ድለ

2015 ዓ.ም. ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ሃሊና ሮዛንክሳ ደ ፖችይላክ  2015 ዓ.ም. ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ሃሊና ሮዛንክሳ ደ ፖችይላክ  

ሓዋርያዊ ተልእኾ ኣብ ቡወኖስ ኣይረስ ኣባይቲ ማሕቡስ ምስ ኣባ በርጐሊዮ

ኣብዚ ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ኣብ ዘካይድኦ ኣገልግሎተን ሕይወተን ብዝተፈላለየ ናይ እሱራት ግላዊ ታሪኽ ምልኩት ከምዝኾነን ብፍላይ ዘይርስዐኦ ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ገና መድሃኒት ብዘይተረኸበሉ ሕማም ብብርቱዕ ዝተጠቕዔ ቀቅድሚ ምሟቱ ጸሎት ዝመሃረኦን . . .

ሃሊና ሮዛንክሳ ደ ፖችይላክ እሱራት ኣብ ምእላይ ኣብ ዘካድኦ ኣገልግሎት ኣማእኪለን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ ኣብዚ ኣገልግሎተን እዚ ምስቶም ደሓር ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ዝተሓርዩ ፍራንቸስኮ ካህን እንከለዉ ከምእተላለየኦምን ነዚ ተመክሮ እዚ እውን ብሓባር ከምእተኻፈለኦ እንክሕብራ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝተላለዅዎም ኣብ ቡወኖስ ኣይረስ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ሓለቓ እንከለዉ እዩ ቢለን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ብጠንቂ ለብዒ ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ እዋን ንኹሉ ቀረባ ብምዃን ዘርእይዎ ሓልዮትን ፍቕርን ጸሎትን ኮታ ንድኹማን ተኣፋፍያንን ዘለዎም ቅርበት ዝድነቅ እዩ፡ ብሓቂ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ር.ሊ.ጳ. እዮም” እንክብላ ይገልጾኦም።

78 ዓመተ ዝዕድመአን መበቆለን ኣብ ሃገረ ኡክራይን ካብ እትርከብ ከተማ ለዮፖሊ ዝኾና ወለደንና ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ብንኡስ ዕድመአን ሒዞምወን ናብ ኣርጀትና ዝተሰዱ ሃሊና ሮዛንስካ ደ ፖችይላክ ገና ጓል ሸሞንተ ዓመት ዕድመ እንከለዋ ዓባየን ኣብ ሰርቢያ በቲ ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ስርዓት ዴስነት ኣብ ቤት ማሕቡስ ተዳጉይነን ከምዝዓረፋን እዚ ታሪኽ ናይ ዓባየን ኣብ ሕይወተን ዓቢይ ለውጢ ክገብራን ብፋልይ ኣብ ቤት ማሕቡስ ንዝርከቡ ከገልግላን ዝብል ጸዋዕታ ኣስተንፍሶ ከምዝኾነንን ካብቲ እዋን ኣትሒዘን ኣብ ቤት ማሕቡስ ንዝርከቡ ዜጋታት ብዝተፈላለየ ሰብኣውን መንፈሳውን መዳይ ዘገልግላ ከምዝኾናን ሎሚ ትሽዓት ደቂ ደቀን ዝርኣያን ዕድመ እውን እንተደፍኤ ንእሱራት ኣብ ኣገልግሎተን ይቕጽላ ከምዘለዋ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

