ድለ

ኣብ ተሓዳሲ ጸዓት ብምትኳር ፍጥረት ምድሓን ኣብ ተሓዳሲ ጸዓት ብምትኳር ፍጥረት ምድሓን 

ኣብ ተሓዳሲ ጸዓት ብምትኳር ፍጥረት ምድሓን

እንኽተሎ ዘሎና ናይ ምዕባለ መላ እተደኣ ዘይመርመርናን ዘይቀየርናን ንመጻኢ ወለዶ እነረክቦ ተፈጥሮ ኣዚዩ ዝተበከለ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንምሕዋዩ ኣብ ዘይከኣል ደረጃ ዳርጋ ዝበጽሐ ዓለም እዩ

ዕለት 19 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ዛዕባ ዓለም ሓቆፍ ኩነታት ከባቢ ኣየር 2020 ዓ.ም. ሰነዳዊ ጸብጻብ ብወግዒ ከምዝቐረበን፡ እዚ ሰነድ’ዚ ነቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዕለት 22 ሚያዝያ ተዘኪሩ ዝውዕል መዓልቲ መሬት ምኽንያ ዝጸወዖ ዋዕላ ቀዲሙ ዝወጸ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ማሪና ታማሮ ኣፍሊጠን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ከባቢ ኣየር መጽናዕቲ ማእከል እቲ ካብ 2011 ክሳብ 2020 ዓ.ም. ዘሎ 10 ዓመታት እቲ ናይ ሙቕት መጠን ክብ ዝበለሉን እቲ ካብ 2015 ክሳብ 2020 ዓ.ም. ዘሎ ዓመታት እዚዩ ዝለዓለ ሙቐት ዝተራእየሉ ተባሂሉ  ዝዝከር መዃኑ ክሕብር እንከሎ፡ ናይ ማያት ባሕሪ ሙቐት ክብ ይብል ከምዘሎን ኣብ ውቅያኖስ ናይ ሙቐት መጠን እውን ኣብ 2020 ዓ.ም. ብሰማንያ ሚእታዊ ክብ ከምዝበለን እዚ እውን ኣብ ልዕሊ ናይ ማያት ባሕሪ ናይ ምህዳር ባህርያዊ ስርዓት ምዝባዕ የስዕብ ከምዘሎን እቲ ዕለት 19 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝን ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ከባቢ ኣየር መጽናዕቲ ውድብ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ፐተሪ ታኣላስ ብሓባር ክኢላታት ስነ ምርምር ተፈጥሮን ከባቢ ኣየርን ኣብ ዝተሳተፍሉ መድርኽ ነቲ ጸብጻብ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ሰነድ ብወግዒ ኣብ ዘቕረብሉ ዓውደ ጉባኤ ከምዘመላኸቱን፥ ምውሳኽ ናይ ሙቐት መጠን መሬትን ውቃንዮስን ምከት በረድን ኣዚዩ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ብጥልቂ ከምእተሓበረ ታማሮ ኣፍሊጠን።

ለብዒ ኮቪድ - 19ን ምሕዳርን

እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ናይ ከባቢ ኣየር ብከላ ክብ እናበለን ነቲ እንኽተሎ ዘሎና ኣገባብ መነባብሮን ምዕባለን ሕጂ እውን ጉጉይ ከዝኾነ ዘረጋገጽ እዩ ዝበሉ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሓምላይ ስምምዓት ሓልዮ ማሕበር ኣመሓዳሪ ኣንድረያ ማሱሎ ምስ ዜና ቫቲካን እቲ ዝቐረበ ሰነዳዊ ጸብጻብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ እቲ ናይ መሬት ዋዒ ክብ ዘብል ኣብ ሃዋሁ ዝፍነው ጋዝ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሓደ ሚሊዮን ልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ኢድ ክብ ከምዝበለን ቅድሚ ሳላሳ ዓመት 355 ኢድ ከምዝነበረ ኣዘካኺሮም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት እውን ብዙሕ ናይ ኤኮኖሚ መዳይ ዝግ ንኸብል ዝተገደ ብምዃኑ ምምሕያሽ ዘርአየ እውን እንተመሰለ፡ እዚ ምስቲ ዘሎ ናይ ከባቢ ኣየር መጠን ብከላ ርኢኻ ኣብ ግምት ክኣትው ዝኽእል ኣይኮነ ኢሎም።

እንኽተሎ ናይ ምዕባለ ሜላ ምቕያር ግድን እዩ

እንኽተሎ ዘሎና ናይ ምዕባለ መላ እተደኣ ዘይመርመርናን ዘይቀየርናን ንመጻኢ ወለዶ እነረክቦ ተፈጥሮ ኣዚዩ ዝተበከለ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንምሕዋዩ ኣብ ዘይከኣል ደረጃ ዳርጋ ዝበጽሐ ዓለም እዩ ዝኸውን፥ እቲ ከሕውይ ዝኽእል ኣገባብ ፍሉጥ ክነሱ ክንስዕቦ ዘይምኽኣልና ኢጐነት ዝኸበበና ምዃንና እዩ ዘረጋግጽ ይብሉ።

ናይ መንግስታት ኣበርክቶ

እቲ ካሳብ 2050 ዓ.ም. ከባቢ ኣየር ዝብክል ኣገባባት ኵሉ ብምእላይ ብከላ ከባቢ ኣየር ናብ ባዶ ንምውራድ ዝብል መደብ ምሉእ ብምሉእ ትግቡር ክኸውን ናይ መንግስታት ኣበርክቶ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣንድረያ ማሱሎ ገሊጾም፡ ኣገባባትን ኪደት ምዕባለን ኣብ መነባብሮ እንጥቀመሎም ሜላታት ምቕያርን ኣብ ኣጠቓቕማ ጸዓትን መጓዓዝያን ካብ ኣህላኽነት ዝተላቐ መገዲ ምስዓብን ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ክሳብ ናይ ሓባር ቤትና ንምዕናው ዝድርኽ ብዘይ ቀጥዒ ምብሕጓግን ተሪፉ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝብልዎ ፖለቲካን ኤኮኖምን ማሕበራውን መዳይ ኵሉ ኣብ ምኽባር ተፈጥሮን ፍጥረትን ክማእከልን ብፍላይ ኤኮኖሚ ናይ ተፈጥሮ ዑደት ብዘኽብር ኣገባብ ናብ ከቢብ ቍጠባ ምምራሕ የድሊ፡ እዚ ዓቢይ ብድሆ እዩ፡ ስለዚ ተሓዳሲ ጸጋታት ማለት ብዳግማይ ዝውታረ ዝምራሕ ኣካይዳ ምዕባለ ዘድሊ ምዃኑ ዘመላእኽት እዩ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝወረደ ሓደጋ ኣብ ግምት ዘየእትው ኪደት ምዕባለ ምውጋድ የድሊ፥ ኣጠቓቕማ ጸጋታት ብዳግመ ዝውታረ ዝምራሕ ክኸውን ኣለዎ ኣንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

21 April 2021, 16:24