ድለ

ምጭንናቕ መጓዓዝያ ኣብ ሃገራት ዘስዕቦ ብከላ ከባቢ ኣየር ምጭንናቕ መጓዓዝያ ኣብ ሃገራት ዘስዕቦ ብከላ ከባቢ ኣየር 

ናይ ከተማ መጓዓዝያ ብማሕበረ-ሰብኣዊ መንፈስ

እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ናይ ከተማ መጓዓዝያ ዘተኮረ ከምዝነበረን እቲ ንመጓዓዝያ እንጥቀመሉ ዘበለ ኩሉ፥ ማሕበረ-ሰብኣውነት ዝብል ክኸውን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ስነ ማሓድሮን ተፈጥሮን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኣባ ጆሽትሮም ኢዛክ ኩረታዳም ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት መጓዓዝያን ለውጥታትን ቦታን ኩሉ ብመንጽር ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ መደረ ከምዘስምዑን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባ ኩረታዳም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ናይታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ መሰረታዊ ኣምር ብሰፊሕ ከምዘብርሁን እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ንምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና እትዕድም ጥራሕ ዘይኮነት ንምክንኻን ዝድርኹ መገድታት እውን እተመላኽትን ኵለ መዳያዊ ሰብኣዊ መነባብሮ ነቲ ናይ ሓባር ቤትና ምክንኻን ዘማእከለ ኮይኑ ክቐውም ከምዘለዎ እትላበው እውን እያ፥ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ማሓድሮኣዊ ብከላ ኣብ መነባብሮና ሱር በተኻዊ ለውጢ ክንገብር ዝሓትት እዩ፡ ብቐሊሉ እቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ዝኽሰት ምዝባዕ ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ግምት ምሃብ እኹል ምዃኑ ከምዘመላኸቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣገባባትና ክንቅይር ዝጠልብ ኵነት

ኣባ ኩረታዳም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብቲ ናይ ከተማ መጓዓዝያ ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እንኽተሎ መገዲ ልምዓት ናይ መሬትን ናይ ድኻታትን ገዓር ግምት ብዝህብ ኣገባብ ንኽንቅይሮ ህጹጽ ጻውዒት እዩ፡ ነዚ ገዓር እዚ ዕሽሽ ምባል ንዅላትና ጥፍኣት እዩ ዝኸውን፥ ብማሕበረ-ሰብኣውነት ምንቅስቓስ የድሊ፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ናይ ከተማ መጓዓዝያ ዘተኮረ ከምዝነበረን እቲ ንመጓዓዝያ እንጥቀመሉ ዘበለ ኩሉ፥ ማሕበረ-ሰብኣውነት ዝብል ክኸውን ከምዘለዎን፥ ከባቢ ኣየር ዝብክል መጓዓዝያ ምትካእን ከባቢ ኣየር ዘይብክል መጓዓዝያ ምጥቃም ምስፋሕን ብሓጺሩ ናተይ ናትካ ዘይትብሎ መጓዓዝያ፥ ንሓባርን ናይ ሓባርን ክኸውን ዝብል ሓሳብ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ከምዘስመረሉ ይሕብሩ።

ቁጡብነትን ኣገዳስነትን

ናይቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ መቐጸልታ ዕለት 24 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ብመረብታዊ ውሕዘት ክካየድ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም፥ ንመጻኢ ወለዶ እንታይ ዓይነት ዓለም ኢና ሕዲግናሉ ንኽንሓልፍ እንደልይ፥ ነዚ ሕቶ ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ካብቲ ኣነ ዝብል ናብቲ ንሕና ዝብል በዓል ቤታውነት ምባል የድሊ፥ ማሕበራዊ መንፈስ ምትብብዕ የድሊ ምስ በሉ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓቢይ ጾም ቁጥብነትን ኣብቲ ኣገዳስን ብምትኳር ምንባር ንመሃር፡ ዓቢይ ጾም ንገዛእ ርእሱ እውን ንምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘተባብዕ እዩ፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ብቁጥብነትን በቲ ዘገድስን ምብኻን ዘብይብሉ ኣብቲ ኣገዳሲ ብምትኳር ገዛእ ርእስናን ብጻይናን ከባቢናን ንኽንበር ዘተባብዓና እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

20 February 2021, 16:34