ድለ

ናይ ተቓውሞ ኣድማ ኣብ ሞቓዲሾ 2021 ናይ ተቓውሞ ኣድማ ኣብ ሞቓዲሾ 2021 

ሶማሊያ ኣብ ሕንፍሽፍሽ፥ ብደጋዊ እደ ኣትውነት ትዳኸም

ንነዊሕ ዓመታት ምርግጋእ ዘይረኣየላን ሕድሕዳዊ ግጭት ዝካየደላን ኣብ ልዕሊ እዚ እውን እቲ ዕለት 8 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ክካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ሕዝባዊ ምርጫ ብምኽንያት ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ-19 ክሰጋገር እቶም ካብ 2017 ዓ.ም. ኣትሒዞም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ናይ ፈደራላዊት ሶማል ርእሰ

ኣብ ሶማሊያ ንኽካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ሕዝባዊ ምርጫ ምስግጋሩ ኣብታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ኣድማ የለዓዕል ምህላዉ ይንገር፡ እቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ንሞት ዝዳረገን ብዙሓት ንማህሰይቲ ሃደጋ ዘቃልዔን ብርቱዕን ከቢድን ተጓንፎታት ኣብ ሞቓዲሾ ከምእተረአየን፡ እቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ውጡር ኵነት ንውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣዚዩ ከምዘሰከፎን ናይታ ሃገር መንግስቲ ሓድሽ ሕዝባዊ ምርጫ ዝካየደሉ ዕለት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክሕብር ጻውዒት ከምዘቕረበን ብዙሓት ናይ ስነ ኣፍሪቃ ፈላጣት ከምዝብልዎ እውን ሓደ ካብቶም ጠንቅታት ዘይምርግጋ ሶማል ናይ ወጻኢ ሃገራት እደ ኣታውነት ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝአካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዘመላኸቱ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ስተፋኖ ለስቺንስክይ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሶማሊያ ካብተን ኣብ ወሰናስን ምድሪ ዝርከባ ሃገራት ሓንቲ እያ፡ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ “ሳልሳይ ውግእ ዓለም እናተኾላለፈ” ካብ ዝካየደለን ሃገራት እውን ሓንቲ ክትከውን እንከላ፡ ንነዊሕ ዓመታት ምርግጋእ ዘይረኣየላን ሕድሕዳዊ ግጭት ዝካየደላን ኣብ ልዕሊ እዚ እውን እቲ ዕለት 8 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ክካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ሕዝባዊ ምርጫ  ብምኽንያት ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ-19 ክሰጋገር እቶም ካብ 2017 ዓ.ም. ኣትሒዞም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ናይ ፈደራላዊት ሶማል ርእሰ ብሔር ሞሓመድ ኣብዱላሒ ሞሓመድ ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ብርቱዕ ዓመጽ ዝተመልኦ ሕዝባዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዘለዓዓለ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ለስቺንስክይ ኣስዒቦም፥

ብወጻኢ ሓይልታት ዝምራሕ ዘይምርግጋእ

ድሕሪ እቲ ብቐጻሊ ዝርአይ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ኣብ ሶማሊያ ብርቱዕ ግዳማዊ ድላይ ከምዘሎ ዳርጋ ዝተፈላለዩ ናይ ስነ ኣፍሪቃ ሊቃውንቲ ዝሰማምዑሉ ትንታነ እዩ፡ እታ ሃገር በቀማምጣ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካን ኤኮኖምን ሃብታም ክነሳ እዚ ሃብትታታ ብናይ ወጻኢ ሓይልታት እደ ኣታውነት ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ ንዝኸይድ ዘሎ ውጥረትን ዝርአይ ዓጸቦን ድኽነትን ክትቃላዕ ይገብራ ምህላዉ ዛዕባ ዓለም ሓቆፍ ጉዳያት ዘጽንዕ ተቕዋም ኣመሓዳሪ ፕሮፈሰር ኒኮላ ፐደ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣብሪሆም፡ ውልቃዊ ረብሓታቶም ንኸርዉዩ ዝደልዩ ጉጅለታት ሶማሊያ ኣብ ዘይምርግጋእ ክትነብር ድላዮም እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ዓለም ሓቆፍ ረብሓታት

ዝተፈላለዩ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ንኣብነት ቱርክን ቃጣርን ኤሚራት ዓረብን ኣብ ሶማሊያ ብርትዕ ተገዳስነት ከምዘርእያን ብኻልእ ሸነኽ እውን ኬንያን ገለ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ከም ዓባይ ብርጢንያ እውን ተመሳሳሊ ድላይ ካብ ዘለወን ሃገራት ዝጥቀሳ እያተን፡ ስለዚህ ረብሓታተን ከይጐድለን ናይ ሶማሊያ ማእከላዊ ፈደራላዊ መንግስቲ ክዳኸም ድላየን እዩ ዝመስል፡ እቲ ቁጠባዊ ረብሓ ምስቲ ኣገዳሲ ናይ ጸዓት ጸጋታት ብፍላይ ጸዓት ነዳዲ ንምቁጽጻር ዝብል ድላይ ሓደ ናይቲ ዘይምርግጋ ጠንቂ እዩ፡ ንኣብነት ኣብ መንጐ ኬንያን ሶማሊያን ዘሎ ናይ መሬትን ናይ ባሕሪ ዞባታትን ምስ ናይ ገለ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ውልቃዊ ረብሓ ዝተኣሳሰረ  ናይ ይግባኣኒ ሕቶ ዘለዓዕሎ ውጥረት እውን ንገዛእ ርእሱ ንናይታ ሃገር ዘይምርግጋእ ዓቢይ ምኽንያት ምዃኑ ፕሮፈሰር ፐደ ከምዘመላኽቱ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ለስቺንስክይ የመላኽቱ።

መልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ ሶማሊያ

ብሓጺሩ ሶማሊያ ከምተን ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ መልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣኣ ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ውልቃዊ ረብሓ መስህብ ብምዃኑ ንብዙሕ ጸገም ክትቃላዕ ይገብራ፡ መልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣኣ ንናይ መራኽብ መተሓላልፎ ዓቢይ ኣገዳሲ ናይ ባሕሪ በሪ ዘለዋ እውን ብምዃና እዚ ኹሉ ንዝተፈላለይየ ጸገም ንኽትቃላዕ ዝገብራ ኮይኑ፡ እታ ሃገር ድኹም መንግስቲ ክህልዋ ናይ ወጻኢ ሃገራት ድላይ እውን ምዃኑ ፐዳ ገሊጾም፥

ድልዱል ፈጻሚ ኣካል ዘድልያ ሃገር እያ

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታታ ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ከምዝበልዎ፥ ሶማሊያ ናብ ጉደና ሰላም ንኸተብል ዝመርሓ ናይቲ ኩሉ ጸገማት ኣናስር ብምልላይ እቲ ፈደራላዊት ንኽትከውን ብጸቕጢ ኣብ ልዕሌኣ ዝተነብረ ናብ ምብትታን ዝድርኻ ዘሎ ፖለቲካዊ ራእይ ዘስዕቦ ጸገማት ኩሉ ካብ ስሩ  ምፍትሒ ክረብል ዝዓዪ ድልዱል ፈጻም ኣካል ዘድልያ ሃገር እያ፥ ስለዚህ ነዚ ክፍጽም ዝኽእል መንግስቲ ንምቛም ዘኽእል ሕዝባዊ ምርጫ ክካየድ መታን ምቹእ ባይታ ምፍጣር ዝብል ሓላፍነት ዝስምዖ ፖለቲካ ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ለስቺንስክይ ሓቢሮም።

26 February 2021, 16:36