ድለ

ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ  

ው.ሕ. መንግስታት ዓለም፥ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ሰላማዊ ሕዝቢ ኣብ ሓደጋ

ኣብ 2020 ዓ.ም. ብውሕዱ ክልተ ሺሕ ሰላማዊ ዜጋታት ኣብ ናይ ኢቱሪ ዞባ ሰሜናዊ ምብራቕ ብፍላይ ኣብ ስሜንን ደቡብን ኪቩ ከምእተቐትሉን ሕዝቢ ብተደጋጋሚ ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ውሽጢ ጉጅለታት ዕጡቓት ሓይሊ ብዝወርዶ መጥቓዕቲ ንዝሰንብድ ስግኣት ዝተቓልዔ ከምዝኾነን

ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዕጡቓት ሓይሊ ብዝፍጽምዎ ጭካኔ ዝተመልኦ መጥቃዕቲ ምኽንያት ናይ ሰላማዊ ህዝቢ ኵነታት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝርከብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ መዝነት ከምዝሓበረ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልንትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ መዝነት ብዛዕባ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዝሃቦ ሓበሬታ ዝተፈላለየ መዓት ዘመላኽትን ህዝቢ ንሞትን ምዝብልናን ዝድርኽ ከምዝኾነን፡ ኣብ 2020 ዓ.ም. ብውሕዱ ክልተ ሺሕ ሰላማዊ ዜጋታት ኣብ ናይ ኢቱሪ ዞባ ሰሜናዊ ምብራቕ ብፍላይ ኣብ ስሜንን ደቡብን ኪቩ ከምእተቐትሉን ሕዝቢ ብተደጋጋሚ ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ውሽጢ ጉጅለታት ዕጡቓት ሓይሊ ብዝወርዶ መጥቓዕቲ ንዝሰንብድ ስግኣት ዝተቓልዔ ከምዝኾነን፡ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ክልተ ዓመታት ብውሑዱ ሓሙሽተ ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ካብቲ ዝተወለደሉን ሕይወቱ ዝመርሓሉን ከባቢኡን ቤቱን ሓዲጉ ንኽመዛበል ከምእተገደ እውን እቲ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሓበሬታ የመላኽት።

ነቶም ዝመዛበሉ ድጋንፍ ንምቅራብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተል መዝነትን ዓለም ሓቆፍ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ተዓዛቢ ኣካልን ዝተፈላለዩ መደባት ዘሳልጥ እውን እንተኾነ እኹል ከምዘይኮነን፡ ቁጽሪ ዝስደዱ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ክብ ይብል ምህላዉን፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዜጋታት ዝወርድ መጥቓዕ ሕጂ እውን ይቕጽል ከምዘሎን ኣባይትን ኣባይት ሕንጸትን ሕክምና መውሃቢ ማእከላትን ዒላማ ዝገበረ መጥቓዕቲ እውብ ብምዃኑ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኵለ መዳያዊ ጸገም የስዕብን ናብ ከባቢኦም ንኽምለሱ ዝደልዩ ዜጋታት እውን በቶም ዕጡቓት ሓይሊ ዘይሕጋዊ ክፍሊት ግብሪ ከምዝሕተቱን እዚ እቶም ዕጡቓት ሓይሊ ብቝጠባ ገዛእ ርእሶም ካብ ዝድግፍሉ ዝተፈላለየ ዘይሕጋዊ ተግባራቶም ሓደ ምዃኑ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ መዝነት ኣብ ኢጣሊያ ወሃቢት ቃል ካርሎታ ሳሚ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ኣመላኺተን፡ ስእነት መግብን ስእነት ኣገልግሎት መውሃቢ እናሰፍሔ ይኸይድ ከምዘሎን ኣብ ሰሜናዊ ምብርቕን ኣብ ሰሜን ኪቩ ዘሎ ህልው ኩነታት ኣዚዩ ዘሰክፍ ምዃኑ ይሕብራ።

ሰሜን ኪቩ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ናይ ጭካኔ ስፍራ ኮይኑንን ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይሊ ዘስካሕክሕ መጥቓዕቲ ዝፍጽምሉን ናይ መንግስቲ ሓይሊ ምክልኻል እውን ንኽቆጻጸሮምን ብዙሕ ዝጽዕር እውን እንተኾነ ከምቲ ዝድለይ ውጽኢታዊ ኣይኮነን፡ ኣብ 2019 ዓ.ም. ሓደ ሚሊዮን ዜጋታት ከምእተመዛበሉን ካብ ታሕሳስ 2020 ክሳብ ጥሪ 2021 ዓ.ም. ዕጡቓት ሃይሊ ዝፍጽምዎ ሃንደበታዊ መጥቓዕቲ ኣዚዩ ክብ ከምዝበለን ልዕሊ 88 ሺሕ ዜጋታት ንምዝብልና ከምዝዳረጉን የመላኽታ።

18 February 2021, 21:09