ድለ

ዕለት 15 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ሞስዑል: ዒራቓዊት ሕጻን ኣብ ሕቕፎ ኣባል ሓይሊ ጽጥታን፥ትስፍው መጻኢ ዒራቕ ብዓንተዉ ዘመላኽት ዕለት 15 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ሞስዑል: ዒራቓዊት ሕጻን ኣብ ሕቕፎ ኣባል ሓይሊ ጽጥታን፥ትስፍው መጻኢ ዒራቕ ብዓንተዉ ዘመላኽት  ርእሰ ዓንቀጽ

ትስፍው መጻኢ ዒራቕ ኣብ ፍሹኽ ወጅሂ ሓንቲ ሕጻን

እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ መገሻ ንምብጻሕ ኣብ መሬት ኣብራሃም ቅዱስነቶም ነቲ ቦታ ዝበጽሑ ቀዳማይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ይገብሮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብታ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብውግእ ዝዓነወት ሃገር ንዓለም፥ ዳግም ብሓድሽ መንፈስ ሕይወቱ ንኸበግስ ናይ ዝደልይ ሕዝቢ ዒራቕ ጽምዒ ሰላምን ሕውነትን ዘርእይ ሓድሽ ብርሃን ዝኾልዔን ዝመስከረን ከምዝኾነ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ማሲሚሊያኖ መኒከቲ (Massimiliano Menichetti) ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ሓቢሮም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ካብ ዕለት 5 መጋቢት ክሳብ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ነቶም ኣብ ዒራቅ ምብጻሕ ንዘካየዱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓንጎፋይ ቢሉ ዝተቐበለ ሕዝቢ ዘሎዎ ተስፋ፥ “እታ ሃገር ካብቲ ዝወደቐትሉ ሓፍ ቢላ በእጋራ ክትጓዓዝ በኣዒንትና ብቐረባ ክንርእይ፡ ብሓቂ ልክዕ ካብ ድቓስካ ባህሪርካ ከምምትንሳእን ንኽትኣምን ከቢድ ክሳብ ዝመስልን ንምእምና እውን ዘጸግም” ከምዝነበረ የመላኽቱ።

እቲ ኣዚዩ ዓቢይ ቆላሕታ ዝተገበረሉን ኣብ ልቢ ኩሉ ተቐሪጹ ዝተረፈ እቲ ኣብታ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ዝሰመየ ዳዒሽ ጉጅለ ኣሸበርቲ ኣኽራሪ ሃይማኖት ምስልምና መፈንጠራ ዝነበረ ኣባይቲ ክርስቲያንን መሳጊድን ዘዕነወላን ክትገልጾ ዘይከኣል ንዱርን ሓው ዘጥፍእ ውግእን ኣብ ዝተኻየደላ ከተማ ሞስዑል ቅዱስነቶም ዘካየድዎ ምብጻሕን ርክብን እዩ።

ኣብቲ ራዕዲ ሰፊኑሉ ዝነበረ ስፍራ ቅዱስ ኣቦና ብብዙሓት ጨናፍር ኣውሊዕ ሓፍ ኣቢሎም ዘወዛውዙን ብዝነበሩ ሕጻናት ኣቀባብላ ክግበረሎም ገሊኣቶም ሕጻናት ኣብታ ናይታ ከተማ ማእከል ኣብ ዝርከቡ ጐደናታት ብዘይስማዕ ድምጺ ክጻወቱ ይርኣይ ከምዝነበረን፡ ሓንቲ ሕጻን ካብቶም ዝጻወቱ ዝነበሩ መሳቱኣ ተፈልያ ንቕድሚት ትስጉም እሞ ኣብ ቅድሚ  ሓደ ኣባል ሓይሊ ምክልኻል ወትሃደር ደው ቢላ ትጥምቶን እቲ ወተሃደር ተንበርኪዅ ነታ ሕጻን ይዕንታ እናጠመተ ሓቚይፉ ሓፍ እውን የብላ ኣብ መንጐ እታ ሕጻንን እቲ ወተሃደርን ዝነበረ ፍሽኽታ ዝተመልኦ ምጥምማት እቲ ትስፍው ዝኾነ ናይ ዒራቕ መጻእ ኣቐዲሙ ዘመላኽት ትንቢት ምዃኑ መኒከቲ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ ይሕብሩ።

እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ መገሻ ንምብጻሕ ኣብ መሬት ኣብራሃም ቅዱስነቶም ነቲ ቦታ ዝበጽሑ ቀዳማይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ይገብሮም። ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ እምነት ኣጸናኒዖምን ንማሕበረ ምስልምናን ነቶም ናይ ውሁዳን ሃይማኖታት ምእመናን ከም ሰዓብቲ ሃይማኖት ያዚዲን ቅርበቶም ገሊጾምን ምስ ሽዓውያን ሃይማኖት ምስልምና ድሕሪ እቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ዘካየድዎ ርክብ፡ እዚ ሕዝቢ በቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ብዝሰመየ ጉጅለ ኣሸበርቲ ዝወረዶ ሕሰምን ዓመጽን ኣሳዶን ሎሚ እውን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ 19 ንብዙሕ ሓደጋ ዝተቓልዔን ብድኽነት ዝሳቐይን ንዘሎ ሕዝቢ ቅርበቶም ገሊጾምን ኣጸናኒዖምን እዮም። ቅዱስነቶም ንዅሉ ከከም እምነቱ ብቕርበቶም ብሓልዮቶም የጸናንዑ።

እቲ ዘደንጽው ኣብታ ሃገር ኣብ ኵሉ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን . . . ናይ ሓይሊ ምክልኻል ማካይን ክንቀሳቐሳን ኢኻ እትርእይ፡ ኣብ ቀንዲ ጉደናታት ቅዱስነቶምን ኣሰነይቶምን ብዝሓልፍሉ ዝነበረ ኩሉ ዜጋታትን ሕጻናትን ናይ ሃገሮም ዒራቕን ናይ ሃገረ ቫቲካን ሰንደቕ ዕላማ እናወዛወዙ ክትርእይ ኣብ ናሲሪያን ዑርን ሞስዑልን ቃርቖሽን ዔርቢልን ተስፈይና እንገዳ እዩ ዝተራእየ።

ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዒርቕ ኣስታት 1,400 ግብረ ሽብራዊ መቓዕቲ ተፈጺሙ እዩ፡ ስእነት ስራሕን ናይ ቁጠባ ጸገንምን ዝርኣየላ እውን እንተኾነት ዒራቕ ግን እዚ ጥራሕ ኣይኮነንት፡ ክንየው እዚ ዅሉ ስቓይ ንናይ ሕዝቢ ሰናይን ሓልዮት ላዕልን ታሕትን ዝብል ወገንን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ሓባራውነት ዝዘርኡ ዳግማይ ሕንጸት ኣብ ምኽዋን ዝዓዩ ከምዘለዉ ምፍላጥ የድሊ።

ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ውጥረትን ግጭትን ኣብ ዒራቕ ፍሉዩን ንኹሉ ዘተኣኻኽብ ናይ ተስፋ ብርሃን ዝኾልዔ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምብጻሕ እዩ፥ እዚ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቒ እዩ፡ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስቲያንን ንቕዱስነቶም ስቓዮምን እምነቶምን ሓይሎምን ኣብታ ናይ ስልጣነ ፈላሚትን ናይ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ትእምርቲ ተባሂላ ዳራጋ ኣብ እትግለጽ ሃገሮም ናይ ምንባር ድላዮም ካብ ምግላጽ ሓሊፎም ኣብ ኢዶም ዳርጋ ኣረኪቦም እውን እዮም፡ ኵሎም ብዘይ ኣፈላላይ እውን ነቲ “በዓል ዓቢይ ጥበብ” እንክብሉ ናይ ዝገለጽዎምን ዝበጽሕዎምን ር.ሊ.ጳ. ቃል ጽን ክብሉ ተራእዩ እዮም።

ማሕበረ ክርስቲያን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ንመላእ ዓለም ብርሃን  እያቶም ክሳብ ዘብሎም ብሓባር  ጸልዮም እዮም፡ ክትገልጾ ብዘጸግም ስቓይ ኣዚዮም ዝተፈተኑን ጽልእን ናይ ግብረ ሽበራ መኽዘን ንምዃን ዝሰዓሩን እቲ ንመጥቓዕቲ ግብረ ሽበራ ከይቃላዕ ዝሕለው ዘበለ ኩሉ ከባቢታታ ደሚቑን ጽባቔን ዳግም ክርአይ ዝገበረ ምብጻሕ እዩ።

