ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ፍራንቸስኮን ኣል-ጣይብን ብኽታሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ “ሰብኣዊ ሕውነት” ዘርእስቱ ሰነድ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ፍራንቸስኮን ኣል-ጣይብን ብኽታሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ “ሰብኣዊ ሕውነት” ዘርእስቱ ሰነድ 

“ር.ሊ.ጳ.ን ዓቢይ መምህርን (ዒማም)”፥ ሕውነት ዘዘንትው ጉዕዞ

እቲ ክሌኣዊ ዘተ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካይሮን ከምኡ እውን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድዎ ምብጻሕን ዘማዕበሎ ናይ ሓባር ዘተ ኣብቲ መጽሓፍ ተመልኪቱ ከምዘሎን

እቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብን ኣብ ኣቡ ዳቢ፥ ሰላም ኣብ ዓለምን ሰላማዊ ማሐበራዊ ናብራን ንምንቕቓሕ ኣሚቶም ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ስዒቡ እቲ ሰነድ ዘንብሮም ክብርታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብፍልዩ ዝዓዪ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ከምዝቖመ ዝዝከር ኮይኑ ናይዚ ላዕለዋይ ሽማግለ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ዳይና ሞሓመድ ዓብደልሳላም፥ “ር.ሊ.ጳ.ን ዓቢይ መምህርን፥መሰኻኽር ውልደት ሰብኣዊ ሕውነት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ መጽሓፍ ንንባብ ከምዝበቐዔ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ መጽሓፍ ምሉእ ኣርእስቲ፥ “ር.ሊ.ጳ.ን ዓቢይ መምህርን፥ መሰኻኽር እቲ ኣሿኽ  መገዲ - መሰኻኽር ውልደት ሰብኣዊ ሕውነት” ዝብል ክኸውን እንከሎ፥ ናይዛ መጽሓፍ ደራሲ ናይቲ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ዳይና ሞሓመድ ዓብደልሳላም ኣብቲ መጽሓፍ ዘተይተሰግሩ መሰናኽላት ፈልዮም ጥልቂ ብዝኾነ ኣገላልጻ ምሉእ ስእሊ ከምዘቕረቡን ናይታ መጽሓፍ መቕድም ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኣል ኣዝሓር ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብን  ክታሞም ዝተበሮ ከምዝኾነ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ፍራንቸስኮን ኣል-ጣይብን ብኽታሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ “ሰብኣዊ ሕውነት” ዘርእስቱ ሰነድ ታሪኽ ዘፍጥረቱን ኪደታቱን ኵሉ ኣብቲ ክታትሞ ዘንበሩሉ ናይቲ መጽሓፍ መቕድም እንከብርሁ፡ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ እውን ብወገኖም ኣብቲ ዝደረስዎ መቕድም፥ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምርድዳእን ዘተን ንምንቕቓሕ ዝተፈጸሙ ርክባትን ዝተመስከረ ትብዓትን ብመሰረት ሰብኣዊ ሕውነት ሰነድ ከምዘብርሁ ካፐሊ ሓቢረን።

እቲ ክሌኣዊ ዘተ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካይሮን ከምኡ እውን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድዎ ምብጻሕን ዘማዕበሎ ናይ ሓባር ዘተ ኣብቲ መጽሓፍ ተመልኪቱ ከምዘሎን እቲ መጽሓፍ ብቋንቋ ዓረብን እንግሊዘይናን ዝተሓትመ ኮይኑ ናይ ኤሚራት ዓረብ ሸኽ ሞሓመድ ቢን ዛየድን እስላማዊ ቤት ምኽሪ ኣበው ማእከልን እቲ ኣል ኣዝሓር ዘነቓቕሖ ዘተን እቲ ኣብ መንጐ ምብራቕን ምዕራብን ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምእላይን ዝብል ተበግሶታት ዝህብሉ ድጋፍ ዝተነብሮን  ዝተፈላለዩ ናይ ስነ ምርምርን ናይ ፖለቲካን ኣካላትን ርእይቶ ዘንበርሉ እውን ከምዝኾነ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

02 April 2021, 16:18