ድለ

ኣብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ዘጋጠመ ሞት 16 ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን 27 ዓበይትን ኣብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ዘጋጠመ ሞት 16 ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን 27 ዓበይትን  

ኣብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ዘጋጠመ ሞት 16 ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን 27 ዓበይትን

ኣብ ጂቡቲ ንናይ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ስደተይናታት ውድብ ተልእኾ ሓላፊት ስተፋኒ ዳቪዮት፥ ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን ዓበይትን ዘጋጥሞም ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣብቲ ከባቢ ናይ ዘሎ ቅልውላው ውጽኢት እዩ

ኣብ ገማግም ባሕረ ጂቡቲ ብዘጋጠመ ሕደጋ ምግልባጥ ጀልባ ብዙሕ ሞት ከምዘስዓበን 16 ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝርከብዎም ብጠቕላላ 43 ሰባት ከምዝሞቱን ሓደ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ሕጻን ዝርከቦም ውሑዳት ጥራሕ ከምዝደሓኑን ዓለም ሓቆፍ ሓልዩ ስደተይናታት ውድብን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጉዳይ ሕጻናት ዝከታተል ማሕበርን ካብ ዝፈነውዎ ሓበሬታ ክፍለጥ እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ሰኑይ ዕለት 12 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ኣብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ሞት ብዝተፈላለያ ናይ ዓለም ሓቆፍ ውድባት ከምእተረጋገጸን፡ ሓንቲ መብዛሕቲኦም ዜጋታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኾኑ ካብቲ ኣብ የመን ዘሎ ሁከትን ግጭትን ቅልውላው ሰብኣዊ ጉዳይን ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ብጠቕላላ 60 ስደተይናታት ዘሳፈረት ጀልባ ብዘጋጠማ ናይ ምግልባጥ ሓደጋ ዘስዓቦ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣዚዩ ዘሕዝን ከምዝኾነን ከምዚ ዓይነት ሕልቂት ኣብ ማያት ባሕሪ እቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ዝርአይ ምዃኑ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ስደተይናታት ውድብን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕጻናት ጉዳይ ዝሓልይ ማሕበርን ኣብ ዘውጽእዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም።

ኣብ ጂቡቲ ንናይ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ስደተይናታት ውድብ ተልእኾ ሓላፊት ስተፋኒ ዳቪዮት፥ ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን ዓበይትን ዘጋጥሞም ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣብቲ ከባቢ ናይ ዘሎ ቅልውላው ውጽኢት እዩ ቢለን፡ ደገፍቲ ሃገራት ከምዚ ዓይነት ትርጉም ኣልቦ ሞት ንኽንክን ንኸይህሉን ዝከኣለን ኩሉ ክገብራ ዝሓትት ጻውዒት ከምዘቕረባ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓልዮ ሕጻናት ማሕበር ኣብ  ጂቡቲ ወኪል መልቫ ጆንሶን እውን ብወገነን፥ ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ጉዕዞ ስደተይናታት ናይ ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሕይወት ንዘስካሕክሕ ሓደጋ ተቓሊዑ ከምዝርከብን ከምዚ ዓይነት ናይ ሕጻናት ህልቂት እውን ንምውጋድ ናይ ሕጻናት መሰልን ክብረትን ኣብ ዝኾነ  ይኹን ቦታን ኵነትን ውሕስ ምግባር ወሳኒ እዩ፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ናይ ኵለን ሃገራትን ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ድጋፍ ውሰኒ እዩ ከምዝበላ ገሊጹ፥ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ስደተይናታት ውድብ ኮነ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ሕጻናት ማሕበር ብሓባር ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ዝርአይ ዘሎ ሓደጋ ሞት ከይሁሉ ንስደተይናታት ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብን ሰብኣዊ መሰሎምን ክብረቶምን ውሕስ ምግባር ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ምስ ዝምልከቶም ናይ ጂቡቲ ናይ መንግስቲ ኣካላት ብምትሕብባር ይዓዩ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ። 

16 April 2021, 22:04