በርጐሊዮ ኣባዛዚ-ኣበ ነፍስ

ኣብቲ ኣገልግሎተን ካብቶም ዓበይትን ሓናጽን ቢለን ዝገልጸኦ ተመክሮታተን፡ እቲ ምስ ኣባ በርጐሊዮ ምርኻበን ምዃኑ ገሊጸን፥ “ይዝከረኒ - ይብላ - ገና ኣቡን ደሓር እውን ካርዲናል እንከለዉ ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ዝተፈላለየ ኣባይቲ ማሕቡስ እናተዘዋወሩ ንእሱራት እናበጽሑ ከጸናንዑን ኣእጋሮምን ኣእዳዎምን ብሰንሰለት ዝተኣስሩን ካብኣቶም እውን ብዝተፈላለየ ሕማምዝተለኽፉን ህሙማን ኣይድስ ካልእ ዓይነት ሕማም ምስ ዝርከብዎም ዘካይድዎ ርክባትን፡ ምስ ኵሎም እዚኣቶም እናተረኸቡን ክዝትዩን ዘኽእል ኵነት ክፍጠረሎም ይሓቱን ዘቕርብዎ ሕቶ እውን ሰማዒ እናረኸበን ናይ እሱራት ሰብኣዊ ክብረት ከይገሃስ ሓደራ እናበሉን ይምዕድዎምን ምስጢረ ንስሓ እውን ይሰርዑን ከምዝነበሩን ኣዘኻኺረን፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት በዓል ቤተን ብሞት ከምእተፈለይወንን በቶም ሰለስተ ደቃተን እናተሓገዛ ሎሚ እውን እሱራት ኣብ ምእላይ ከምዝረካብ ይሕብራ።

ንዝተነጽገ ምፍቃር

ኣብዚ ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ኣብ ዘካይድኦ ኣገልግሎተን ሕይወተን ብዝተፈላለየ ናይ እሱራት ግላዊ ታሪኽ ምልኩት ከምዝኾነን ብፍላይ ዘይርስዐኦ ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ገና መድሃኒት ብዘይተረኸበሉ ሕማም ብብርቱዕ ዝተጠቕዔ ቀቅድሚ ምሟቱ ጸሎት ዝመሃረኦን . . . መጽሓፍ ቅዱስ እውን ገጸ በረኸት ምስ ሃበኦ ንሱ እውን ከምዘይተመሃረን ምንባብን ምጽሓፍን እውን ከምዘይኽእል ምስ ነገረን፡ ኣቡነ ዘበሰማያት ጸሎት ክምህርኦ ከምዝሓተተንን ንሰን እውን ነታ ኢየሱስ ዝመሃረና ጸሎት እናደገማሉ እንከለዋ መንፈስ ህድኣት ኣብ ገጹ ይርአይ ክመዝነበረን ኣብ ጸሎተን ከሰንየኦ እውን ዝሓተተን ይዝክራ።

ሓደ ሰንበት ንኽበጽሐኦ ይሓተን ንሰን እውን ሰንበት ምስ ስድራ ቤተን ዘሕልፋኣ መዓልቲ እውን እንተነበረት ክበጽሐኦ ትኸዳን ብሓባር እውን ጸሎትን ኣስተንትኖን ከምዝገበራን፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ንኸብጽሐኦ ምስ ተመልሳ ብሓይሊ ጸጥታ እቲ ቤት ማሕቡስ እታ ዝበጸሓሉ ሰንበት ንምሸቱ ከምዝሓረፈ ይሕበራ . . . እታ ሰንበት መዓልቲ ቅድሚ ምዕራፉ ክበጽሐኦ ብምኻደን ሓቢረን ምጽላየንን ሎሚ ኣብ ውሽጠን ቅሳነት ከምዝፈጠረለን ይገልጻ።

“ሓደ እሱር ናጻ ምስ ተለቀ ናብቲ ቅድሚ ምእሳሩ ዝነበሮ ማሕበረሰብ ክምለስ ብዙሕ እዩ ዘሰንብዶ፡ ልክዕ ከም ሓደ ሕጻን በእጋሩ ምኻድ ዘይኽእል ኮይኑ እዩ ዝስምዖ፡ እዚ ኸኣ ጌጋታት ንኽፍጽም ይድረኾን ይፍጽም እውን፡ መልስና ክኸውን ዘለዎ “ምፍቃር” እዩ፡ ከምእተፈቕረ ክስምዖ እንከሎ ጥራሕ እዩ ጌጋ ንኸይፍጽምን ምስ ሕብረተሰብ ተወሃሂዱ ንኽነብርን ባይታ ዝፈጥረሉ፡ ናይ ጌጋታቶም መሰረታዊ መንቀሊ ዘይተፈቐሩ ኮይኑ ስለ ዝስምዖም እዩ፡ ምፍቃሮምን ምቕራቦምን ጥራሕ እዩ ዳግም ንኽውለዱ ምኽንያት ዝኾኖም” እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

13 April 2021, 22:14