ድለ

ሶሪያ፥ ኣልባናውያን ሕጻናት ደቂ ነበር ጅሃዳውያን ኣባላት ዳዒሽ ናብ ሃገሮም ሶሪያ፥ ኣልባናውያን ሕጻናት ደቂ ነበር ጅሃዳውያን ኣባላት ዳዒሽ ናብ ሃገሮም 

ሶሪያ፥ ኣልባናውያን ሕጻናት ደቂ ነበር ጅሃዳውያን ኣባላት ዳዒሽ ናብ ሃገሮም

እቲ ዓቢይ ጸገም ኮይን ዘሎ ብዙሓት ሃገራት ነቶም ነበር ኣባላት ዳዒሽ ዝኾኑ ኣብ ሶሪያ ኣብ ጐድኒ ጅሃዳውያን ተሰሊፎን ዝዋግኡ ዝነበሩ ዜጋታተን ንምቅባል ድላይ ዘይብለን ምዃነን እዩ

ደቂ እቶም ኣብ ጐድኒ ጅሃዳውያን ተሰሊፎን ኣብ ውግእ ዝተጸምበሩ ጅሃዳውያን ዜጋታት ኣልባናውያ፡ ኣብ ኣል - ሆል መእለዪ ተመዛበልቲ ዝነበሩ ሕጻናት ብሓገዝ ዓለም ሓቆፍ ቀይሕ መስቀል ናብ ሃገሮም ብሰላም ከምእተፋነዉን እቶም ሕጻናት እቲ ውግእ ዘሕደረሎም ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይትን ጸቕጥን ናይ ምብዳህ ብቕዓት ዘለዎም ከምዝኾኑ እውን ክሕበር እንከሎ፥

ሶሪያ፥ ኣልባናውያን ሕጻናት ደቂ ነበር ጅሃዳውያን ኣባላት ዳዒሽ ናብ ሃገሮም
ሶሪያ፥ ኣልባናውያን ሕጻናት ደቂ ነበር ጅሃዳውያን ኣባላት ዳዒሽ ናብ ሃገሮም

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ኣብ ሶሪያ ሰሜናዊ ዞባ ዝርከብ ኣብ ሓሳካ ብሓይሊ ጸጥታ ዓረብን ኩርድን ኣብ ዝመሓደር መእለይ ተመዛበልቲ ዓል-ሆል ልዕሊ ሚእቲ ሺሕ ዝግመቱ ተመዛበልቲ ከምዝርከቡን ካብኣቶም ደቂ እቶም ወጻእተይናታት ናይ ዳዒሽ ነበር ተሓባበርቲ ኣባላት ጅሃዳውያን ዕጡቓት ሓይሊ ከምዝኾኑን ልዕሊ 20 ሺሕ ዝግመቱ ካብ ዝተፈላለያ 60 ሃገራት ዝተዋጽኡ ምብዛሕቲኦም ምዕራባውያን ምዃኖም ዝንገረሎም፡ ኣብ ጉድኒ ዳዒሽ ተሰሊፎም ዝዋግኡ ናይ ዝነበሩ ኣባይቲ ስድራ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፡

ሶሪያ፥ ኣልባናውያን ሕጻናት ደቂ ነበር ጅሃዳውያን ኣባላት ዳዒሽ ናብ ሃገሮም
ሶሪያ፥ ኣልባናውያን ሕጻናት ደቂ ነበር ጅሃዳውያን ኣባላት ዳዒሽ ናብ ሃገሮም

ዘይተረጋገጸ ሕጋውነት ማዕቅፍ

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝኾነ ብዛዕባ እቶም ወጻእተይናታት ነበር ኣባላት ዳዒሽ ብቐዳምነት ፈረንሳ ዝምልከት ኮይኑ ብጠቕላላ ካብ 150 ክሳብ 200 ዝኾኑን ካብ 200 ክሳብ 250 ሕጻናት ዝርከብዎም ዜጋታታ ዝምልከት ኮይኑ፡ ስዒበን ጀርመንን ነዘርላንድን ሽወደንን በልጅምን እንግሊዝን ከምዝኾና እቲ ጸብጻብ የመልክት፡ እቲ ዓቢይ ጸገም ኮይን ዘሎ ብዙሓት ሃገራት ነቶም ነበር ኣባላት ዳዒሽ ዝኾኑ ኣብ ሶሪያ ኣብ ጐድኒ ጅሃዳውያን ተሰሊፎን ዝዋግኡ ዝነበሩ ዜጋታተን ንምቅባል ድላይ ዘይብለን ምዃነን እዩ፡ እዚ ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ሕጊ ጸገም ይፈጥር ኣሎ፡ እቶም ናይዚ ጸገም እዚ ብፍላይ ኣደዳ ዝኾኑ ዘለዉ ኸኣ ሕጻናት እያቶም።

ናይ ኣርባዕቲ ሕጻናት ኣልባናውያን ጉዳይ

ኣብዚ መቓን’ዚ ዓለም ሓቆፍ ቀይሕ መስቀልን ናይ ሶሪያ ቀይሕ ፍርቂ ወርሕን ብምትሕብባር ካብ መዓስክር ተመዛበልቲ ሓንቲ ኣልባናዊት ስድራ ቤት ናብ ሃገራ ክትፋነው ከምዝገበሩን ኣርባዕተ ሕጻናትን ኣዴኦምን ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ቅድም ናብ ደማስቆ ደሓር ብበይሩት ኣቢሎም ናብ ዝመጹላ ሃገሮም ኣልባኒያ ከምእተመልሱን፡ እዚ መደብ’ዚ ምስ ናይ መንግስቲ ኣልባኒያ ብምትሕብባር ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ናይ ሃገረ ኣልባኒያ መራሔ መግንስቲ ኤዲ ራማ ኣብ በይሩት ምብጻሕ ኣካይዶም፡ እቶም ሕጻናት ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ናይ ምግባር ኪደት ብሓቂ ዝተሓላለኸ ከምዝኾነን ሓቢሮም፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ከምቲ ዝተሓሰቦ እታ ስድራ ቤት ናብ ኣልባኒያ ክትመለስ ከምዝበቐዐት ይሕብሩ።

እቶም ካልኦት እውን ናብ ዝመጹለን ሃገራቶም ንኽምለሱ ናይ መንግስታቶም ጻዕርን ስምምዕን ወሳኒ ከምዝኾነ እቲ ጸብጻብ የመላኽት።

31 October 2020, 22:04