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብ ባቕዳድን ዔርቢልን ሞስዑልን ኣብ ቃራቖሽን ዘካየድዎ ምብጻሕን ዝዘከረ ርክብ ከምዝነበረን ምርግጋእን ሕንጸት ሃገር ንምድንፋዕ ናይ ዘተ ባህሊ ምትብብዕ ዘለዎ ኣገዳስነት ብኣጽንዖት ገሊጾም ከምዝነበሩ ድሕሪ እቲ ርክብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ ከምዝነበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር.

21 July 2021, 08:21