ድለ

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ሕንጻ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ሕንጻ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ሕንጻ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ

ካብ ሎስ ኣንጀለስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ኾሰ ሆራሲዮ ጐመዝ ኣብቲ ነቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ዘወግዝ ድምጺ ሓቢሮም፥ “እቲ ዝተራእየ ዓመጽ ከም ኣመሪካውያን ዝገልጸና ኣይኮነን፡ ሰላማዊ ናይ ስልጣን ስግግር ትእምርቲ መለለይና እዩ”

ዕለት 6 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ናይ ህዝባዊ ባይቶን ሓጋጊ ላዕለዋይ ቤት ምኽርን ሕንጻ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ደገፍቲ ከቢድ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን ሞትን ማሕሰይትን እውን ከምዘስዓበን ርእሰ ብሔር ትራምፕ ደገፍቶም ነቲ ዘካይድዎ ዘልዉ መጥቃዕቲ ኣቋሪጾም ናብ ቤቶም ክምለሱ ጻውዒት እውን እንተቐርቡ ኣተሓሒዞም እውን እቲ ዝተኻየደ ምርጫ ዝተደናገረ ምዃኑ ኵላትና ንፈልጦ ኢና፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ስዒርና ዝብሉ ካባና ንላዕሊ ዝፈልጥዎ እዩ ከምዝበሉን፡ እቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ምሉእ ብምሉእ ብኾሎም ናይታ ሃገር ናይ ፖለቲካ ኣካላት ከምእተኾነነ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ርእሰ ከተማ ዋሽንግቶን ናይ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ደገፍቲ ካብ ዝኾኑ ኣብቲ ካፒቶል ሂል እተሰምየ ናይ ጉባኤ ሕንጻ ናይታ ሃገር ናይ ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣባላት ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ዝሰዓሩ ጆኤ ባይደን ከምዝሰዓሩ ንምምስካር ኣኼባ እናካየይደ እንከሎ ናብ ውሽጢ እቲ ሕንጻ ብምእታው መጥቓዕቲ ከምዝፈጸሙን፡ ኮሎም ናይ ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣባላትን ኣባላት ሕዝባዊ ባይቶ እውን ናይ ጸረ ጋዝ ጭምብል ከጥልቑን ነቲ ሕንጻ ሓዲጐም ንኽወጹ ብሓይሊ ጸጥታ ከምእተሓበሮምን እቶም ኣድመይናታት ናብ ናይ ሕዝባዊ ባይቲ ሕንጻ ምስ ኣቕንዑ ብዝተፈጥረ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ሁከት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠመን 13 ሰባት ማሕሰይቲ ከምዝወረዶምን ካብቶም ኣደምይናታት 52 ከምእተኣሰሩን ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ዋሽንግቶን ከንቲባ ንኽልተ ሰሙን ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ከምዝኣወጁን እቲ ድንጋጌ ጆን ባይደን ብወግዒ ናይ ርእሰ ብሔር ስልጣኖም ክሳብ ዝርከቡላ ዕለት ብትኽክል ክሳብ ዕለት 20 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ዝቕጽል ኮይኑ ኣብታ ዕለት እቲኣ ተመሳሳሊ ውጥረት ክፍጠር ከምዝኽእልንዘሎ ስግኣት ግምት ዝሃበ ውሳኔ እውን ምዃኑ ይንገር።

እቲ ኣብ ዋሽንግተን ክፍጸም ዝተራአየ ሁከትን መጥቓዕትን ዳርጋ ንመላእ ዓለም ከምዘገረመን፡ ኣብ ኣሪዞና ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ህዝባዊ ባይቶ ኮነ ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ንዝቕረቦ ናይ ተቓውሞ ሕቶ ውድቂ ምስ ኮነ ማይክ ፐንስ መርሕነት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ነፈሲ ወከፍ ግዝኣት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተወሃበ ድምጺ ባይደን ከምዝሰዓሩ ኣመስኪሮም ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጳጳሳት ድምጺ

