ድለ

ሱዳንን እስራኤልን “ኣብርሃም” እተሰምየ ውዕሊተፈራሪመን ሱዳንን እስራኤልን “ኣብርሃም” እተሰምየ ውዕሊተፈራሪመን 

ሱዳንን እስራኤልን “ኣብርሃም” እተሰምየ ውዕሊ ተፈራሪመን

ምኑቺን ኣብ ሱዳን ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ምስ ርእሰ ብሔር ጀነራል ኣብደል ፋታሕ ኣል - ቡርሃንን ምስ መራሔ መንግስቲ ኣብዳላ ሓምዶክን ከምእተራኸቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ኤኮኖሚያዊ ምንቁልቋል ሱዳንን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓገዝ ንሱዳንን

ሱዳን ካብተን ናይ ኣሸበርቲ ደጋፍያን ሃገራት ተባሂለን ኣብ ጸሊም መዝገብ ኣስማተን ካብ ዝሰፈራ ሃገራት ኮይና ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ካብቲ ሰነድ ስማ ክእምተሰረዘን ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መንጐይናነት ካብ ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤት ሓገዝ ክትረክብ ምዃናን ካብ ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብ ድሕሪ ባሕራይንን ኤሚራት ዓረብን ሞሮኮን ቀጺላ ምስ እስራኤል ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክባተን ካብ ዘቖማ ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሱዳን ዕለት 6 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ምስ እስራኤል ዲፕሎማሲያዊ - ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ናብ ንቡር ዘምልስ ኣብርሃን እተሰምየ ናይ ሓባር ውዕሊ ተፈራሪማ። ምስቲ ኣብርሃም ውዕሊ ተተሓሒዙ እውን ካልእ ፍልይ ዝበለ ሱዳን ኣብ ዓመት ካብ ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤት ሓደ ሚሊያርድ ዶላር ሓገዝ ክትረክብ ዝገብር ውዕሊ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ስተቨን ምኑቺን ኣብ ሱዳን ንወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዝተረኽብሉ እዋን ብዘካይድዎ መንጐይናነት ከምእተፈረመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ከቢድ ፖለቲካዊ ስግረት

ምኑቺን ኣብ ሱዳን ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ምስ ርእሰ ብሔር ጀነራል ኣብደል ፋታሕ ኣል - ቡርሃንን ምስ መራሔ መንግስቲ ኣብዳላ ሓምዶክን ከምእተራኸቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ኤኮኖሚያዊ ምንቁልቋል ሱዳንን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓገዝ ንሱዳንን ናይታ ሃገር ናይ ወጻኢ ዕዳ ምጉዳልን ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ምይይጥ ምክያዱ መንግስቲ ካርቱም ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሱዳን ኣብዚ እዋን እዚ ድሕሪ 2019 ዓ.ም. ነታ ሃገር ንሰላሳ ዓመት ዝመርሑ ርእሰ ብሔር ኦማር ኣል ባሺር ድሕሪ ነዊሕ ናይ ሕዝቢ ተቓውሞ ካብ ስልጣን ዓልዩ ዝመርሕ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ስግረት ጽንኩር ክመዝኾነን፡ እቲ ወሳኒ ኣካል ኣብዚ እዋን እዚ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ኣዚዩ ናብ ዝኸፍኤ ደረጃ ዘብል ዘሎ ከቢድ ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው ዘሰክፎ ከምዝኾነን ኣብ ናይታ ሃገር ባጤራ ከቢድ ናይ ዋጋ ክብሪ ምንቁልቋልን ዘሰንብድ ዝቕባበን የስዕብ ከምዘሎ የመላኽት።

ዕድላት ኣብ ደረት ትርኢት

ኣብዚ እዋን’ዚ ሱዳን ትፍጽሞ ዘላ ለውጢ ሃብታም ዝኾነ ዕድል ዝዓቖረ ምዃኑ እዩ ዝንገር፡ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ መድረኽ ሱዳን ናብ ንቡር ርክባታ ኣብ ምምላስ ከምእትርከብን ድሮ ካብቲ ደገፍቲ ኣሸበርቲ ተባሂለን ኣስማተን ኣብ ጸሊም መዝገብ ካብ ዝሰፈራ ሃገራት ተሓኺኻን ኣብ ልዕሊኣ ተደንጊጉ ዝነበረ ማዕቅብ ኤኮኖሚ ከምእተወገደን እዚ ዝተኸወነ ምስ እስራኤል ርክባታ ናብ ንቡር ኣብ ዝምለሰሉ እዋን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሓፈሻዊ መቓን

እቲ ዕለት 6 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ሱዳንን እስራኤልን ዝተፈረም ናይ ስምምዕ ሰነድ፥ ካብተን 22 ሃገራት ዝጥርንፍ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ውሽጢ ምስ እስራኤል ስምምዕ ካብ ዘቖማ ሳልሰይቲ ሃገር ንምዃን ከምዘብቀዓትን ነቲ ውዕሊ ኣብርሃም ቅድሚ ሱዳን ዝፈረማ ናይ ዓረብ ሃገራት ማሕበር ኣባላት ኤሚራት ዓረብ ባሕረይንን ዕለት 15 መስከረም 2020 ዓ.ም. ከምኡ እውን ሞሮኮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ምስ እስራኤል ርክባታ ዘቖመትን ስነ ሜላዊ ርክባታ እውን ናብ ንቡር ከምዝመለሰትን እቲ ምስ ሱዳን ዝተበጽሔ ስምምዕ ንገዛእ ርእሱ ኵነታት ማእከላይ ምብራቕ ናብ ንብሩ ንኽምለስ ካብ ዝድግፉ ረቛሒታት ሓደ ምዃኑ ናይ እስራኤል ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ጋቢ ኣሽከናዚ ከምዘፍለጡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ስምምዕ ንኽብጻሕ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ስምምዕ ንዘቑማ ሃገራት ሓለፋዊ ናይ ኤኮኖሚ ምትሕብባር ክትገብር ምዃና ዝኣተወተቶ ቃል ዓቢይ ሓገዝ ከምዝኾነን ሞርኮ ነቲ ስምምዕ ብምኽዋና ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምዕራባዊ ሳሓራ ናይ ሞሮኮ ክፍሊ እዩ ዝብል ኣፍልጦ ከምዝሃበሉ ከም ኣብነት ዝጥቀውስ ኮይኑ ኣብ መንጐ እስራኤልን ካልኦት ዓረብ-እስላማውያን ሃገራት ናብ ተመሳሳሊ ውዕሊ ክብጻሕ ከምዝኽእልን ንኣብነት ኣብዚ እዋን’ዚ ዋላ’ኳ ብዙሕን ነዊሕን ጻዕሪ ዝሓትት ይኹን ብዙሓት ካልኦት ዓረብ እስላማውያን ሃገራት ናብቲ ስምምዕ ገጸን ይስጉማ ከምዘለዋ እዩ ዝንገር እንክብል ዜና ቫቲካን የመላኽት።

12 January 2021, 16:19