ድለ

ደቡብ ሱዳን፥ ሓደ ሚሊዮን ዝግመቱ ሕጻናት ንስእነት መግቢ ይቃልዑ ደቡብ ሱዳን፥ ሓደ ሚሊዮን ዝግመቱ ሕጻናት ንስእነት መግቢ ይቃልዑ 

ደቡብ ሱዳን፥ ሓደ ሚሊዮን ዝግመቱ ሕጻናት ንስእነት መግቢ ይቃልዑ

ናይቲ ዝርአይ ዘሎ ስእነት መግብን ጽንኩር ሰብኣዊ ኩነትን መንቀሊ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ሓደጋ ምዕልቅላቕ ማይን ዓመጽ ኣብ መንጐ ማሕበረሰብ እታ ሃገርን ከምቲ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ዘጋጥም ዘሎ ምንቁልቋል ኤኮኖምን ማሕታ ለብዒ ኮቪድ - 19ን ከምዝኾነ

ኣብ ደቡብ ሱዳን ብውሑዱ ሓደ ሚሊዮን ዝግመቱ ሕጻናት ንስእነት መግቢ ሓደጋ ከምእተቓልዑን ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ ኩነታቶም ኣዚዩ ጽንኵር ክኸውን ከምዝኽእል ዓለም ሓቆፍ ኣድሕን ሕጻናት ማሕበር ሓቢሩ፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነዚ ዓቢይ ስግኣት’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሕጹጽ ሰብኣዊ ሕገዝ ኣብ ምቕራብ ክተግህ ጻውዒት ከምዘቕረበ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ብፍላይ ከኣ እቶም ኣብ ከቢድ ድኽነት ዝርከቡ ንዝኸፍኤ ሓደጋ ስእነት መግቢ ከምእተቓልዔን፡ እዚ ሓደጋ እዚ ከስዕቦ ዝኽእል ዘሰንብድ ሰብኣዉ ህልቂት ብዓንተውኡ ንምብዳህ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ጉዳይ ዝከታታላ ማሕበራት ብሓባር ጻውዒት ከምዘቕረባን፡ ኣብ ዘውጸኦኦ ናይ ሓባር መግለጺ ልዕሊ ሽድሽተ ሚሊዮ ዝግመት እዚ ኸኣ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ሱዳን 53 ሚእታዊ ዝሽፍን ንኸቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዑ ከምዝርከብን ካብቲ ኣብ 2020 ዓ.ም. መባእታ ዝነበረ ኩነት እውን ብዓሰርተ ሚእታዊ ክብ ከምዝበለ ካብቲ ዝቐረበ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይን ዓመጽን ለብዕን

ናይቲ ዝርአይ ዘሎ ስእነት መግብን ጽንኩር ሰብኣዊ ኩነትን መንቀሊ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ሓደጋ ምዕልቅላቕ ማይን ዓመጽ ኣብ መንጐ ማሕበረሰብ እታ ሃገርን ከምቲ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ዘጋጥም ዘሎ ምንቁልቋል ኤኮኖምን ማሕታ ለብዒ ኮቪድ - 19ን ከምዝኾነን ኣብ ልዕሊ ናይ ሕርሻ ምህርትን ናይ ምርባሕ ዘቤት እንስሳን ኣብ ኤኮኖምን ኣብ ክንክን ጥዕናን ከቢድ ቅልውላው ከምዘስዓበን ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 2020 ዓ.ም. ዘጋጠመ ምዕልቅላቕ ማይ ን856 ሺሕ ህዝቢ ከምዘጥቀዔን ካብእቶም ኣርባዕተ ሚእቲ ሺሕ ሕዝቢ ከምእተመዛበሉን በማኢት ኣሽሓት ዝግመቱ ሕጻናት ንስእነት መግቢ ከምዘቃለዔን ሕጹጽ ረድኤት እንተደኣ ዘይረኸቡ ንሓደጋ ሞት እውን ከምእተቓልዑ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መግለጺ የመላኽት፥ እቲ ንሕጻናት ዝሓልይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር እውን ነዚ ዅሉ ስዒቡ ከጋጥም ዝኽእል ከቢድን ዘስካሕክሕን ሰብኣዊ ጸገም እንታይ ክመስል ክምዝኽእል ብዓንተዉ ኣፍሊጡ፥ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ንሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ሕጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርብ ጻውዒት ከምዘመሓላለፈ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 December 2020, 19:14