ካብ ሎስ ኣንጀለስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ኾሰ ሆራሲዮ ጐመዝ ኣብቲ ነቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ዘወግዝ ድምጺ ሓቢሮም፥ “እቲ ዝተራእየ ዓመጽ ከም ኣመሪካውያን ዝገልጸና ኣይኮነን፡ ሰላማዊ ናይ ስልጣን ስግግር ትእምርቲ መለለይና እዩ” ቢሎም ቅድስተ ማርያም ሃገረ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ናይ ጥበብ ኣብ ጥዑይ እውነተይናን ሃገራውነት ጐደና ከተብል መታን ከምዘማሕጸኑን፡ ናይ ዋሽንግቶን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ዊልቶን ግረጎርይ፥ “ካብ ዝሓለፈ እዋን ዝተበገሰ ናይ ሕድ ሕድ ምውግጋዝን ምውቕቓስን ዝምባለ ካብ ፖለቲካ መድርኽ ክውገድ ኣለዎ፡ እቶም መጣቖሲ ዝኾነ ጣቋ መደረ ከም መጋበርያ ዝጥቀሙ ኣካላት ናይቲ ዘብጽሓና ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ኣብ ሃገርና ኣስተውዒሎም ሓላፍነት ክስምዖን እዕድም” እቲ ሕግን ናይ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ጉዳይ ምኽክር ዝግበረሉን ዝወሰነሉን ዝተባርከ ሕንጻ ምኽባር ይግባእ . . . ናይቶም ዝተሓርዩ ናይ መንግስቲ ኣካላትን ሰራሕተይናታትን ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ዘካይዱን ናይ ሓይሊ ምክልኻልን ድሕንነት ውሑስ ክኸውንን ኵሉ ናይ ደሞክራሲ ክቡራት ዋጋን ናይ ሓባር ረብሓን ኣብ ምኽባር ክተሓባበር” እንክብሉ ጻውዒት የቕርቡ፡ ናይ ቺካጐ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ብላሰ ጆሰፍ ኩፒች ትዊተር ኣብ እተሰምየ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ነቲ ዝተፈጸመን መላእ ዓለም ብቐጥታ ዝተዓዘቦን ዘሕዝን ተግባር “ሃገራዊ ሕፍረት” እንክብሉ ገሊጾም፡ “ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ንኹሎም ኣመሪካውያንን ነቲ ዝተፈላለየን ዘገራጨው ኣመለኻኽታ ብምቅርራብ መፍትሒ ዘናድይ ፖሊቲካ እውን እዩ” እዚ ብዙሕ ጊዜ ንሓደጋ ነቃልዖ ዘሎና ዝኸበረ ናይ ደሞክራሲያዊ ባህልና መግለጺ እዩ፡ ዝብል መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

Pax – Christi - ሰላመ ክርስቶስ

ናይ ማሕበረ ሰላመ ክርስቶስ ኣብ ኣመሪካ ናይ ወሳኒ ሽማግለ ኣመሓዳሪ ጆን ዞኮቪት፥ “እቲ ኣብ ናይ ሕዝባዊ ባይቶን ሓጋጊ ባይቶን ርእሰ ብሔር ኮይኖም ዝሰዓሩ ዝምስክር ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ዝተፈጸመ ግብረ ዓመጽ ናይቶም “ናይ ርእሰ ብሔር ትራም ግብረ ለመጭን ብዙሕ እዋን ግምት ዘይተወሃቦን ሸለል ክበሃልን ዝጸንሔን ወይ ውን ናይ ዝድግፍን ዘተባብዑ ፖለቲካን መራኸቢ ብዙሓንን ኣባይቲ ስድራን ውድቀትን ውጽኢት እዩ” ቢሎም ኣስዒቦም እውን፥ “እቶም ርእሰ ብሔር ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ዕለት 20 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ተልእኾኦም ናይ ዘብቅዕ ሓላፍነት ምዃኑ ክርድኦም እናተገበአም ኣንጻር እቲ ዝተቐበልዎ ሓላፍነቶም ናይ ዝዓዩ ሓላፍነት እውን እዩ፡ እቲ ኣብ ናይ ሕዝባውን ሓጋጊ ላዕለዋይ ባይቶም ዝተፈጸመ ዓመጽ ዘጉህን ናይቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ተሓታቲ ሓላፍነት ፍሉጡ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ። 

08 January 2021, 22:23