ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ንኹሉ መታን ንምድሓን ንሓደ ካብ ድኽነት ምድሓን ር.ሊ.ጳ.፥ ንኹሉ መታን ንምድሓን ንሓደ ካብ ድኽነት ምድሓን  

ር.ሊ.ጳ.፥ ንኹሉ መታን ንምድሓን ንሓደ ካብ ድኽነት ምድሓን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነቲ ማሕብራውን ማሓድሮኣውን ፍትሒ ንኹሉ ብዝብል መርሕ ቃል ዝተመርሔ ተዘኪሩ ዝውዕል ዕለት 17 ጥቅምቲ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ጸረ ድኽነት (ንምጥፋእ ድኽነት) እናሓሰቡ፡ ብትዊተር ብዘመሓላለፍዎ ቀዳማይ መልእኽቲ መልእኽቲ ኣቢሎም ሎሚ ኩላትና ወይ ብሓባር እንተዘይኮነ ሓደ’ኳ ንበይኑ ክድሕን ኣይከኣሎን ዝብል ምስትውዓል ኣባና ከነዕብይ ይግባእ ዝብልን ናይ ሓደ ናይ እንነብረሉ ክፍሊ ዓለም ከባቢ ድኽነትን ምንቁልቋልን ስዒቡ ዝነብሮ ስቓይን ንናይ መላእ ዓለም ጸገም ናብ ምዃን ዝራባሕ እዩ ዝብል ካልኣይ መልእኽቲ ከምዝፈነው ክዝከር እንከሎ

ዕለት 17 ጥቅምቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ምጥፋእ ድኽነት ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ናይ ውልቀ ሰባት ስቓይ ንብዙሓት ዝልክም ስግኣት ስለ ዝኸውን ንውልቀ ሰባት ካብ ጸገሞም ምድጋፍ ቀንዲ መፍትሒ ምዃኑ ከምዘተሓሳሰቡን፡ በታ ዕለት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ምጥፋእ ድኽነት ምኽንያት ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኢጣሊያ ኣብዚ እዋን ዝርአይ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዓለም ብድኽህነት ዝጥቅዑ ዜጋታት ብዝሒ ክብ ክብል ይድርኽ ከምዘሎ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነቲ ማሕብራውን ማሓድሮኣውን ፍትሒ ንኹሉ ብዝብል መርሕ ቃል ዝተመርሔ ተዘኪሩ ዝውዕል ዕለት 17 ጥቅምቲ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ጸረ ድኽነት (ንምጥፋእ ድኽነት) እናሓሰቡ፡ ብትዊተር ብዘመሓላለፍዎ ቀዳማይ መልእኽቲ መልእኽቲ ኣቢሎም ሎሚ ኩላትና ወይ ብሓባር እንተዘይኮነ ሓደ’ኳ ንበይኑ ክድሕን ኣይከኣሎን ዝብል ምስትውዓል ኣባና ከነዕብይ ይግባእ ዝብልን ናይ ሓደ ናይ እንነብረሉ ክፍሊ ዓለም ከባቢ ድኽነትን ምንቁልቋልን ስዒቡ ዝነብሮ ስቓይን ንናይ መላእ ዓለም ጸገም ናብ ምዃን ዝራባሕ እዩ ዝብል ካልኣይ መልእኽቲ ከምዝፈነው ክዝከር እንከሎ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ መላእ ዓለም ድኽነትን ናይ መግቢ ሓገዝ ናይ ዘድልዮም ብዝሒ ዜጋታት ክብ ክብል ይድርኽ ከምዘሎ ይንገር።

ኤውሮጳ ናብ ሰልሚ ድኽነት

ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤት ኣብ ዓለም 739 ሚሊዮን ዜጋታት ዕለታዊ መነባብርኦም ብ 1.90 ዶላር መዓልታዊ እቶት ከምዝመርሑ ክሕብር እንከሎ፡ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ 2020 ዓ.ም. 115 ሚሊዮን ዜጋታት ናብ ድኽነት ክውድቕ ከምዝኽእል እንከለማኽቱ፡ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ 2016 ዓ.ም. ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም 16 ሚእታዊ ዝሽፍን ብድኽነት ዝተጠቕዔ ከምዝነበረን፡ ሎሚ እቲ ብዝሒ ብመጠኑ ክብ ይብል ከምዘሎን፡ ድሕሪ ክስተት ኮቪድ - 19 ኤኮኖሚያውን ቁጠባውን ምርግጋእ ናብ ዘይምርግጋእ ንኸብል እውን ይገብር ከምዘሎን፡ እዚ ለብዒ እዚ ሓደስቲ ድኻታት ይፈጥር ከምዘሎን ብፍላይ ግዚያዊ ሰራሕተይናታትን ኣንጠረይናታትን ተመሃሮምን ኣዚዩ ዝጐድእ ከምዝኾነ ይሕበር።

ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዘስዕቦ ከቢድ ጸቕጢ

ኣብ ኤውሮጳ ካብ ኣርባዕተ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንስግኣት ድኽነት ዝቃላዕ ከምዝኾነን፡ እቲ ናይ 2020 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ውድብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግባውነት መርሓ ግብሪ፥ 690 ሚሊዮን ዜጋታት ንዝተመጣጠነ መግቢ ስእነት ከምእተቓልዑን ናይ ኤውሮጳ ናይ ቁጠባ ጉዳይ ዝኸታተል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብቲ 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ናይ 2018 ዓ.ም. ጸብጻብ፥ 23 ሚሊዮን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ኤውሮጳ ንድኽነትን ንተነጽሎ ማሕበራውነትን ሓደጋ ከምእተቓልዑ ኣመልኪቱ ከምዝነበረ ይዝከር።

ኣብ ኢጣሊያ ጸብጻብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ማሕበር ጨንፈር ኢጣሊያ

ብምንቁልቋል ኤኮኖምን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19ን ምኽንያት ኣብ ኢጣሊያ ብዝሒ ድኻታት ክብ ይብል ከምዘሎ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ማሕበር ጨንፈር ኢጣሊያ ኣብ ዘቕረቦ ጽብጻብ ኣመላኺቱ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝተፈላለያ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ናይ ድኻታት ብዝሒ ክብ ከምዝበለን ብኣሃዝ 450 ሺሕ ዝግመቱ ዜጋታት ዝምልከት ከምዝኾነን ብጨንፈር ካሪታስ ኢጣሊያ ዝድገፉ ቁጽሪ ዜጋታት ኣዚዩ ክብ ይብል ከምዘሎን፡ ኣብ 2019 ዓ.ም. 13 ሚእታዊ ዝሽፍን ዝነበረ ብዝሒ ኣብ 2020 ዓ.ም. ናብ 45 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለ ኣብ ጸውጸኦ ጸብጻብ ሓቢሩ፥ ኣብ ካሪታስ ኢጣሊያ 62 ሺሕ ወለንተይናታት ድኻታት ኣብ ምእላይ ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ዝተዋፈሩ ከምዝኾኑ ኣመላኺቱ፡ ለብዒ ኮቪድ - 19 ብዝሒ ድኻታት ካብቲ ዝነበሮ ክብ ክብል ከምዝገበረ ካሪታስ ኢጣሊያ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ይሕብር።

ድኽነትን ምትሕብባርን

ከምቲ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና፥ “ድኽነትን ኢማዕርነትን ስእነት ስራሕን ስእነት ኣባይትን ዝፈጥርን ማሕበራውን ናይ ስራሕን መሰልን ክብርን ዝግህስን ቅርጺ ምውጋእ የድሊ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎ፡ ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤት ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ኣብ ዓለም ናይ ኣባይቲ ስድራ ዓመታዊ እቶት ክምዝነከየ ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ጨንፈር ካሪታስ ኢጣሊያ፥ ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ክንክን ጥዕና ካብ ዝተበገሰሉ ዕለት ኣብ ጐድኒ ድኻታት ከምቲ ወትሩ ዝፍጽሞን ካብቲ ዘካይዶ ጻዕሪ ንላዕሊ ድጋፍ ኣብ ምቕራብ ይነጥፍ ከምዘሎን፡ ኣብ 136 ሰበኻታት ንናይ ድኻታትን ንሓደስቲ ድኻታት ሕጹጽን ኣገዳስን መሰራታዊ ወጻኢታት ንምሽፋን ዘኽእል ረሲድ ሃብቲ ገንዘብ ከምዘቕረበን፡ በዚ መደብ ሓገዝ እዚ ን 2.073 ሓደስቲ ድኻታት ዘድሊ መሰረታዊ ሓገዝ ከምዘቕረበ ጸብጻብ ካሪታስ የመላኽት።

19 October 2020, 12:26