ድለ

ናይጀሪያ፥ 300 ደቀንስትዮ ተመሃሮ ተጨውየን ናይጀሪያ፥ 300 ደቀንስትዮ ተመሃሮ ተጨውየን 

ናይጀሪያ፥ ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርት ብዝተፈጸመ መጥቓዕትን 300 ደቀንስትዮ ተመሃሮ ተጨውየን

ኣብ ናይጀሪያ ከምዚ ዓይነት መጥቓዕትን ተመሃሮ ምጭዋን ብተድጋጋሚ ዝፍጸም ግብረ ሽበራ ምዃኑ ክንገር እንከሎ

ኣብ ናይጀሪያ ኣብ ግዝኣት ዛምፋራ ኣብ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ ሓድሽ መጥቓዕቲ ልዕሊ 300 ደቀንስትዮ ተመሃሮ ከምእተጨወያ፡ ካብ ናይጀሪያ ዝወጸ ሓበሬታ ዝጠቐሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎ ሞንኰ ሓቢሮም፥ ከምዚ ዓይነት መጥቓዕትን ጨወያን ኣብታ ሃገር ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ቅድም ቢሎም ኣብቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝርከበሉ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ናይ ሓይሊ ጸጥታን ወተሃደራዊ ኑቕጣን መጥቓዕቲ ከምዝፈጸሙን ገንዘብ ንምርካብ እውን ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ናይቲ ግብረ ጨወያ ተሓተቲ ኢና ዝብል መልእኽታት ይፍንዉ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ግብረ ጨወያ

ኣብ ናይጀሪያ ከምዚ ዓይነት መጥቓዕትን ተመሃሮ ምጭዋን ብተድጋጋሚ ዝፍጸም ግብረ ሽበራ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካልእ ቤት ትምህርቲ ተመሳሳሊ መጥቓዕቲ ተፈጹሙን 42 ሰባት ከምእተጨውዩን ኣብ ወርሒ ታህሳስ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ናይጀሪያ ኣብ ዝርከብ ተቕዋም መጥቓዕቲ ተፈጺሙን 300 መንእሰያት እውን ከምእተጨውዩን ዘዘኻኸሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሎ ሞናኰ ኣስዒቦም፥ እቶም ዝተጨውዩ ንምልቃቕ ምስ ናይ መንግስቲ ኣካላት ብርሑቕ ድሕሪ ዝተካየደ ዘተ ናጻ ከምእተለቁ የመላኽቱ።

ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ግብረ ጨወያ ዘሕድሮ ፍርሒ

ኣብ ናይጀሪያ እቲ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም መጥቓዕትን ግብረ ጨወያን ፍርሒ ካብ ምዃን ሓሊፉ ብዙሓት ተመሃሮ እውን ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ከቋርጹ ይድርኽ ከምዘሎ ናይ ኣቡጃ ሊቀ ጳጵሳት ብጹዕ ኣቡነ ኢግናዚዩስ ካኢጋማ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ መቃበለት ሓቢሮም ሕዝቢ ብዕጡቓት ጒጅለታት መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምናን  ብዝተፈላለዩ ናይ ገበን ጉጅለታት ከይጥቃዕ ብምስጋእ ይነብር ከምዘሎን መንግስቲ ናይ ዜጋታት ጸጥታን ደሕንነትን ውሑስ ኣብ ምግባር ኣበርቲዑ ክዓዪ ዜጋታት ጻዋዒት የቕርቡ ኣስለዉ ኢሎም። 

27 February 2021, 20:19