ፍራንቸስኮ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ኣኽራርነት ኣውጊዞምን ምስቲ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝኾነ ማሕበረ ክርስቲያን ሓቢሮም ሰማዕታት ዒራቕ ዘኪሮምን ህልው ኩነታት ብለብዒ ኮቪድ-19 ምልኵት እውን እንተኾነ ሕዝቢ ብዝከኣሎ መጠን ንቕዱስነቶም ክርእይ ወጺኡ እዩ፡ ኣብ ከለዳዊ ዑር ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕቲ ንኽራኸቡ በቲ ብዙሕ ውግእን ደብዳብን ብዘሕለፈ ናይ ናሲሪያ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቢሎም ናስሪያ በጺሖምን ኣብቲ ቤት ኣብራሃም ተባሂሉ ዝንገረሉ ስፍራ ተረኺቢም  ሰላምን ዘተን ናይ ምርኻብን ባህሊ ንኽንሃንጽ መታን ነተን ኣብራሃም ዝመርሐኦን ዝጠመተንን ከዋኽብቲ ከም ቡሶላ ክንስዕብ ተልብዮም እዮም።

እቶም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉን ነቲ ኵነት ዝተኸታተሉን ኵሎም፥ እቲ ርክብ ፍልዩን ዘደንቕን ደስ ዘብል ክትገልጾ ዘይከኣል ተጓንፎ እንክብሉ ይገልጽዎን ንኣምላኽ ከከም እምነቶምን ብዝተፈላለየ ቋንቋ ድማ የመስግኑ ነበሩ፡ ኣብታ ኣብ ዒራቕ እታ ዝበዘሐ ማሕበረ ክርስቲያን ዝቕመጠላ ከተማ ቃራቖሽ ንቕዱሰንቶም ኣብ ምእንጋድ ዘርኣዮ ታሕጓስን ማሕበረ ክርስቲያን ዝተሰመዖ ውዕዉዕ ስምዒትን ፈጺሙ ዘይርሳዕ ኣብ ልቢ ሕዝብን ቤተ ክርስቲያ ኣብ ዒራቕን ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ልቢ ተሓቲሙ ዝተርፍ እዩ፡ ኣብኡ ቅዱስነቶም ነቶም በቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ብዝሰመየ ዳዒሽ ኣሸበርቲ ዝወረዶም ስቓይን ዝኸፈልዎ መስዋዕትነትን ክሳብ ክንደይ ከቢድ እውም ምንባሩ ዝገልጽ ቃል ምስክርነት ጽን ዝበሉ ቅድስነቶም ኣዴታትን ኣቦንታትን ደቃቶምን ኣሕዋቶም ዝተሰውእዎም፡ ምእንቲ እቶም ቀተልቲ እቕረታ እሓትት ክብሉ ክትሰምዕ ብሓቂ ዓወት ኣብ ይቕረ ምባል ምዃኑ ተመስክሪ እዩ። ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኩሎም፥ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ቅዱስነቶም ቅርበቶም ገሊጾም፡ በይንዅም ኣይኮንኵምን ዝብላ ቃላቶ፣ ኣብ ዝሰምዕ ዝነበረ ሕዝቢ የዕንቲ ንብዓት ይርአይ ከምዝነበረ እውን መኒከቲ ኣብ ዘቕረብዎ ሓታታ ኣዘኻኺሮም፥

ኣብቲ ቅዱስነቶም ናይ ዒራቅ ሓዋርያዊ መገሻኦም መዛዘሚ፡ ኣብታ ብዙሓት ናይ ውሽጢ ሃገርን ካብ ሶሪያን ዝመጹ ተመዛበልቲ ኣብ ዝተኣንገዱሉ ዞባ ኤራቓዊ ኩርድሳት ከተማ ዔርቢል ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ሜዳ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዒራቕ ዝተዋጽኡ ልዕሊ 10 ሺሕ ዝግመት ሕዝቢ ዝተሳተፎ ንቕዱስነቶም ናይ ዒራቕ ናይ ተስፋ ሰላምታ ዝተመስከረሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፡ ኵሎም ምስ ቅዱስነቶም ሓቢሮም ኣብ ልባቶም ብሓድሽ ዝተባራበረ ዝተፈለየትን ብልጽትን ዒራቕ ዝከኣል እዩ ብዝብል ተስፋ ጸልዮም ኣስተንቲኖምን ኣመስጊኖምን እዮም እንክብሉ መኒከቲ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Massimiliano Menichetti)

17 March 2021, 15:26